ድለ

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሰላም መዘክር ሂሮሺማ ዕለት 24 ሕዳር 2019 ዓ.ም. (Vatica Media) ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሰላም መዘክር ሂሮሺማ ዕለት 24 ሕዳር 2019 ዓ.ም. (Vatica Media)  ርእሰ ዓንቀጽ

ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንሰላምን ንጸረ ምስሉይነትን

ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዘቕረብዎ ዓለም ለኻውን ሕጹጽን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ነቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝፈጠሮ ሕጹጽ ዶባት ዘይፈልጥ እዋን ሓደጋ እናሓሰቡ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክውን ክኸውን ቅድሚ ምቕራቦም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣቐዲሞም ዘቕረብዎ ሓሳብ ከምዝኾነ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ፥ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንሰላምን ጸረ ምስሉይነትን ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሕዝብታት ስቓይ ንምዕጋስን ለብዒ ኮቪድ- 19 ብብቕዓት ንምብዳህ ክክኣል መታን ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝጸደቐ ዓለም ለኻዊ ሕጹጽን ቶክሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ደጊፎምን ውሑስን ትግቡርን ክኸውን ዘስምዕዎ ቃል ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን  

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ “ብውሑድ ንተስዓ መዓልት ቀጻሊ ናይ ኩለን ሃገራት ተጻብኦነት ደው ብምባል፥ ምስፋሕ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ኵለ መደያዊ ቅልውላው ብቑዕ መልሲ ንምሃብን ነቲ ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ሰብኣዊ ድጋፍ ንምቕራብን ውሑስ ንምግባርን ስቓዩ ንምዕጋስን ክከኣል መታን” እንክብል ዘደቖ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ እቲ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ “ብሓቅን ብቕጽበትን” ኣብ ግብሪ ክውዕል ብዝብል ሓሳብ ድጋፎም ለጊሶም ከምዘቃልሕዎ፡ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተበግሶ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ ሓድሽ ስጉምቲ እዩ፡ እዚ ኸኣ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሳዕቤኑ ልክዕ ምስቶም ዝሓለፉ ዓበይቲ ውግኣት ዓለም ኣብ ልዕሊ ድኻታት ምስ ዝወረዶም መጉዳእቲ ዝመጣጠን ኣዚዩ መዓተይናን ኣዕናውን - ብዝኾነ ለብዒ ምኽንያት ንስሳቐይ ድጋፍ ንምቕራብ ዝብሉ ኣዚዩ ሕጹጽ ዝኾነ ስጉምቲ እዩ።

ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዘቕረብዎ ዓለም ለኻውን ሕጹጽን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ነቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝፈጠሮ ሕጹጽ ዶባት ዘይፈልጥ እዋን ሓደጋ እናሓሰቡ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክውን ክኸውን ቅድሚ ምቕራቦም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣቐዲሞም ዘቕረብዎ ሓሳብ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተተ ኣመላኺቶም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልት ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ምስቶም ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጻውዒት ዝተቐበሉ ሓቢሮም ምእንቲ ንመተሓላልፎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምድጋፍን ንናይ ስነ ርክባዊ ሜላ ዕድል ንምሃብን ነቲ ኣብ ጽንኩር ንዓቢይ ተኣፋፍነት ኣብ ዘቃልዕ ኩነት ንዝክርከብ ቆላሕታ መታን ክግበር ኵሉ ዝኾነ ይኹን ውግእ መሳሊ ተጻብኦነትን ውግእን ደው ብምባል ክስዕብዎ ሓደራ” ከምዝበሉ የዘኻኽሩ።

ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ዝግበር ዘሎ ናይ ሓባር ጻዕሪ - ይብሉ ቅዱስነቶም - ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ከም ናይ ሓንቲ እንኮ ስድራ ኣካል ናይ ምዃንና ሕውነታዊ ምትእስሳር ምሕያል ናይ ዝብል ድላይ ኣቃልቦ ኣብ ኩላትና ዘብጽሕ ይዅን” ብፍላይ ኣብ ናይ ሃገራት ሰበ ስልጣናትን ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ መንጐኦም ዘሎ ተጻብኦነት ንኽስገር ጻዕርታቶ ንኸሐድሱ። ምስሕሓብ ብውግእ ኣይፍታሕን! ተጻራርነትን ግጭትን ብዘተን ብሓናጺ ድልያ ሰላምን ምስጋር ኣገዳሲ እዩ”።

ቅድም ክብል ቅዱስነቶም ክልተ ሳዕ ንኣጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ክቋረጽ ከምዝተላበዉን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ናይ 2020 ዓ.ም. ዋዜማ ፋሲካ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ “ናይ ሞት ገዓር ትም ነብል፥ ውግእ ይኣክል! ምህርትን ንግድ ኣጽዋር ውግእ ይገታእ፡ ምኽንያቱ እንጌራ እምበር ጠበናጁ ኣይክኮነን ዘድልየና” ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ኣዘኻኺሮም፥ ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ ኣብ ር.ሊ. ጵጵስናኦም ደጋጊሞም ነዚ ሓሳብ ከምዘስምዑን ኣብቲ ንማርያም ዝተወከፈ ወርሒ ግንቦት መዛዘሚ ዝዓረገ ጸሎት መቑጸርያ መሪሖም፥ “ንናይ ሃገራት መራሕቲ ተራድኢ ምኽንያቱ ነቶም ዕለታዊ እንጌራ ንዝሰኣኑ ክሕግዙን ንርሑቕ ዝኣመተ ማሕበራውን ፖለቲካውን ንሓዋሩ ተመሳሳሊ መዓት ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻሉ ዝብል ዘላቒ ናይ መፍትሒ መደብ ብጥበብን ብሓልዮትን ብልግስን ኣብ ምቕራብ ክዓዩ መታን” ዝብል ጸሎት በማላድነት ማርያም ከምዘቕረቡ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ፍራንቸስኮ “ምስሉይነትን” እቲ “ሓጢኣት” ናይቶም ሰላም ብልሳኖም ብግብሪ ድማ ነቲ እንርእዮ ውግእ መጋበርያ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ናይ ዘካይዱ መራሕቲ እዩ”። እዚ ሓሳብ እዚ እውን ቅድሚ ክስተት ለብዒ ኮቪድ - 19፡ ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ካብቶም ዘሰንይዎም ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ማዕከናት ዜናን መራኸቢ ብዙሓንን ልኡኻን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብ ናጋሳኪን ሂሮሺማን ንጸሎትን ጽሞናን ተረኺበን ኣብቲ ቦታ ካብ ዝተፈጸመ ናይ ኣቶሚክ ቦምቢ መጥቓዕት ምስ ዝተረፉን ኣደዳ ናይ ዝኾኑ ኣባይቲ ስድራ ኣባላትን ተራኺበን ኑክለስያዊ ኣጽዋርን ኣጽዋር ውግእን እናሸጡ ብልሳኖም ብዛዕባ ሕንጸት ሰላም ዝዛረቡ ምስሉያትን ኮኒነ” እንክብሉ ዝለገጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም ኣንድርያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ብኣህጽሮተ ቃል ብኦክስፋም ዝፍለጥ ድኽነት ኣብ ምውጋድ ዝዓዪ ዘይመንግስታዊ ዓለም ሓቆፍ ዘይመኽሰባዊ ውድብ ግብረ ሰናይ ኣብ ዘቕረቦ ናይ 2019 ዓ.ም. ጾጽባብ፡ ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ሚሊያርድ ዶላር ክብ ክብል እንከሎ ኣብ ዓለም ክልተ ሚሊያርድ ዝግመቱ ዜጋታት ኣብተን ውግእ ኣብ ዝካየደለን ሃገራት ተጻዊዶምን ንዓመጽን ኣሳዶን ጥምየትን ተዳሪጎም ሕጂ ኸኣ ብለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ኣብ ጽንኩር ኩነት ይርከቡ እንክብሉ ዝገለጾ ጭቡጥ ኩነት ጠቒሶም ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንሰላምን ንጸረ ምስሉይነትን
07 July 2020, 11:13