ሰንበት መዓልቲ ማያት - ባሕሪ፥ ቱርክሶን ንባሕረይናታት “ንበይንኹም ኣይኮንኵምን” ሰንበት መዓልቲ ማያት - ባሕሪ፥ ቱርክሶን ንባሕረይናታት “ንበይንኹም ኣይኮንኵምን” 

ሰንበት መዓልቲ ማያት - ባሕሪ፥ ቱርክሶን ንባሕረይናታት “ንበይንኹም ኣይኮንኵምን”

ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕርይናታትን ናይ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ኢንዳስትሪታትን ኣብ እዋን ውሸባን ምፍንታትን ኩሉ መስዋዕቲ ክሳብ ምዃን ከየቋረጹ ሕዝብታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ካብ ምሕጋዝ ኣይቦኸሩን

ዕለት 12 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ተዘኪሩ ከምዝወዓለን እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ካልኣይቲ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ዝውዕል ዝኽሪ ክኸውን እንከሎ ብፍላይ ንኹሎም፡ እቶም ምስ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ምስ ዝተተሓሓዘ ኤኮኖምን ዕዮን ሕይወቶም ዝመርሑ ዜጋታት በዚ ዕዮ ምኽንያት ካብ ፍቑራቶም ቁምስናታቶም ርሒቖም ዝርከቡ ባሕረይታትን ኣብ ጸገም ዝርከቡን ማሕበርሰብ ተመሓደርቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ብፍሉይ ዝዝክር መልእኽቲ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቱርክሶን ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኦ ብጽዕቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ንጹሕ ልብኺ ባሕረይናታትን እቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ኣባይቲ ስድራኦምን ብዕዮታቶም ኣቢሎም መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን መግብን ካልኦት መሰረታዊ ኣድላዪ ዝውሕሱ ዓቅቢ” እዚ እቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮኾብ ማያት ባሕሪ ዝቐርብ ጸሎት ምህለላ መበገሲ ጸሎት እዩ፡ እዚ ጸሎት እዚ ምእንቲ ኩሎም ባሕረይንታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ዝቐርብ ምሕጽንታ እዩ፡ እዚ ናይ ለምዘበን ዓመታዊ በዓል ማያት ባሕሪ ካብቲ ልሙድ ኣበዓዕላ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ እዩ ዝተኻየደ፡ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19፡ ዓመታዊ በዓል ማያት ባሕሪ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ስኮዚያ ከተማ ግላስጎው ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እቲ በዓል ዝተበገሰሉ ብመበል 100 ዓመት ምኽንያት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ክበዓል እዩ፡ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕርይናታትን ናይ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ኢንዳስትሪታትን ኣብ እዋን ውሸባን ምፍንታትን ኩሉ መስዋዕቲ ክሳብ ምዃን ከየቋረጹ ሕዝብታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ካብ ምሕጋዝ ኣይቦኸሩን።

ዕለት ማያት ባሕሪ፥ ናይ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ስቓይ ዝዝክር እዩ

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይታትን መሰረታዊ ግደ ዘለዎም እውን እንተኾነ ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ መንግስታትን ናይ መንግስታት ተቕዋማትን ናይቶ ምስ ማያት ባሕሪ ዝተተሓሓዘ እዮ ዘሳልጡ ዘለዎም ዓቢይ ኣገዳስነት ብፍሉይ ከምዘመላኸቱ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም - ብጀካ እዚ ዘጋጥሞም ጸገም ድኻምን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋን ለብዒ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ንጹር ብምዃኑ ብዙሓት ንቤተይ ደኣ ክምለስ ክብሉ መሰሎም እኳ እንተነበረ በቲ ለብዒ ምኽንያት ዶባት ሃገራት ተዓጽዩ ብምንባሩ ብዙሓት ኣብ ዝኣተዉለን ወደባት ኣብ ዝርከባሉ ሃገራት ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽን ተዓቑይቦም ድጋፍን ሓገዝን ንኽሓቱ ተገዲዶም እዮም፡ መግቢ ድዩ ካልእ ዘድልዮም መሰረታዊ ኩሉ ክሳብ ምሕታት በጺሖም እዮም፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ቁሳዊ ጸገም’ዚ ናይ ኣእምሮን ካልእ ተተሓሓዚ ጸገም እውን ኣጋጢምዎም እዩ፡ ብዙሓት እውን ንስእነት ስራሕ ተቓሊዖም እዮም፡ “ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ንስኡናትን ድኻታትን ሓለፋ ዝብሉ እያቶም ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ምትሕብባርን ሓልዮትን ዓቢይ ክብሪ ብምዃኑ ማንም ዘይነጽጎ ምእንቲ ብጻየይ ዝብል ክብሪ እዩ”።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ንባሕረይንታት ዓለም ዘማእከለ ክኸውን እዩ

ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ መልእኽቶም ቃል ናይ ዓለም ሓቆፍ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ተመሓደርትን ባሕረይናታትን ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኪታክ ሊም ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ጠቒሶም፥ “ንበይንኹም ኣይኮንኩምን ኣይንጥንጥነኩምን ንናይ ሃብቲ ማያት ተመሓደርትን ባሕረይንታትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘሳልጡ ቆሞሳትን ወለንተይናታትን ቅድስተ ማርያም ኮኾብ ባሕሪ ኣብ ጎድንኹም ኣያቶም፡ ምእንቲ ናታትኩምን ኣባይቲ ስድራኹምን ሰናይ ኩሉ ዘገልግሉ - ቢሎም - ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ምእንቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ዝምልከት እዩ፡ መላእ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብዚ ጸሎት እዚ ሓቢሩ ምስ ቅዱስነቶም ምእንቲ ብሃብቲ ማያት ዝመሓደሩን ባሕረይንታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ክጽልዩ እዮም” ቢሎም ጸሎት ር.ሊ.ጳጳሳትን ጸሎትምን ጸሎት መላእ ምእመናን ማሕበረሰብ ካቶሊክ እውን ከምዝኸውን ኣረጋጊጾም መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ታማሮ ሓቢረን።

ሰንበት መዓልቲ ማያት - ባሕሪ፥ ቱርክሶን ንባሕረይናታት “ንበይንኹም ኣይኮንኵምን”
13 July 2020, 13:00