ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ  

ስተላ፥ ኣብ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ናይ ወንጌል “ግልጽነት”

ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ተክለ ሰብነት ናይ ሕዝቢ ጓሳን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህርን ብዝብል ይጽመር

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 42 ዓመት ሕርየት ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ትሕትናኦም ናይቶም ድሕሪኦም ዝመጹ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መገዲ ዘቕንዑ እዮም ቢሎም፥ ዕለታዊ ኣነባብራኦም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እውን ከምዝመሳሰል ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝደኸመን ስቓይ ዝርእይ ወጅሂ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት 1978 ዓ.ም. ብፍላይ ከኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ዕለት 6 ነሓሰ ድሕሪ ዕረፍቶም፡ ዕለት 26 ነሓሰ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ተኸታሊ ጳውሎስ ሻድሻይ ኮይኖም ተሓረዩ። ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ናይ ንኡሳን መንፈስ ትሕትና - ሰሓብነት ንኡሳን ኣእተዉ፡ ገርሄይናነቶምን ትሕትናኦምን ኣብቲ ናይ ሮማ ጵጵስናኦም የንጸባርቕ፡ ሕያውነት ንኡሳን! ናይ እግዚኣብሔር ፍሽኽታ ኮኑ፡ ናይ ዝምሕር ወጅሂን ናይ ዘፍቅርን ብፍላይ መሓርነት ናይ ዝነብር ጽባቔ ኮኑ።

ዓሚዪቕ ቅርበት

ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ ቤተ ክርስቲያን ንዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ቅዱስ ንኽትብሎም መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ እውን እንተኾኑ፡ ንዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ከም ሰብን ከም ጓሳን ከምዝፈልጥዎምን እቲ ንሶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ብኹሉ ተፈላጢ ከምዝኾነ ይሕብሩ።

ተክለ ሰብነት ሉቻኒ

ዳርጋ ንኣስታት 10 ዓመታት ናይ ሰበኻኦም ጳጳስ ከምዝነበሩ ይዝክርዎም፡ ኣብኦም ናይ ሕጻናት የዋህነት ይጉልሕን ናይ ጵጵስናኦም መንፍሳዊ መርሆ እውን ንገዛእ ርእሱ ትሕትና ዝብል እዩ፡ ናይ ሕጻናትን ንኡሳንን ግልጽነት ከምቲ ወንጌል ብዛዕባ ትሑታት ዝብሎ ኮኑ። ናይ ወንጌል ግልጽነት እዮም እንክብሉ ይገልጽዎም።

ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ተክለ ሰብነት ናይ ሕዝቢ ጓሳን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህርን ብዝብል ይጽመር። ናይ እምነት ሓቅነት ብወስታን ብመሰረት ዕለታዊ ሕይወትን መነባብሮን ዘብርሁን ዘቕርቡን ምስ ታሪኽን ኩነታትን ብምሳሌን በዚ ኣቢሎም ነቲ ዝሰምዖም ዝነበረ ናይ እምነት ጽባቔ ብጭቡጥ ዘቕረቡ ከምዝነበሩ ገሊጾም፥ እዚ ኸኣ ቅድም ከም ካህን ደሓር ከም ጳጳስን ቀጺሎም እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘይተፈለዮም ተክለ ሰብነት እዩ ኢሎም።

ከም እትደልዮ ክኸውን ግበር

ብቛንቋዊ ምንጽጻር ክዝክሮም እንከለዉ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ዘመሳስሎም ጠባያት ከምዝርእዩን፡ ምስቲ ናይቲ ዝተወለድሉ ከባቢ ሕዝቢ ክራኸቡ እንከለዉ ብላህጃ ናይቲ ከባቢ ክዛረቡ እውን ትሰምዕ፡ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ብዙሕ ሕዳስ ቃላት ብምጥቃም እምነትን ሕይወት ክርስትናን ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ይገብሩን፡ እቲ ዘእትውዎ ሕዳስ ቃላት ኣብቲ ልሙድ ቋንቋ ልሙድ ኮይኑ ትሰምዖ”፡ ቁጥብነቶም እውን ብዙሕ የመሳስሎም ምስ በሉ ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ብዙሕ ዝፈትውዋን ዘዘውትርዋን ጸሎት ንእግዚኣብሔር፥ “ከም ዝኾንክዎን ምዃነይን ተቐበለኒ ምስ ውስንነተይን ግድፈታተይን ኵሉ፡ ግና ክምቲ ንስኻ ክኾኖ እትደልየኒ ግበረኒ” ትብል ብጹዕነቶም ይዝክሩ።

እዚ ዜና ቫቲካን እዩ

 

Coprifuoco a Gaza. Il parroco: con la pandemia comunità cristiana più unita e forte

ሰዓት እቶ እቶ ኣብ ጋዛ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን ለብዒ ስሙርን ጽኑዕን

ተቐይድካን ኣብ ቅጽሪ ማዕቅብ ኤኮኖሚ ምንባር ተለማሚድናዮ ኢና፥ ነዚ ዝበሉ ኣብ ጋዛ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ጋብሬል ሮማነሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ንፈለማ ግዜ መብዛሕቲኡ ነቶም ኣዚዮም ድኻታት ዝኾኑ ክቱር ዘጥቕዕ ዘሎ ናይ ለብዒ ኮቪድ -19 ሕመረታዊ ቦታ ተለልዩ ከም ኣተፈልየን እዚ ጽንኩር ኩነት’ዚ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ብሓባር ምስ ካልኦት ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ኣብ ቅድሚ ኮቪድ - 19 ጥሙራት ኮይኖም ከይተንበርከዅን እቲ ለብዒ ምስ ዝተፈላለየ ክፍሊ ሕብረተሰብ ስሙራትን ናይ ናጻ ግዜ ኣጠቓቕማ ኣኽእሎቶም እውን ክብ ከምዘበለ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ለይቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስ ካብ ዝዓረደሉ ስፍራ ብቐጻሊ ከምቲ ዝወረሐ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ እውን ከምዘይተራእየን ዝገለጹ ኣብ ጋዛ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ቆሞስ ኣባ ሮማነሊ ኣስዒቦም፥ ጋዛ ዳርጋ ካብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ጽንኵር ኵነት እትርከብ እውን እንተኾነት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሰብኣውነት ሃብታምን ዘደንቕን ሰብኣዊ ክብሪ የመስክር ኣሎ ይብሉ።

ፖለቲካን ኤኮኖምን

ናይ ቓጣር ልኡኽ ናብ ፍልስጥኤም ብምኻድ ምስ ሓማስ ኣብ ዝቆጻጸሮ ቦታ ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስ ናይ ሓማስ ላዕለዎት ኣካላት ተራኺቦምን ፍርቆም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝኾኑ ብጠቕላላ ንልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ንዝግመት ንናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ድጋፍ ከምዘቕረቡን፡ እዚ ሓገዝ እዚ ክበጽሕ ዘኽኣሎ፡ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ብሓልዮትን ብተሳታፍነት ምስርን ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ግዝያዊ ቆኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ውጥረት ከምዘሎ እዩ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ምትሕልላፍ ኣቕሑ ንግድ ዓጊቱን ሕዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ ዘይክእልን እቲ እንኮ ዝኾነ ጸዓት ሓይሊ መብራህቲ እውን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዳርጋ ተዓጽዩ እዩ። እዚ ኹሉ ጸገም’ዚ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ከቢድ ማሕታ ከምዘለዎ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ጠቒሶም ይሕብሩ።

እዚ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ጭቡጥ ኵነት እዩ፡ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ፡ ብለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ኵሉ ኣብ ተወሸብ ብምህላዉ ድኽነትን ስእነት ስራሕን ክብ ከምዘበለን፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ኾሮና ተህዋስ ካብ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ ርእሰ ምምሕዳር ከባቢ ወጻኢ እዩ ዝነበረ ሕጂ ግና ምስቲ ዘሎ ኵሉ ጸገም ንሱ ተሓዊስዎ ብዙሕ ፍርሒ የስዕብ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ጋዛ ናይ ብሔራዊ መንግስቲ ሓበሬታ 4 ሰባት ብኾሮና ተህዋስ ከምእተለኽፉ ክሕብር እንከሎ፡ ድሮ ሰዓት እቶ እቶን ውሸባን ከምእተወሰነን፡ ሰብ ዳርጋ ኣብ መገዲ ኣይትርእን፡ ሕዝቢ ብውግእን ውጥረትን ኣብ ቀይድን ብዘይ ምንቅስቓስ ምንባር ዝተለማመዶ ስለ ዝኾነ ንኣኡ ሓድሽ ኣይኮነን፡ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ እስራኤልን ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ከቢድ ሞትን ሕማምን ሳዕቤናቱን ከቢድ ብምንባሩ እውን ሕዝቢ ፍልስጥኤም ክፈርሕ ክትርእዮ ባህርያዊ እዩ፡ መንግስቲ እውን ሕዝቢ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብር የተሕሳስብ ኣሎ ኢሎም።

ናይ ፍልስጥኤማውያን ተመዛበልቲ መንበሪ ቦታ እቲ ብዙሕ ጸገም ዝረኣይሉ ስፍራ እዩ፡ ከቢድ ድኽነት ዘለሉ እውን ብምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ሰዓት እቶ እቶ ክኽበር የጸግም፡ ኣብ ሓንቲ ቤት ካብ 10 ክሳብ 14 ዝነብሩሉ ብምዃኑ ምውሻብ ከቢድ እዩ ዝኸውን፡ መንግስቲ ወሽመጥ ጋዛ ብምኽፍፋል ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ዞባ ሕዝቢ ከይመሓላልፈ ይገብር ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ለብዒ ንምዳህ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እዩ ። ብዙሕ ጸገም እዩ ዘሎ . . . እቲ ዘገድስ ህላወነት እዩ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጋዛ ብዝተፈላለየ መዳይ ብዘይ ናይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ሓገዛ ተቕርብ ተጸናንዕን ትምዕድን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ብሓባር ትዓይን ናይ ሓባር ዘተ እውን ተተባብዕ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

29 August 2020, 01:06