2020.07.27 ቅብኣተ ጵጵስና ጥቀ ክቡር ኣባ ልዊስ ሚገል ሙኞስ ካርዳባ 2020.07.27 ቅብኣተ ጵጵስና ጥቀ ክቡር ኣባ ልዊስ ሚገል ሙኞስ ካርዳባ 

ውህደትን ሰላምን ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ንምብርካት! ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን

ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ነቶም ኣብ ሱዳንን ኤርትራን እንደራሴ ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ንከገልግሉ ዝተመርጹ ኣባ ሚኞስ ካርዳባ መዓርገ ጵጵስና ኣብ ቶለዶ ሃገረ እስፐይን ሂቦም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ተልእኮ እዚ ዝሽየሙ ብዙሕ ግዜ ሥዩመ ሃገረ እናተባህለ ብመዓርገ ሊቀ ጵጵስና ስለዝሥየሙ ኣብቲ ዕለተ ምርጫኦም ጥቀ ክቡር ኣባ ልዊስ ሚገል ሙኞስ ካርዳባ ሥዩመ ሊቀጳጳስ ዘናሳይ ዝብል መዓርገ ሲመት ከምዝተዋህቦም ይዝከር።

እዚ ሲመት እዚ ሽሕ’ኳ ብኡ ንብኡ ክፍጸም እንተነበሮ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ክሳብ ሎሚ ክናዋሕ ተገሩስ ሎሚ ቀዳም ዕለት 25 ሓምለ 2020 ዓም ግዜኡ ከምዝእዝዞ ምስ ውሱናት ሰባት ኰይኖም ኣብ ትውልዲ ዓዶም ሃገር እስፐይን ኣብ ከተማ ቶለዶ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ብብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ጋላገርን ናይ ተለዶ ሊቀ ጳጳስን ተሓጊዞም ቅብኣተ ጵጵስና ፈጺሙ።

ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ብብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ጋላገርን ናይ ተለዶ ሊቀ ጳጳስን ተሓጊዞም ቅብኣተ ጵጵስና ፈጺሙ
ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ብብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ጋላገርን ናይ ተለዶ ሊቀ ጳጳስን ተሓጊዞም ቅብኣተ ጵጵስና ፈጺሙ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቀንዲ ተግባር ናይዚ ተልእኮ እዚ እንክገልጹ ‘እቶም ካብ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ልኡካን ናይ ተስፋን ጥበብን ቃላት ንዝጽበዩ ሃገራት ናይ ሰላምን ውህደትን ህንጸት ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን ሃገራትን እዩ።’ ክብሉ ምስ ገልጹ ነቶም ሓዲስ ሊቀ ጳጳስ ከኣ ‘ናይ ር.ሊ.ጳ ወኪል ኰንካ ንኣሕዋት ኣብ እምነት ክተጽንዕ ተልእኮ ምቅባል ምልክት ውህደትን ሓድነትን ንምዃን ምጽዋዕ እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ ዝሓለፈ 13 ሰነ 2019 ዓም ንኑንስዮታት ከምዘዘካኸርዎ ከኣ ንሓሳብን ትምህርትን ር.ሊ.ጳ ንክብሪ ሕይወት ነፍሰወከፍ ካብ ጽንሲ ክሳብ ሞት ምኽባርን ንምዕባለ ዝደኸዩን ዝተገለሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃኑ ከምኡ ንናጽነት እምነት እናሓሎኻ ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላም ንክነግስን ከባቢ እናሓሎኻ ንኩሉ ብማዕረ ዝባጻሕ ምዕባለ ቊጠባ ምድንፋዕ ምዃኑ ምግላጽን ምምሃርን’ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ እንክብሉ ነቲ ዝጽበዮም ተልእኮ ኣዘኻኺሮም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ልዊስ ሚገል ሙኞስ ካርዳባ ሥዩመ ሊቀጳጳስ ዘናሳይ
ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ልዊስ ሚገል ሙኞስ ካርዳባ ሥዩመ ሊቀጳጳስ ዘናሳይ

ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እዞም ልኡኻን ቅድስት መንበር ኰይኖም ዘገልግሉ ንዝኾነ ጉዳያት ቤተክርስትያን ማሕበረሰብን ናይቲ ዘለውዎ ቦታ ንቅድስት መንበር ክሕብሩ በዚ ከኣ ቅድስት መንበር ምስተን ሃገራት ኣብ እተካይዶ ዘተን ምትሕግጋዝን ንጹር ሓበሬታ ይህልዋ። ቀንዲ ተልእኮኦም ከኣ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ብ1969 ዝጸሓፍዋ ሶሊቺቱዶ ኦምንዩም ኤክለስያሩም እትብል ሓዋርያት መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ብምሕባር ነቶም ሓዲስ ተሰያሚ ንተልእኮኦም ዘድሊ ምስንዳው ክገብሩ ናብቲ ዝከድዎ ዝተፈላለየ ባህልታትን ግድላትን ዚኣክል መጽናዕቲ ገሮም ሓንቲ ጥበብ ዝመልኣ ተስፋ እትህብ ቃል እውን ትኹን ኣብ ዝጸገመ ኩነታት እውን ይኹን ነቲ ካብ ወንጌል ዝውለድ ተስፋ ከምእትህብ ብምግላጽ ብኩሉ ኩሉ ጸኒዖም ክንዲ ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ንኣመንቲ ክርስቶስ ከጽንዑ ኣዘኻኺሮም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ልዊስ ሚገል ሙኞስ ካርዳባ ሥዩመ ሊቀጳጳስ ዘናሳይ
ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ልዊስ ሚገል ሙኞስ ካርዳባ ሥዩመ ሊቀጳጳስ ዘናሳይ

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ልዊስ ሚገል

ብዕለት 25 ነሐሰ 1965 ዓም ቫለላዶ ኣብ እትበሃል ከተማ እስፐይን ተወልዱ። ብዕለት 28 ሰነ 1992 ዓም ናይ መንበረሊቀጵጵስና ቶለዶ ኣባል ብምዃን መዓርገ ክህነት ለበሱ። ብድሕሪ ክህነት ንልዑል ትምህርቲ ናብ ሮማ ብምኻድ ብትምህርቲ ንባበ መለኮት ዶክተረይት ካብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ግረጎርያን ብትምህርተ ሕገ ቆኖና ከኣ ዲግሪ ካብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ምስ ተቀበሉ ካብ ዕለት 1 ሚያዝያ 2001 ዓም ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተላኢኾም ኣብ ግሪኽ መክሲኮ በልጅዩም ኢጣልያ ኣውስትራልያ ፈረንሳን ቱርክን ኣገልገሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 July 2020, 12:27