ሃብቲ ገንዘብ ነጽዋር ውግእ ዘይኮነ ንክንክን ጥዕና ክውዕል ሃብቲ ገንዘብ ነጽዋር ውግእ ዘይኮነ ንክንክን ጥዕና ክውዕል 

ሃብቲ ገንዘብ ነጽዋር ውግእ ዘይኮነ ንክንክን ጥዕና ክውዕል

እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዓለም ሓቆፍ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ፡ ብ170 ሃገራት ቅቡል ኮይኑ ክጸድቕ ምርኣይ እወታዊ እዩ፡ “ኣብ እዋን ቅልውላው ምትሕብባር ናይ ሰላም ሓድሽ መጸውዕ ስም እዩ”

ኣብ 2019 ዓ.ም. ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዝፈሰሰ ሃብቲ ገንዘብ 1.9 ትሪሊዮን ዶላር ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ዝቖመ ጉዳይ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝከታተልን ዝዓይን ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን፥ “ምትሕብባር ዓውሎማዊ ምግባር” የድሊ ከምዝበሉን እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ እውን ብወገነን “ኾሮና ተህዋስ ነገልግሎት ክንክን ጥዕና - ሕማም ተላገብን ንምክልኻል ንዝግበር ናይ ስነ ሕክምና ምርምር ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ክሳብ ክንደይ ውሑድ ምዃኑ ኣቃሊዑ እዩ” ይብላ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋላ’ኳ እቲ ዝተኸስተ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ልዕሊ ኤኮኖሚ እውን ከቢድ ቅልውላው ዘስዓበ እንተኾነ ንግድን ዕደጋን ኣጽዋር ውግእ ግና ቅልውላው ዘይፈልጦ እዩ ኣይመስልን፡ ንሓይሊ ምክልኻል ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ ኣዚዩ ይዝይድ ኣሎ፡ እቲ ውስጠ ተራኻቢ ዝኾነ ቅልውላው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ማሓድሮኣውን እናሰፈሔን ኣብ መንጐ ድኻታትን ርኹባትን - ሃብታማትን ዘሎ ጋግ ኣዚዩ እናዓበየን እቲ ጋግ ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታምን ጥራሕ ዘይኮነ ብዝተፈላለየ መዳይ እውን ኣዚዩ እናዓበየ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ እውን በጺሑ ከዝምዘሎ እዩ ዝንገር፡ ብዘይ ሰላም ሕውይት ክህሉ ዘይከኣል እውን ምዃኑ የብርሁ።

ግጭትን ኢፍትሓውነትን ምውጋድ

ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነትን ክንክይ ዝድለ እንተድኣ ኮይኑ ግጭት ክንክይ ኣለዎ፡ ብረታዊ ግጭትን ዓመጽን ድኽነትን ሰላም ዝዓግቱ ተራኻብያን ጸገማት እያቶም፡ ምዕባለ የተዓናቅፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንግህሰት የቃልዕ፡ ስለዚ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዓለም ሓቆፍ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ፡ ብ170 ሃገራት ቅቡል ኮይኑ ክጸድቕ ምርኣይ እወታዊ እዩ፡ “ኣብ እዋን ቅልውላው ምትሕብባር ናይ ሰላም ሓድሽ መጸውዕ ስም እዩ” ይብሉ።

ዜጋታት ንናይ ሓባር ረብሓ ሃብቲ ገንዘብ ዘዋፍር መንግስቲ እዮም ዝደልዩ

ናይቲ ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ዝቖመ ጉዳይ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝከታተልን ዝዓይን ሽማግለ ዓማሚ ሓይሊ ኣወሃሃዲት ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ እውን ብወገነን ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፥ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሜላ ምሕያል የድሊ፡ እዚ ከኣ እተን ኣጽዋር ውግእ ዘምርታ ትካላት ናብ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት መውሃቢ ትካላት ብምቕያርን፡ ክንክን ጥዕናን ምትሕብባርን ዝተፈላለዩ ሕማም ተላገብን ለብዕን ኣቐዲምካ ንምክላኽ ድልው ዝኾነ ናይ ስነ ምርምር ኪደት ምሕያል፡  ምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ክንየው እቲ ዘስዓቦ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስንኩንፍ ምዃኑ ኣመላኺቱ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበለዎ መሃዛዊ መፍትሒ የድሊ፡ ኣክንዲ ውደራ ኣብ ምኽዕባትን ምምሃዝን ኣጽዋር ውግእ ንውሕስነት መግብን ነገልግሎት ክንክን ጥዕና ምቅድዳም የድሊ፡ ዜጋታት ንናይ ሓባር ረብሓ ሃብቲ ገንዘብ ዘዋፍር መንግስቲ እያቶም ዝደልዩ፡ ንኣብነት ኣብ ኢጣሊያ ገለ ገለ ኣጽዋር ውግእ ዘምርታ ትካላት ንለብዒ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ዘድሊ ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ከምርታ ተራእዩ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ዘድሊ እዚ ዓይነት ምልዋጥ እዩ፡ ቀጻሊ ምልዋጥ ክከውን ተስፋ ንገብር ኢለን።

ኣገዳስነት ዝተሓደሰ ምቁጽጻር ምህርቲ ኣጽዋር ውግእ

ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓይሊ ምክልኻልን ኣጽዋር ውግእን ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ካብቲ ኣብ ዝሑል ውግእ ካብ ዝነበረ ንላዕሊ ዝዛየደ እዩ፡ “እቲ ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ንምህርቲ መሳርዕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ንውሕስነት መግብን ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ሓምላይ ኤኮኖምን ንዘተኮረ ኤኮኖሚ ምውዓል የድሊ፡ ምእንቲ’ዚ ዝተሓደሰ ምቁጽጻር ምህርቲ ኣጽዋር ውግእ ኣገዳሲ ይኸውን” ነዚ ዝበሉ ናይቲ ጉዳይ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ሽማግለ ናይ ውሕስነት ዓማሚ ሓይሊ ኣወሃሃዲ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሓፈት በዓል መዚ ኣለሲዮ ፐኮራርዮ ክኾኑ እንከለዉ ኣስዒቦም - ውሕስነት መግቢ ንዓለም ሓቆፍ ደሕንነት መሰረታዊ እዩ” ኢሎም።

ሃብቲ ገንዘብ ነጽዋር ውግእ ዘይኮነ ንክንክን ጥዕና ክውዕል
09 July 2020, 21:21