“ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽስደዱ ዝተገዱ”፥ ንምዕባይ ምትሕልላይ

ኣብ 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ተመዛበልቲ ጉዳይ ኣመልካቲ ማእከል ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ ብሓፈሻኡ ኣብ ዓለም 41.3 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ

ዕለት 27 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንናይ ውሽጢ ሓገር ተመዛበልትን ስደተይንታትን” ኣማእኪሎም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን መልእኽቶም ድማ እቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ካብ ቦታ ቦታ ንኽመዛበሉ ንዝግደዱ ኵነታቶም ኵሉ ኣስተውዕሎን ግንዛበን ክረክብም መታን ኣሚቶም ዘቕረብዎ ምዕዳን መሰረት

ዕለት 5 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ብዝከታተል ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን IDP ኣሕጽሮተ ቃል እንግሊዘይና ንናይ ውሽጢ ሃገር ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ  ሓድሽ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዝሓንጸጸ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዳቪደ ዲዮኒሲ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መስራቒ መስመር 122 መረሓ ጐደና ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይቲ ብናይ ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ  ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝኸታተል ቤት ጽሕፈት ዕለት 5 ግንቦት ብወግዒ ከምዝቐረቦን እዚ ነቶም ኣብ ከተማታትን ህልውናን ደጋዊ ክፍሊ ንዝርከቡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንምዝብልና ሓደጋ ዝተቓልዑ ኣብ ዘድልዮም እንገዳን ክንክንን ምንቕቓሕን ምውሃድን ኣብ ዝብሉ ዕሴታት ዝጸንዔ ደገፍ ኣብ ምቕራብ ዘተባቦን ዝመርሕን ምዃኑ ዝሓበሩ ዲዮኒዚ ኣስዒቦም “ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። 36
ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር” (ኦሪት ዘሌዋውያን ምዕ። 25, ካብ ፍቕዲ 35 . . . )
ዝተወስደ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ መርሕ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዓለም 41 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ከምዘለዉ

ኣብ 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ተመዛበልቲ ጉዳይ ኣመልካቲ ማእከል ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ ብሓፈሻኡ ኣብ ዓለም 41.3 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚኣቶም ከምቶም ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ብዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ሓልዮ ሓለዋ ንዘይረኽቡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ውሽጢ ንዝመዛበሉ ብቐጥታ ዝምልከት መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኮይኑ፡ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ዘይዛረባሉን ብዛዕባኡ ምዝራብ እውን ብዙሕ ግዳሰ ዘይብሉን ዳርጋ ጥቕሚ የብሉን ዝብል ግምት እውን ዝህቦ ጭቡጥ ክስተት እዩ፡ ስለዚ እዚኣቶም ዝተመዛበሉ ክነሶም ዘይንገርሎም ካብቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ዘይተፈላጥነት ንኽላቐቑ ዝድግፍ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዝኾነ ዲዮኒሲዮ ሓቢሮም።

መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ሕዝቢ ርእይቶን ምስትውሃስ

“ቤተ ክርስቲያን ነዚ ክስተት`ዚ ንምብዳህ መራኸቢ ብዙሓንን ሕብረተሰብን ብፍላይ መንእሰያትን ብጠቕላላ ህዝባዊ ርእይቶ ክስትውሃስ ተተባብዕ”፡ ነቶም ዝተመዛበሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅድም ቀዳድም ኣብ ምክልኻል ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ሰጋእመጋእ ዝብል ወይ ውን ነቲ ናይዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠለባት ንምግጣም ድላይ ዘይብሎም ዝመስሉ ብሔራዊ ናይ መንግስቲ ስልጣናት ሓላፍነት እዩ፡ ናይ ሃገራት ልዑላውነት ብምኽባር ነዚ መስቀላዊ ሕቶ’ዚ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሓናጽን ደጋፍን መደብ ዘድልዮ እዩ።

ግልጺ ኣገባብ

ምእንቲ’ዚ ብዞባውን ብብሔራውን ብዓለም ለኻውን ጽፍሕታት ፍሉይ ናይ ተመዛበልቲ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ማለት ንምክልኻሎም ዝዓዪ ስልጣን ብግልጺ ኣገባባት ምቛም ከምዘድሊ እቲ ዝተሓንጸጸ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ  መደብ የተሓሳስብ፡ ብዓለም ሓቆፍ ሕግታት መሰረት ዝዓይን ኣብቲ መንግስታት ብብሔራዊ ደረጃ ብቕዓት ድዩ ወይ ውን ድላይ ኣብ ዘየርእየሉ ከባቢ ድጋፍ ምቕራብን ምሽምጋልን ከምዘድሊ የመላኽት።

ንግድ ስብን ዓሌታዊ ግርጭታትን

እቲ ሰነድ ኣብ ዓለም ዝረአይ ከቢድ ሰብኣዊ ገበን ዝኾነ ንግድ ሰብ ኮኒኑ፥ ነቶም ተመዛበልቲ ኣብ ምክልኻሎም ንዝዓዩ ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ኣባላት ደሕንነት ውሑስ ክኸውን እቲ ሰነድ ተላብዩ፡ እቲ ናይ ምዝብልና ምኽንያት ዝኾነ “ዓሌታውን ነገዳውን ግርጭት” ፈሊኻ ብምልላይ ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምብዳህ ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ንኽፍወስ እናነቓቐሔት፡ ኣብ መንጐ ዓሌታትን ነገዳትን ዕርቅን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ክህሉ ንኽትዓዪ ዝተጸውዔት እያ፡ ዘይጐነጻዊ ምርጫ ርዱእን ቅቡልን ኮይኑ ናይ ሕይወት ኣገባብ ክኸውን ሕንጸት ተቕብር ዝብል ሓሳብ እውን ዝተነብሮ ምዃኑ ዝሓበሩ ዲዮኒሲ ኣተሓሒዞም፥

ናይቲ ሰነድ መዕጸዊ

ኣብ ዞባታት ኣብ ዝርከባ ኣባይቲ ክርስቲያን፡ ነቲ ናይቶም ተመዛበልቲ ቀረብ መሰረታዊ ድላይ ውሑስ ንምግባር ዝፍጸም ኣገልግሎት መሳለጢ ዝውዕል መመወሊ ናይ ምእካብ መደብ ምትብባዕን፥ እዚ ኸኣ ነቲ ብብሔራዊ ድዩ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝቐርብ ድጋፍ ንምድጋፍ ዝሃቀነን፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ነናብ ዝመጽሉ ከባቢ መታን ክምለሱ ነዚ ዘተግብር ባይታ ምንዳይን ምልላይን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍን፡ ናብ ዞባታቶም ንKምለሱ ዘድሊ ዕማም ኣብ ምስላጥን ኣብ መንጐ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝዋስኡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣካላት ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመላኺቱ ንሓገዝን ድጋፍን ውህደትን ተመዛበልቲ ምትሕብባር ዝባላበው ምዃኑ ገሊጾም።

20 August 2020, 18:04