ቅድስቲ ሶፊያ፥ ናይ ሰላምን ዘተን ስፍራ ክኸውን ቅድስቲ ሶፊያ፥ ናይ ሰላምን ዘተን ስፍራ ክኸውን 

ቅድስቲ ሶፊያ፥ ናይ ሰላምን ዘተን ስፍራ ክኸውን

እቲ ቢዛንታዊት ካቴድራል ቅድስቲ ሶፊያ ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝተሓነጸሉ እዋን ኣትሒዙ ዘገረመን ዝማረኸን ናይ ቢዛንታዊት ርእሰ ከተማ ቁስጥንጥንያ ኣዚዩ ዘገድስ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ

ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ፥ ናብ መስጊድ ተቐየረ ደሓር እውን ናይ ቤተ መዘክር ሕጂ ኸኣ ናብ መስጊድ ክቕየር እዩ፥ እቲ ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ታሪኽ ንሰብኣዊ ፍጥረት ኩሉ ብሓባር እቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣድላዪ ዝኾነ ናይ ፍቕርን ሰላምን መገዲ ንኸለልይ ናይ ዝካየድ ጉዕዞ መስካሪ ስፍራ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ኢስጣምቡል ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ብውሳኔ ናይ ቱርኪ መንግስቲ መሰረት ናብ መስጊድ ምልዋጡ ዘሕደረሎም ስቓይ ከምዝገለጹ ክዝከር እንከሎ፡ ቅስቲ ሶፊያ ኣብ 547 ዓ.ም. ክርስቲያን ሃጸይ ጁስቲኒያኖ ዝመረቕዋን ኣብ 1453 ዓ.ም. ግዝኣት ኦታማን ንቁስጥንጥንያ ብሓይሊ ምስ ተቖጻጸረ ናብ መስጊድ ክቕየር ከምዝገበረን፡ ኣብ 1934 ዓ.ም. ብውሳኔ ኣታቱርክ ክሳብ ዕለት 10 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ናይ ኤርዶጋን መንግስቲ ናብ መስጊድ ክቕየር ውሳኔ ክሳብ ዘመሓላለፈሉ ዕለት ናብ ቤተ መዘክር ተቐይሩ ከምዝጸንሔ እዩ ዝፍለጥ፡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ እቲ  ናይ ቀደም ክርሃትን ቅርሕንት ምንጻልን ምግምማዕን ዳግም ከይምለስ መታን ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ናይ ሓባር ምክብባርን ምርድዳእን ዘተን ንምንቕቓሕ ንዝብል ኪደት ግምት ብምሃብ ውሳኔኦም ከልዕሉ ጻውዒት ከምዘቕረበ ዘጋቢት ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪያ ሚልቪያ ሞርቻኖ ይሕብራ።

ነዊሕን ጥንታውን ታሪኽ

እቲ ቢዛንታዊት ካቴድራል ቅድስቲ ሶፊያ ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝተሓነጸሉ እዋን ኣትሒዙ ዘገረመን ዝማረኸን ናይ ቢዛንታዊት ርእሰ ከተማ ቁስጥንጥንያ ኣዚዩ ዘገድስ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ ኮይኑ ከምዝጸነሐን ሎሚ እውን ናይ ከተማ ኢስጣምቡል ናይ እዋናውነታ ትእምርቲ ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ። ቅድስቲ ሶፊያ ኣብ ኪደት ታሪኽ ናይ ዝተፈላለዩ ኩነታት ዘመላኽት ጭቡጥ ስፍራ እዩ።

እቲ ሰገርነት ገዝእ ርእሱ ነኸጨብጥ ወረደ

ሮማኒያዊ ፈላስፋን ገጣምን ሉቻን ብላጋ፥ “ቅድስቲ ሶፊያ ካብ ላዕሊ ናብ ቦታነት ዘበለ፡ ብረቂቕ መላግቦ ምስ ሰማየ ሰማያት ዝተኣሳሰረ  . . . እቲ ካቴድራል ብኵለንተናኡ ነቲ ርእሰ ብቕዓታዊ ዝብል ዓለም ኣብ ባዶነት ዝቖመ ከምዝኾነ ዘመላኽትን ዘረጋግጽን ናብ ባዶነት ገዛእ ርእሱ ዝመጥጥ ዘይኮነ ብቐሊሉ ይስትርኣይን ይግለጽን። . . .  እቲ ካቴድራል ብዅለንተናኡ ናይቲ ካብ ዝተስተንተነ ብተመክሮ ዝተመስከረ ሰገርነት ገዝእ ርእሱ ጭቡጥ ንኽገብር ወረደ ንሰብ ግልጸት መለኮት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕተ የስተርእይ፡ ጸጋ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ንኽብል ስጋ ለበሰ ዝብል ሓቂ እዩ፡ . . . ግንዙብ ኮነ”  እንክብል ይገልጾ።

መለኮታዊ ጥበብ

እታ ጥንታዊት ባዚሊካ ንመለኮታዊ  ጥበብ ዝተወከፈት እያ፡ እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእሱ እቲ መጸውዕ ስሙ ብግሪኽ ቋንቋ ነቲ Αγία Σοφία - ሃጊያ ሶፊያ - መለኮታዊ ጥበብ  ዝብል የረጋግጾ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦ መሰረታዊ ሓሳብ እዩ። ኣብ ቀዳሞት ተርጎምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብ Sepuagint – ሰብዓውያን (ካብ እብራስጥ ናብ ግሪኽ ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ) ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ እቲ hakma ዝብል እብራይስጣዊ ቃል sophia - ጥበብ ብዝብል ቃል ናብ ግሪክ ይትርግምዎ እዚ ናይ መጽሓፈ ጥበባት ማእከላዊ ሓሳብ እውን እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥበብ ከም ሓደ ኣካል ይግለጽ። እዚ ሓሳብ’ዚ ካብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ዝተወስደ ኣምር ኮይኑ ብፍላይ ከኣ ፕላቶናዊ ፍልስፍና መሰረት ዝገበረን ኣብ ክርስትና ወልደ ኣግዚኣብሔር ካልኣይ ኣካል ስላሴ - Logos - ቃል ምስ መለኮታዊ ጥበብ ኣዋሂዱ ዝርእይ ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ (1ቆር። 1,24) እንክብል ከምዘመላኽቶ። ማእከልነት ኢየሱስ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ጉልላት ዝተነብረ ናይ ክርስቶስ ሳባላቃ Christ Pantocrator - ከሃሌ ኵሉ ምስሊ ዘረጋግጾን እዩ።

ናይ ትንሳኤ ብርሃን

ኣብ ቀረባታት እዋን ናይ ስነ ጥንታዊ ተመራመርቲ ኣብ ውሽጥን ደጋዊ ክፍሊ ካቴድራል ቅድስቲ ሶፊያ ብዘካየድዎ ናይ ስነ ምርምር ዕዮን ድህሳስን ከቢብ መጠመቕን ሓደ ቤተ መጻሕፍትን ዝተፈላለዩ ሳባላቃን ቅብእታትን ካልኦትን ኣብ ናይ ቢዛንታዊ ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ትንሳኤ ምልክታን መግለጽ ብርሃነ ትንሳኤ ዝሕብሩ ቅርስታት ከምዝረኸቡ ይንገር።

ቅድሚ ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ

ቅድም ክብል ኣብቲ ቅድስቲ ሶፊያ ባዚሊካ ዝተሓነጸሉ Μεγάλη Ἐκκλησία - ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ  ኣቢያተ ክርስቲያን ጎሊሑ ዝረአይ ቤት ኣምልኾ ከምእተሃንጸን ቆስጣንጢኖስ ቀዳማዊ ነታ ከተማ ሓድሽ ካቴድራል ክህልዋ ካብ ዝብል ድላዩ ብዘንቀሎ ሓሳብ እዩ፡ ኣብ 337 ዓ.ም. ኣብ ሕንጸት ዝነበረን ኣብ 360 ተጠናቒቑ ብናይ ኣንጽዮኪያ ፓትሪያርክ ኤውዶጺዮ ኣብ እዋን ኮስታንዞ ተመሪቑን ደሓር ድሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት ዓንዩን ዳግም ተሓኒጹ ብፓትሪያርክ ተኦዶዝዮ ዳግማዊ ተመሪቑ ኣብ 415 ዓ.ም. ነገልግሎት ስግደትን ኣምኾን ከምዝወዓለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ኣዚዩ ዝዓበየ ናይ ክርስስትና ባዚሊካ

ኣብ 532 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኪካ ናዕቢ ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ባዲሙን ብናይ ስነ ምህንድስና ሊቃውንቲ ኣንተሚዮ ዘ ትራለን ኢሶዶሮ ዘ ሚለቶ ኣረጋውን ተመሪሑ ዳግም ክሕነጽ ብጁስቲኢያኖ ተወሲኑን ኣብ 537 ዓ.ም. እቲ ሕንጸት ተጠናቒቑን ብፓትሪያርክ ኤውጢኪዮ ዕለት 27 መስከረም 537 ዓ.ም. ከምእተባረኸን ንጉስ ጁስቲኒያኖ እውን፥ ነዚ ባዚሊካ ንከሐንጽ ይግብኣካ ንዝበልካኒ እግዚኣብሔር ውዳሴንምስጋናን ይኹንካ ዝብል ጸሎት ከምዘስመዐ ይንገር።

ራብዓይ ናይ መስቀል ውግእ

ኣብ እዋን ራብዓይ ናይ መስቀል ውግእ ኣብ 1204 ዓ.ም. ቁስጥንጥንያ  ኣብ ኢድ ቢዛንታውያን ምስ ኣተወት ክሳብ 1261 ዓ.ም. ናይ ካቶሊክ ናይ ኣምልኾ ስፍራ ከምዝኾነን፡ ብዝተፈላለየ ሓደጋን ርእደ መሬትን ምኽንያት እታ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ 1354 ዓ.ም. እውን ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ ብትሕቲ ናይ ምስራቕ ሓጸይ ጆቫኒ ሓምሻ ፓለኦሎግ -  ቢዛንታዊ ስርዓተ ንጉስ መርሕነት ዳግም ከም እተሓነጸት እውን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ናብ መስጊድ ምልዋጥ

ኣብ 1435 ዓ.ም. ቁስጥንጥንያ ኣብ ትሕቲ ኢድ ሱልጣን መሓመድ ዳግማዊ ምስ ኣተወት ባዚሊካ ቅድስቲ ስፊያ ተዘሚታን ንብረታን ኩሉ ባዲሙን ኣብቲ ባዚሊካ ተዓቑይቦም ዝነበሩ ንዓመጽን ጊልያነትን ሓደጋ ተቓሊዖምን ኣያ ሶፊያ ብዝብ መጽውዕ ናብ መስጊድ ተቐየረት።

ቅድስቲ ሶፊያ ባዚሊካ ናብ ቤተ መዘክር

ኣብ 1934 ዓ.ም. ናይ ረፓብሊካዊት ቱርኪ መሰራቲ ሙስታፋ ከማል ኣታቱርክ ሳንታ ሶፊያ ናብ ቤተ መዘክር ንኽትቕየር ገበሩ ብናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓወልትን ቅርስን መዋሊ ድጋፍ መሰረት እውን ዝተፈላለየ ጽገናን ሕዳሴን እውን ከምእተገበረሉ ናይ ባዚሊክ ቅድስቲ ሶፊያ ናይ ታሪኽ ማህደር ዝጠቐሳ ማሪያ ሚልቪያ ሞርቻኖ የመላኽታ።

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኢስጣምቡል፥ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕርን ሰላምን መገዲ የርክበና

ዕለት 30 ሕዳር 2006 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሃገረ ቱርኪ ሓዋርያዊ መገሻ ኣክይዶም ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ ሰማያዊ መስጊድን ቅድስቲ ሶፊያን በጺሖምን ኣብቲ ቤተ መዘክር ኣብ ዝርከብ ናይ ክብሪ  መዝገብ እውን፥ “ኣብ ፍልልያትናን ብዙሕነትናን ኣብ ቅድሚ ሓደን እንኮን እግዚኣብሔር ፊት ኢና እንርከብ፡ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕርን ሰላምን መገዲ የርክበና” ዝብል ጽሑፍ ከምዘንበሩ ማሪያ ሚልቪያ ሞርቻኖ የዘኻኽራ።

ቅድስቲ ሶፊያ፥ ናይ ሰላምን ዘተን ስፍራ ክኸውን
16 July 2020, 15:49