ንክትዕረቅ ጽን ቢልካ ምስማዕ የድሊ! ር.ሊ.ጳ ንዕለት ስደተኛታት

ዓለምና ዳርጋ ንነፍሲ ወከፍ ዕለት ዓለም ለኸ ዕለት እናበለ ንበበይኑ ዝኾነ ፍጻሜታትን ኩነታትን እንክትዝክር ዕለት 27 መስከረም ከኣ ዓመት መጸ ዓለምለኸ ዕለት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ኰይና ንመበል 106 ግዜ ንዝመጽእ መስከረም 17 2020 ክትዝከር እያ።

ዜና ቫቲካን!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንናይ ሎምዘመን ዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ዝኸውን መልእኽቲ ኣብ ዘሰናድውሉ ዘለው ግዜ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሥድራቤቱ ማለት ቅዱስት ሥድራን ቀዳሞት ስደተኛታት ብምዃን ንምረት ስደት ጥዒሞም ከምዘረከቡና ብምግላጽ ይጅምርዎ።

‘ኣብዛ ነፍሲ ወከፍ ቅንዕናኡ ከውሕስ ዝቃለሰላ ዓለምና ጽን ኢልካ ንምስማዕ ግዜን ቦታን ዕድልን የለን። ነፍሲወከፍ ክዛረብ ጥራይ ይደሊ። እንተኾነ ብትሕትና ጽን ኢልካ ብምስማዕ ጣርሕ እዩ ብሓቂ ክንዕረቅን ክንሰማማዕን እንኽእል’ ብማለት ብጽሞና ጽን ኢልካ ምስማዕ መፍትሒ ናይ ኩሉ ምዃኑ ብምግላጽ ከም ኣርእስቲ መልእኽቶም ከኣ ‘ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንክስደዱ ዝተገደዱ’ ትብል ሓረግ መሪጾም።

ንክትሃድም ምግዳድ!

ቅዱስነቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓለምለኸ ዕለታት ዝኸውን መልእኽታት ኣዋርሕ ኣቀዲሞም ስለዝጽሕፉ ንዓለም ለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን እትኸውን መልእኽቲ እውን ኣቀዲሞም ስለዝጸሓፍዋ ናይ ቅድስት መንበር ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን እትከታተል ማሕበር ዝሓለፈ ሮቡዕ ‘ንክትዕረቅ ጽን ቢልካ ምስማዕ’ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ርእየት ወይውን ቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብቲ ቪድዮ ታሪኽ ናይ ሓንቲ ሳራ ሓሰን እትብሃል ኣብ ኢራቅ ካብ ዞባ ሲንጃር ዶግሪ ኣብ ዝበሃል ቊሸት ያዚዲ ብምዃና ካብ መረበታ ተመዛቢላ ናይ ዘላ ታሪኽ ከዘንቱ መሪጹ። እዛ ሰብ እዚኣ ተመኲሮኣ ከምዚ ኢላ ትገልጽ።

‘ካብ መረበትና ክንፈናቀል ምኽንያት ዝኾኑ ብዙ ጉዳያት ኣሎ። ሓደ እቲ ዘሎና ዞባ ሲንጃር ግንባር ውግእ ብምዃኑ እዩ። ካልኣይ ከኣ ብእምነትና ተሰዲድና። ንሕና ካብቶም ውሑዳን ዝኾኑ ኣመንቲ ኢና’ ትብል እሞ ‘በዚ ኩሉ ብዛዕባናን ብዛዕባ ቦታናን ማንም ዝግደስ የሎን’ እንክትብል ናበይ ከም እትበል ዘይትፈልጥ ምዃና ትገልጽ። ሓልዮት እግዚኣአብሔር ግን ከምዘይተፍልያን ካልኦት ኣመንቲ ከምዝተቀበልዋ ትገልጽ።

ተቀበልቲ ስደተኛ!

ሳራ ናብ ታሪኻ ምልስ ትብል እሞ ንኩሉ እቲ ሕሱም ግዜ በብሓደ ብምዝካር ናብ ኩርድስታን ዝበሃል ቦታ ከምዝሃደሙን ኣብኡ ክርስትያንን ኣስላምን ከምዝተቀበልዋ ብሰናይ ዝኽሪ ተዘንቱ። ‘ካብ መረበትና ሃዲምና ናብ ኩርዲስታን ምስ መጻእ ኣብኡ ዝነበሩ ኣስላም መሳግድ ከፊቶም ከምኡ እውን ክርስትያን ኣብያተ ክርስትያኖም ከፊቶም ኣብኡ ክንዕቆብ ኣፍቂዶምልና። እቲ ፍርሂ ቁሩብ ሓሊፉልና። እንተኾነ ከም ውሑዳን ያዚዲ ገና እቲ ፍርሂ እኳ እንተሎ ሕጂ ግን ቁሩብ ውሕስነት ይስመዓና’ እንክትብል ነቲ ዓሌታውን እምነታውን መናድቅ ኣፍሪሶም ነንሕድሕዶም ክቀባበሉን እሂን ምሂን ክበሃሉን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነንሕድሕዶም ጽን ኢሎም እንክሰምዑ ሰብኣውነት ካብ ኩሉ ከምዚዓቢ ናይ እምነት ጉዳይ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዘይክእል ትገልጽ።    

ብድምጺ ንምክትታል!
23 July 2020, 12:12