2020.03.02 ቊምስና ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ 2020.03.02 ቊምስና ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ 

ቊምስናታት ናብ መጋበሪ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ይለወጣ! ንካህናት እትሓሊ ማሕበር ቅዱስ ማሕበር

ዋሕዲ ጸዋዕታ ክህነትን ስፍሓት ኣገልግሎት ወንጌል ኣብ ቊምስናታትን ዘሻቀላ ንጉዳይ ካህናት እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር 'ማሕበረ ኮማዊ ኣገልግሎት ጒስነት ቊምስና ናብ ኣገልግሎት ተልእኮ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን ክልወጥ ኣለዎ` ዝብል መምርሒ ብምውጻእ ምእመናን ኣብ ስብከተ ወንጌል ሓላፍነት ክለብሱ ንዝብል ኣምር ኣሓዲሳቶ።

 ዜና ቫቲካን

ቀንዲ ትሕዝቶ እዚ መምርሒ እዚ 'ኣብ ቤተክርስትያን ንኩሉ ቦታ ከምዘሎን ኩሎም ከኣ ከከም ጸዋዕታኦም ቦታኦም ከለልዩ ከምዘለዎም እዩ ዘመልክት' ክበሃል ይከኣል። እዚ ሰነድ እዚ ሕጋዊ ተሓድሶ ወይውን ቀኖናዊ ለውጢ ዘመልክት ምንም ነገር የብሉን እንተኾነ ነቲ ድሮ ንቊምስናታት ዝተዋህበ ሕግን መምርሕን ብዝበለጸ ኣብ ግብሪ ንምውዓል በዚ ከኣ ዝተጠምቁ ዘበሉ ኩሎም ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ክሳተፉ ኣብ መንጎ ቊምስናታት ከኣ ምቅርራብን ምድግጋፍን ንምድንፋዕ እዩ ዝዕድም። ኣብዚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተሓድሶ ስብከተ ወንጌል ብህጹጽ የድሊ ስለዘሎ ነፍሲ ወከፍ ቊምስና ነቲ ዘለዋ ሓይልን ብልሓትን ኣለልያ ካብ ገዛእ ርእሳ ውጽእ ኢላ ካብ ኩሎም ጥሙቃት ንዝሕተት ኣስተዋጽኦ ክተብርክት ምእንቲ እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ብዓሠርተ ሓደ ምዕራፋት ዝቆመ ኰይኑ ቀዳሞት ሽድሽተ ምዕራፋት ማለት ካብ ምዕራፍ ሓደ ክሳብ ምዕራፍ ሽድሽተ ከም ሓደ ክፍሊ ክ ውሰድ ዚከኣል ኰይኑ እዚ ክፍሊ እዚ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ተሓድሶ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ጒስትን ትርጉም ተልእኮ ስብከተ ወንጌልን ኣብዚ ሎሚ ቊምስናታት ከበርክቶኦ ዝኽእላ ኣገልግሎትን ይድህስስ። እቲ ካልኣይ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ሸውዓተ ክሳብ ዓሠርተው ሓደ ኰይኑ ኣብ ምሕደራ ቊምስናታትን እጃም ኣገልግሎት ምምቅራሕን ዘተኰረ ኰይኑ ነፍሲወከፍ ጥሙቅ ከም ክፍሊ ቊምስና ምስ ደቂ ቊምስና ኰይኑ ከበርክቶ ዝኽእል ኣገልግሎት ብምግምጋም ብመሠረት እቲ መምርሒ ጒጅለታት ኣቊምካ ኣብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ንምውፋር ዝሕግዝ ሓሳባት የቅርብ።

ቊምስና! ኣብ ማእከል ገዛውቲ ዝተደኰነት ገዛ።

እዚ ቊምስና ዘለዓለማዊት ምልክት እያ ክብል ዝገልጽ መምርሒ እዚ ነቲ ምልክት ምልክት ህላዌ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ሕዝቡ እዚ ከኣ ኣብተን ገዛውቲ ክርስትያን ኰይኑ ቊምስና ከኣ ገዛ ኣብ ማእከል ገዛውቲ ኰይና ነዚ ህላዌ እዚ ብምርግጋጽ ነቲ ኪዱ መሃሩ ዝብል ትርጉም ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ይገልጽ እንክብል ብመሠረቱ ነፍሲ ወከፍ ጥሙቅ ቊምስና ወይውን ማሕበረ ክርስትያን ብምቋም ኣሠር ሓዋርያት ስዒቡ ነቲ ተልእኮ ተቀቢሉ ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታ ከምዝቅጽል ይገብሮ። ነቲ ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ዝብል ጂኦግራፊካዊ መግለጺ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ሎሚ ብዓውለማውነትን ዲጂታላዊ ርክብን ናብ ናይ ህላዌ መግለጺ ለዊጥዎስ ትርጉም ህላዌ ምንዳይ ቀንዲ ጸገሙ ንዝኾነ ናይ ዘመንና ምንጪ ኩሉ ንዝኾነ ወንጌል ክርስቶስ ማለት ክርስቶስ ትርጉም ሕይወት ንሱ ሓቅን መንገድን ሕይወትን ከምዝኾነ ክብሰር ኣለዎ። እዚ ጸገም እዚ ከኣ እዩ ሎሚ ነታ ብኩሉ ኩሉ ተከሊላ ተወሲና ዝነበረት ቊምስና ከም ዘመኑ ናብ ኩሉ ንክትባጻሕ ክትምጠጥ ጸዋዕታኣ ተረዲኣ ናብ ኩሉ ንክትበጽሕ ንምእመናንን ንታሪኽን ዝኸውን ኣገልግሎት ብብቅዓት ክተወፊ ትጽዋዕ ዘላ። ስለዚ ኸኣ እዩ እዚ መምርሒ እዚ ክንዮ ኣነነትን ምጥርጣርን ሰጊራ መንፈሳዊ ኣንፈት ሒዛ ብኩሉ ኩሉ ብመንፈስ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ተሓዲሳ ቃለ እግዚአብሔር ንምብሳርን ብምሥጢራት ቤተክርስትያን ዝተቀለሰ ሕይወት ብምዝውታር ምስክርነት ፍቅሪ ክትህብ ከምዘለዋ ክትግንዘብ ኣለዋ። ኣብቲ ቊምስናታት ዝዝውተር ርክባት ንዘተ ዘደንፍዕ ንምድግጋፍ ዘሐይል ንካልኦት ብክፉት ልቢ ምቅባልን ብምዝውታር ማሕበረ ቊምስና ናይ ምቅርራብ ጥበብ ብሓቂ ክትምህር ኣለዋ። ነዚ ምቅርራብን ምድግጋፍን እዚ ኣመልኪቱ እቲ ሰነድ ዘሥምረሉ ጉዳይ እንተሃልዩ ንእምነትና ብፍቅሪ ብተግባር ክንምስክር ፍሉይ ኣተኲሮ ከኣ ነቶም ቊምስና ወንጌል ክትሰብከሎም ዘለዋ እንተኾነ ንሶም ወንጌል ከብስርዋ ዘለዎም ድኻታት ክትገብር ሓደራ ይብል። እቲ መምርሒ ምሕጸንታኡ ብምቅጻል 'ዝተጠምቀ ዘቦኡ ኩሉ ንጡፍ ተሳታፊ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ክኸውን ኣለዎ። ስለዚኸስ ኣተሓሳስባና ክንልውጥ ግዲ ምዃኑን እዚ ተሓዶሶ ተልእኮ ስብከተወንጌል ኣብ ግብሪ ክውዕል ውሳጣዊ ተሓድሶ ነፍሲወከፍ ግድን እዩ። እዚ ተሓዶስ ነፍሲወከፍ ተዓጻጻፍን ዘገምታውን ክኸውን ኣለዎ ከምዚ ብምግባር ከኣ እተን ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዝስዕብ ተሓድሶ ብተጽዕኖ ዘይኮነ ብፍታው ቀስ ብቀስ ዝፍጸም ክኸውን እዩ። ብላዕሊ ካብ ካህናት ዘይኮነ ካብ ከርሲ እታ ቊምስና ዝውለድን ቀስ ብቀስ ዚዓብን ንኩሉ ዘሕድስን ሓይሊ ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ብምቅጻል እቲ ካልኣይ ክፍሊ ብዛዕባ ምምቅቃል ቊምስናታት ቊምስናታት ይናገር።

ምምቅቃል ቊምስናታት ቊምስናታት!

እዚ ሓዲስ መምርሒ ቊምስናታ እዚ ኣብታ ቀዳመቲ ክፍሊ ዝበልናያ ካብ ምዕራፍ ሓደ ክሳብ ምዕራፍ ሽድሽተ ቀንዲ ጸዋዕታን ተልእኮን ነፍሲወከፍ ጥሙቅ ማሕበረ ክርስትያን ዝኾነት ሰፋሕ ቊምስናኡን ምስ ተንተነ ኣብታ ካልአይቲ ክፍሊ ዝበልናያ ካብ ምዕራፍ ሸውዓተ ክሳብ ምዕራፍ ዓሠርተው ሓደ ነቲ ብልማድ ሕገ ቀኖናን ጒስነታዊ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌልን ቅድሚ ሕጂ ዝቀረበ ነጥብታት ብምዝካር ዳርጋ ብዓለም ለኸ ደረጃ ነዚ ሓሳብ ቊምስና ብምስፋሕ ክፍጠራ ዘለወን ቊምስናታት ከማልኣኦ ዘለዎ ነጥብታት ይትንትን። ብመሠረቱ ተመሳሳልነት ሕዝቢ ማለት ብባህሉን ኣነባብራኡን ከምኡ እውን ቅርበቱ ክልሉ ተመልኪትካ ወይ ብሓዲስ ምቅርራቡ ወይውን ምምቅቃሉ ከምዘድሊ መንበረ ሊቃነ ካህናት እናበልካ ብዙሓት ቊምስናታት ብሓባር ሓድነትን ውህደትን ፈጢረን ድሮ ዝዛተያሉ ነዚ ሓዲስ ምምቅቃል ቊስናታት ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢሉ ይእምት። እዚ ኩሉ ክኸውን ግን ቆሞስ ቀንዲ ጓሳ ማሕበረ ክርስትያን ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን እንክብል ኣድላይነት እቲ ኣምሳል ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ቆሞስ እውን የስምረሉ።

ቆሞስ ቀንዲ ጓሳ ማሕበረክርስትያን!

ኣብነት ጓሳን መጓሰን ብምስዓብ እዚ ሰነድ እዚ ኣድላይነት ክልቲኦም እኳ ቀንድን ኣድላይን እንተኾነ ግደ ጓሳ ኣብ መጓሰ ልዑል ብምዃኑ እቲ ቆምስ ቀዳማይ እጃም ስራሑ ጒስነት ስለዝኾነ ናይ ሓንቲ ቊምስና ወይ ማሕበረክርስትያን ቀንዲ ጓሳ ቆሞስ ምዃኑ የስመረሉ። ኣብዚ ግን ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ከገልግል ደኣ እምበር ክግልገል ከምዘይመጸ ክስቆሮን ቆሞስ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ቊምስና እምበር ተጻዩ ከምዘይኮነ ክርዳእ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ቆሞስ መዓርገ ክህነት ዝተቀበለ ንኩሉ ንብረት ቊምስና ከመሓድር ሥልጣን ዝተዋህቦ ሕጋዊ ወኪል ናይታ ቊምስና ኰይኑ ወትሩ ንውሱን ግዜ ብአቡን እዩ ሥልጣን ቊምስና ዝቅበል። እዚ ከኣ ክንዲ እቲ ጓሳ ናይ ኩሎም ዝኾነ ኣቡን ኰይኑ ብቀረባ ኣብ ማእከል ሓንቲ ቊስና ኰይኑ ክገልግሎ ስለዝለኣኽ ነታ ማሕበረክርስትያን ክፈልጣን ወትሩ ኣብ ማእከላ ኰይኑ ከገልግላን እንከሎ እቲ ጒስነት ነፍሳት ክሳለጥ ይኽእል። ብዙሓት መምርሒታት ረኪበ ጳጳሳት ከምዘመልክቶ ሓደ ኣቡን ንሓደ ቆሞስ ንውሱን ግዜ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንዘይውሕድ ክሾሞ ይኽእል። ከምቲ ሕገ ቀኖና ዘመልክቶ ከኣ ሓደ ቆሞስ ገደብ ዕድመ ማለት 75 ዓመቱ ምስ ኮነ ኣነስ ደጊም ኣብቂዔ እየ መታክእታይ ድለዩ ኢሉ ካብ ሥልጣኑ ብፍቃዱ ክእለ ሓተታ ከቅርብ ሞራላዊ ግዴታ ኣለዎ። እዚ ሕቶ እዚ በቶም ሰበሥልጣን ብቅንዕናን ሚዛናውን ዝኾነ ኣገባብ ክፍጸም ኣለዎ እንተዘየሎ ንኣምሰሉነት ክኸውን ይኽእል። ድሕሪ ካህን ዝመጹ ዲያቆናት ስለዝኾኑ ብዛዕባ እዞም ከም መላእኽቲ ፍጡናት ተላኣኣኽቲ ዝምሰሉ ሰበሥልጣን እዚኦም ከም ሥርዓት መዓርግ ዝተቀበሉ ቅቡኣት እምበር ፍርቂ ካህን ፍርቂ ምእመን ኣይኮኑን እንክብል ተሪር መጠንቀቅታ ይህብ።

ዲያቆናት! መዓርግ ዝተቀበሉ ቅቡኣት እምበር ፍርቂ ካህን ፍርቂ ምእመን ኣይኮኑን።

ካልኣይ ክፍሊ እዚ መምርሒ እዚ ድሕሪ ጉዳይ ካህናት ብቀጥታ ኣብ ሻሙናይ ምዕራፍ ሰፊሕ ሸፈነ ዝህቦ ናይቶም ተሓባበርትን ደገፍትን ኣቡናትን ካህናትን ዝኾኑ ዲያቆናት ከም ሥርዓት መዓርግ ዲቊና ክፍሊ ምሥጢረ ክህነት ዝኾነ ዝተቀበሉን ብፍልይ ዝበለ መንገዲ ኣብ ምሥጢረ ክህነት ዝሳተፉ ክንብሎ ንኽእል እዚ ከኣ ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ቃለ እግዚኣአብሔር ኣብ ኣገልግሎት ምግባረ ሠናይን ኰይኑ ከከም ኩነታት ኣብ ምምሕዳር ንብረት ቊምስናስ ይኹን ወንጌል ኣብ ምብሳር ከምኡ እውን ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ምዕዳል የገልግሉ። ስለዚኸስ ፍርቂ ፍርቂ ዝኾኑ እናበልካ ማለት ፍርቂ ፍርቂ ካህን ፍርቂ ፍርቂ ከኣ ምእመን እናበልካ ንዲያቆናት ኣብ ማእከል ካህናትን ምእመናን ከምዘንሰፋልሉ ገርካ ምግባር ጌጋ እዩ። ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ የማናይ ኢድ ሓዋርያት ካብኡ ከኣ የማናይ ኢድ ጳጳሳትን ካህናትን ኰይኑ ኣብ ኣገልግሎት ምናዳ ኣገልግሎት ምግባረ ሠናይ ዓቢ እጃም ዘበርክቱ እዮም። ነዚኦም ስዒቦም ዝመጹ ኣብ መብዛሕትኤን ዕድለትኛታት ዝኾና ምስክርነት ሰብ ውፉይ ሕይወት ማለት ገዳማውያትን ገዳማውያንን ከምኡ እውን ለጋስ ተወፋይነት ምእመናን እውን ምስ እዚ ኣተሓሒዝካ ዝረኤ እዩ።

ምስክርነት ሰብ ውፉይ ሕይውትን ለጋስ ተወፋይነት ምእመናንን!

ንካህናት እትሓሊ ማሕበር ቀጺላ እትዝክሮም ናይ ቊምስና ጸጋን ሃብትን ኰይኖም ብኩሉ ኩሉ ብመንፈስን ብሥጋን ዝሕግዙ ሰብ ውፉይ ሕይወት ማለት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ከምኡ እውን ውፉያት ምእመናን ክርከቡ እንከለው እዩ። ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብቲ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ወይውን ምግባረ ሠናይ ብዙሕ ኣተኲሮ ዘይገብሩ ነቲ ድኻን ተኣዛዝን ንጹሕን ክርስቶስ ብምስዓብ ዓቢ መንፈሳዊ ምስክርነት ዝህቡ ኰይኖም እቶም ውፉያት ምእመናን ከኣ ኣብቲ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ቊምስና ብልግሲ ክሳተፉ ኣብ ኣገልግሎት ቊምስና እውን ብሕይወቶም ክምስክሩ እንከለው ዓቢ ነገር እዩ። ኣብ ዝግበር ኣገልግሎታት ሥርዓተ ኣምልኾ እውን ምእመናን ኣብ መንበረ ታቦት ከገልግሉሉ ዝኽእሉ ከም ምንባብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ካልእ ኣገልግሎት ምስ መምርሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምልዛብ ክሳተፉ ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚ ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ካብ ጳጳሶም ፍሉይ ሓላፍነት ክለብሱ ይኽእሉ። እዚ ከኣ ሚዛናዊ ብዝኾነ ጥንቁቅ ፍርዲ ተመሪሑ እቲ ጳጳስ ንገሊኦም ምእመናን ቃል ኣምላኽ ንከስምዑን ንክሰብኩም ሥርዓተ ቀብር ንክፍጽሙ ምሥጢረ ጥምቀት ንክዕድሉ ካብ ቅድስት መንበር ፍቃድ ብምሕታት ኣብ ምሥጢር ቃል ኪዳን ንክሕግዙ ሥልጣን ክህብ ይኽእል። ጥንቃቄ ዘድልዮ ግን ኣብ ግዜ ቅዳሴ ክሰብኩ ኣይክእሉን እዮም። ድሕሪ እዚ ኩሉ ዝርዝር እቲ መምርሒ ናብ ጭቡጥ ኩነታት ምሕደራ ቊምስናታት ይመጽእ እሞ እቶም ምስ ቤተክርስትያን ኣብ ምሕደራ ቊምስና ሓላፍነት ዝለብሱ ተቊዋማት ኣየኖት ኮን ይኾኑ ይብል።

ምስ ቤተክርስትያን ሓላፍነት ምሕደራ ቊምስና ዝለብሱ ኣካላት!

ብልማድ ሃገርና ሽማግለታት ቊምስና ቀሺ ገበዝ ቤትምኽሪ ቊምስና እናበልና ብዛዕባ ገንዘብን ምኽርን ካልእ ነገራት ንቆሞስ ኣብ ምሕጋዝ ምስ ቆምስን ንዝተሓባበሩ ኣመልኪቱ እዚ ሰነድ እዚ ኩሉ ቤትምኽርታት ብቆሞስ ዝምራሕ ኰይኑ ከምቲ ስሙ ዘመልክቶ መኻሪ እዩ። ቊጠባዊ ቤትምኽሪ ቁምስና ብሰለስተ ሰባት ቈይሙ ንንብረት ቊምስና ብዘይመንቅብ ከመሓድርን ንቤተክርስትያንን ንማሕበረሰብ ዓለምን መጋበር ስብከተ ወንጌልን ወንጌላዊ ምስክርነትን ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ንብረት ቊምስና ናይ ቊምስና እምበር ናይ ቆሞስ ኣይኮነን ስለዚ ሓላፍነት ቤትምኽሪ ቊጠባ ምስ ቆሞስ ብምትሕግጋዝ ግልጽነት ብዘለዎ ኣገባብ ንኣድላይነት ቊምስና ከመሓድሩ ኣለዎም። ከምኡ እውን ቤትምኽሪ መንፈሳዊ ጒስነት ቊምስና ብግዲ ኣብ ነፍሲወከፍ ቊምስና ክቀውምን ምኽሩ ክልግስን ካብ ዝኾነ ቢሮክራስያዊ ሸንኮለል ክዕቀብን ምናዳ ማእከል ቊምስና ምእመናን ምዃኖም ብምርዳእ ኣብ ኣገልግሎቶም ኵኣፈሩ ኣለዎም። ቀንዲ እጃም ሥራሑ ከኣ ንሕዝበ እግዚአብሔር ንምጒሳይ ዝጠቅም እማመ ስብከተ ወንጌልን ጒስነትን ምግባረ ሠናይ ቁምስናን ምስታ ሰበኻ ብምልዛብ ከካይዱ ኣለዎም። እዘን ሓሳባት እዚኤን ተግባራውያን ንክኾና ቆሞስ ክቅበለን ወትሩ ከኣ ምሳኡ ብምትሕብባር ክግበራ ኣለወን እንክብል ምስ ተማሕጸነ ኣብ መወዳእታ ንምሥጢራት ዝኽፍለ ምንም ዓይነት ውሱን ገንዘብ ክህሉ የብሉን መባእ ብወለንታ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ብምምሕጻን ይዛዝም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

21 July 2020, 12:36