ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል በኒያሚኖ  

ስተላ፥ ካብ ገዛእ ርእሰን ዝወጻን ነቲ ርሑቕ ዘሎ ዘናድያ ቁምስናታት

ናይ እግዚኣብሔር ወጅሂ ምስትንታን ማለት እዩ ካብቲ ውልቃውን ስድራ ቤታውን ጠለባትና ወጻኢ ንኽንጥምትን ተግባራትናን ትውሳኤታትናን ክንየው ቤትናን ቁምስናታትናን ዝጥምት ሰብኣውነት ዘማዕደወ

ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦን ዕለት 20 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዛዕባ ሓድሽ ናይ ሰነድ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ሕዳሴ ድሮ ኣብ ኤቅለሳውያን ተቕዋማት ኣብ ብግብሪ ዝውዕል ዘሎ ተልእኾ ወንጌል ካብ ዝብል ሕጹጽ ኣገዳስነት ተመስሪቑ ዝነቐለ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ “ቁምስናታት ገዛእ ርእሰን ካብ ምክልኻልን ንገዛእ ርእሰን ጥራሕ ካብ ምሕሳብ ዝብል ኣመለኻኽታ ተላቒቐን ወንጌል ንምብሳር ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን ዶባት ክንየው ክብላ ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቁምስናታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበል ወንጌላዊ ልኡኽነት ጸዋዕታ ብምልላይን ነቲ ኣብ ቁምስና ዝተሓጽረ ውሱን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምስጋር ክሕደሳ ኣለወን። እዚ ኣብቲ ቁስምናዊ ማሕበረሰብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንወንጌላዊ ተልእኾ ኣገልግሎት ሓዋርያው ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦ ሓድሽ ናይ ቁምስናታት ናይ መምርሒ ሰነድ ኣብ ቁምስናታት ዝምልከት ዝተፈላለዩ መደብ ሕዳሴ ኣብ መንጐ ዋሕዲ ጸዋዕታን ሕዳሴን ንዝተሓደሰ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ህርኩት ኣገልግሎት ግምት ዝህብ እውን ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ እዚ ዕለት 20 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ናይ መምርሒ ሰነድ ንቑምስናታት እቲ ብዙሕ እዋን ዝርአይ ናይ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት መውሃቢ ጥራሕ ንዘምስል ስግኣት በዲሀን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ክዕቅባን ከተኩራን ናብቲ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ሓድሽ ዓይነት ድኽነት ኣትኩይረን ከገልግላ ዘኽእለም መገዲ ዘመላኽክት እዩ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም፥ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝረአይ ዋሕዲ ካህናትን ከምኡ እውን ናይ  ቁምስናታት ዶብ ዝብል ዝነበረ ኣመለኻኽታ ዳርጋ ዝተሰግረ ምዃኑ ብጥልቂ ግምት ዝሃበ እዩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሕዝቢ ካብ ቀደም ብዙሕ ዝንቀሳቐስ እውን ብምዃኑ ኣብቲ ዝርከበሉ ስፍራ ኣብ ዘላ ቁምስና እዩ ዝዋሳእ ምእንቲ’ዚ እቲ ሓድሽ ዓይነት ቁምስናውነት ቅርጺ ምሃብ የድሊ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላውነት ዘቃልሕን ህልው ኩነታት ንዘተኣታተዎ ምቅይያራት ግምት ዝህብ እውን እዩ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ቁምስታትን መዋቕር ብመንጽር ልኡካነ ወንጌላውነት ክሕደስ ዘድለየሉ መሰረታዊ ምኽንያት?

ካህናትን ምእመናንን ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒን ንኽዓዪ ዝተጸውዑ ዘይኮነ ኣካል ናይ ሓደ ማሕበረሰብን ስድራ ቤትን ንምዃን ዝተጸውዑ እያቶም፥ እዚ ኸኣ እምነት ኣብ ምስዓብን ምክፋልን እዩ ትርጉሙ፡ ናይ እግዚኣብሔር ወጅሂ ምስትንታን ማለት እዩ ካብቲ ውልቃውን ስድራ ቤታውን ጠለባትና ወጻኢ ንኽንጥምትን ተግባራትናን ትውሳኤታትናን ክንየው ቤትናን ቁምስናታትናን ዝጥምት ሰብኣውነት ዘማዕደወ ይኹን ዝብል እዩ፡ ወንጌላዊ ልኡኽነት ክበሃል እንከሎ ብኻልእ ኣዘራርባ ቁሸትካን ናይ ምቻኤ ቦታታትካን ሓዲግካ ካብቲ ናይ እምነት ጽባቔን ናይ ወንጌል ሓሴትን ተበጊስካ ኣባል ናይ ጐይታ ምዃንካ ኣስተውዒልካ እቲ ዝተዓደለካ ጸጋ ምስቶም ዘይተዓደሎም ምክፋልን ናብ ጐይታ ምምላስን ህላዌኡ ኣብ ሕይወትካ ምስትውዓልን ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።

እቲ መምርሒ ኣብ ቁምስና ዝሕጸር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስጋር ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ በቲ ናብ ብዝብል ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጽእ ዝሓትት ኪደት ዝግለጽ እዩ፡ ብጭቡጥ እዚ እንታይ ማለት እዩ?

እምነትና ክብሰር ዘለዎ ምዃኑ ክስምዓናን ንኻልኦት እውን ከነቕርቦ ከምዝግብኣና ዝስቆረና እንተድኣ ኮይንና ኣብ ናይ ቁምስንታትናን ኣብ ቀኖናውያን መናድቕ ኣቢያተ ክርስቲያንን ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነ ክራኸቦን ክጽገዎን ዘድልዮ ሰብ እዩ ዘሎ፡ ብዙሕ እዋን ቁምስና ክትክላኸሎን ክትዕቅቦን ዝግብኣካ ሕንጻ ወይ ውን ግንቢ እይኮነን ስለህ እዚ ካብ ናብ ንምባልን ካብ ገዝእ ርእስኻ ምውጻእ ዝብል እዩ፡ በራትካ ምኽፋትን መሳኹትካ ምርሃውን ሓድሽ ኣየር ንኽኣትዎ ምግባርን ዝብል እዩ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ።

ንመንእሰያትን ነቲ ኵሉ እግዚኣብሔር ዘድልዮ ኣበየናይ መንገዲ ክራኸቦ ከምዝኽእል ንዘይፈልጥ ዓለምን ምርኻብን እምነት ምምስካርን፡ ስለዚህ ቁምስናታት ናይ ድልያ ስፍራ ክኸውን እዩ ዘለዎ`፡ ካህናትን ዲያቆናትን ውፉያንን ምውጻእ ንምርኻብ ናብ ምባልን ዝነብሩ ክኾኑ ኣለዎም።

ር.ሊ.ጳ. ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም “ምስ ምዃን” ይብሉ፡ እዚ ኸኣ ግዜኻ ምስዋእን ኣብ ካልእቶን ኣባይቲ ስድራን ዘሎ ጸጋታት ምስኦም ብምርኻብ ምልላይ ማለት እዩ፡ ብዙሕ እዋን ኩላትና ልማዳውያን እያትና፥ እቲ ውሕስነት ክስምዓና ዝገብር ቤትና ልማዳትናን ኣነባብራናን ምቻኤናን ኣይንሓድግን በሃልቲ ኢና፡ እዚ ግና ናይ እምነት ውዕዉዕ ባህርይ ኣኮነን፡ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ቁምስናታትን ውዳበ ሰዓትትን ዝብል፡ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ቁምስና ከም ስድራ ቤት ምዃን እዩ፡ ካህን ናይታ ናብ እትብልን ካብ ገዛእ ርእሳ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ እዩ ክኸውን ዘለዎ እቲ ሓድሽ መምርሒ ነዚ ብሰፊ ዘተሕሳስብ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ስተላ፥ ካብ ገዛእ ርእሰን ዝወጻን ነቲ ርሑቕ ዘሎ ዘናድያ ቁምስናታት

 

21 July 2020, 18:21