ሓድሽ ኣመሓዳሪ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መዋሊ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መዋሊ  

ሓድሽ ኣመሓዳሪ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መዋሊ

ኣብ ካቶሊካዊት መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሕክምናን ስነ መጥባሕትን መምህር መብዛሕቲኡ ናይ ከብዲ ሕማም መንሽሮ ብፍሉይ ዝምልከት ልዕሊ 500 ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ዝደረሱ

ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ፒዮሞንተ ኣብ 1948 ዓ.ም. ዝተወልዱ ጆቫኒ ባቲስታ ዶሊየቶ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መውሃቢ ቤት ምሕደራ ርእሰ ማል ዋና ኣመሓዳሪ ንኽኾኑ ብቕዱስ ኣቦና ከምእተሰምዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዶሊየቶ ናይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ፍሉይ ጨንፈር ሓላፍን ዕለት 13 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ንዝመርሑ ፕሮፈሰር ክሩቺቲ ተራድኢ ኮይኖም ኣብቲ ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወሃበ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስነ መጥባሕቲ ዝተሳተፉ ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዶሊየቶ ሮማ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ብስነ ሕክምናን ስነ መጥባሕትን ዝተመረቑን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 13 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ብዝወረዶም ፈተነ መቕተልቲ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ኣብ ዝተገበረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ንዝመርሑ ንፕሮፈሰር ፍራንቸስኮ ክሩቺቲ ተራድኢ ኮይኖም ኣብቲ ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንምድሓን ዝተውሃበ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝተዋስኡን ኣብ 1996 ዓ.ም. ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ናይ ዝቖመ ሓድሽ ናይ ከብዲ ስነ መጥባሕቲ ጉዳይ ዝከታተል ጨንፈር ዋና ኣመሓዳሪ ኮይም ዘገልገሉን ኣብ ካቶሊካዊት መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሕክምናን ስነ መጥባሕትን መምህር መብዛሕቲኡ ናይ ከብዲ ሕማም መንሽሮ ብፍሉይ ዝምልከት ልዕሊ 500 ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ዝደረሱን ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ጀመሊ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝተወሃቦም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከምእተሳተፉ የዘኻኽር።

ሓድሽ ኣመሓዳሪ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና
20 July 2020, 12:56