ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣርስን ሉርድን ምብጻሕ ከካይዱ እዮም ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣርስን ሉርድን ምብጻሕ ከካይዱ እዮም 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣርስን ሉርድን ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

ናይ መላእ ቆሞሳት ሓላዊ ቅዱስ ጆቫኒ ማሪያ ቪያነይ ዕለት 4 ነሓሰ ዓመታዊ በዓል ምኽንያት ኣብ ኣርስ ሰዓት ዓሰርተ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሰለስተ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካህናትን፥ ኣብ ኪደት ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሖም ዓውደ መጽናዕታዊ መደረ ከስምዑ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብምኽንያት ዕለት 4 ነሓሰ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጆቫኒ ማሪያ ቪያነይ ኣብ ኣርስ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝኾኑን ዕለት 15 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሉርደ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ፍልሰታ ለማርያም መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ክሰርዑ ምዃኖም ዘጋቢት ዜና ቫቲካን ኣደላይደ ፓትሪኛኒ ናይ ሉርድ ቤተ መቕደስ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፓትሪክ ቾቾልስክይ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሰን ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብ ዝኽሰት ንነጀው ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጽዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ከምዝኾኑን እዚ ኸኣ ናይ መላእ ቆሞሳት ሓላዊ ቅዱስ ጆቫኒ ማሪያ ቪያነይ ዕለት 4 ነሓሰ ዓመታዊ በዓል ምኽንያት ኣብ ኣርስ ሰዓት ዓሰርተ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሰለስተ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካህናትን፥ ኣብ ኪደት ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሖም ዓውደ መጽናዕታዊ መደረ ከስምዑ ከምዝኾኑ ናይ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፓትሪክ ቾቾልስኪ ንዜና ቫቲካን ኣፍሊጦም።

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብጹዕ ኣቡነ ኤሚለ ቢያየንዳ

በታ ዕለት እቲኣ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርስ ዕለት 5 መጋቢት 1973 ዓ.ም. ብጳውሎስ ሻድሻይ ካርዲናል ዝተሰምዩ ኣብ 50 ዓመት ዕድመኦም ናብ ዕለት 23 መጋቢት ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ 1977 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ናይ ቅድስና ገድሊ መጽናዕቲ ንዝግበረሎም ዘለዉ ኣብ ደሞክራሲያዊት ኮንጐ ናይ ብራዛቪለ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኣገልጋሊ እግዚኣብሒኤር ኤሚለ ቢያየንዳ ኪደት ክምርቑ እዮም፡ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ቢያየንዳ ኣብ ሊዮነ ኣብ ካቶሊካዊ ተቕዋም ተመሃራይ እንከለዉ ምስ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ ዓቢይን ጥልቂን መንፈሳዊ ምትእስሳር ከምዝነበሮም ዝንገረሎም ኣብ ኣርስ ናይ ቅዱስ ጆቫኒ ማሪያ ቪያነይ መንፈሳውነት ብጥልቂ ዘጽንዑ ዝነበሩን ደሓር እውን ናብ ሃገሮም ኮንጐ ምስ ተመልሱ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ፈረንሳ ንኽኸዱ ዕድል ኣብ ዝረኽብሉ ዝነበረ እዋን ናብቲ ኣብ ኣርስ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ይነግዱ ከምዝነበሩ ኣባ ቾቾልስኪይ ገሊጾም እቲ ካርዲናል ፓሮሊን ዝፍጽምዎ ኪደት ስነ ስርዓት ምረቓ ናይ ኣርስ ቆምሶ መንፈሳዊ መርሖ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብፍላይ ኣብ ባህሊ ኣፍሪቃን ንናይ 21 ክፍለ ዘመን ካህናትን ንምእዋን ዝሃቀነ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘተኮረ መስዋዕተ ቅዳሴ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሉርድስ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ዕለት 15 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ከምዝኾኑን ብጹእነቶም ናብ ሉርደስ ማርያማዊ ስፍራ ምብጻሕ ካካይዱ እዚ ዕለት 15 ነሓሰ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ምብጻሕ ሓዊስካ ንሳልሳይ ግዜኦም ከምዝኾነን፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ካብ ዝስየሙ ንሳልሳይ እግሮም ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ቐዳማይ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማንን ድሕሪ ሓደ ዓመት ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዲ ሳለስ ንናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሉርድስ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መደረ ንኸስምዑን ንሳልሳይ ግዜ ኸኣ ዕለት 15 ነሓሰ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድስ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሰርዑ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ምኻኑን እዚ እውን እቲ ብስድራ ቤት ፍልሰታ ለማርያም ዝካየድ ለምዘበን መበል 147 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ብሔራዊ መንፈሳዊ ንግደት ህሙማን ናብ ሉርድስ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት  ዘካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ እዚ ናይ ለምዘበን ብሔራዊ መንፈሳዊ ንግደት ህሙማን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ምኽንያት ህሙማን ንፈለማ ግዜ ከምዘይሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። እቶም ኣብዚ መንፈሳዊ ንግደት ክሳተፉ ዘይክእሉ እቲ ዝዓርግ መዋዕተ ቅዳሴን ዝካየዱ መንፈሳውያን መደባት ኩሉ ብስነ ኣሓዝ ብዝተራቀ ናይ መራኸቡ ብዙሓን መሳርዕ ብምጥቓም ክከታተሉ ዝኽእሉ ምዃኖም ናይ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፓትሪክ ቾቾልስኪ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣርስ ሉርድን ምብጻሕ ከካይዱ እዮም
09 July 2020, 21:11