2018.05.19 Cardinal Zenon Grocholewski 2018.05.19 Cardinal Zenon Grocholewski 

ዜና ዕረፍት ካርዲናል ግሮቾለውስኪ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ብለገሳስነት ዝሃብዎ ኣገልግሎት፥ “ቀናእ ምስክር ክህነትን ተኣማንነት ንወንጌልን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሕንጸትን” መግለጺ እዩ”

“ቀናእ ምስክር ክህነትን ተኣማንነት ንወንጌልn ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሕንጸትን” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቶም መላእ ሕይወቶም ኣብ ዓውደ ፍልጠትን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ናይ ዘወፈዩ ናይ ብጹዕ ካርዲናል ዘኖን ግሮቾለውስኪ ዜና ዕረፍት ምስ ተሓበሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዝኾነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተወላዲ ፖላንድ ናይ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኮይኖም ን16 ዓመት ዘገልገሉ ካብ 2015 ዓ.ም. ንደሓር ልሂቕ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ዘኖን ግሮልቾለውስኪ ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 17 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። መላእ ህይወቶም ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ - ኩርያ ሮማና ዘገልገሉን ንነዊሕ ዓመታት ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ደሓር እውን ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ኮይኖም ዘገልገሉ ከምዝኾኑ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካርዲናል ግሮቸሎውስኪ ዜና ዕረፍት ምስ ተነግሮም ናብ ሓው ነፍሰ ሄር ካርዲናል ግሮቸሎውስኪ ንቭላዲስላው ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥  ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም “ነፍሰ ሄር ግሮቸሎውስኪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነሰ መንበረ ጥበብ ናይ ሕገ ቀኖና መምህር ኮይኖም ዝፈጸምዎ ኣገልግሎትን ማእለያ ዘይብሉ ናይ ስነ ምርምር ዕዮታቶም ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሕገ ቀኖና ድርሰታቶምን ኩሉ ብሞሳ ክዝከር ዝግብኦ እዩ”፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ብለገሳስነት ዝሃብዎ ኣገልግሎት፥ “ቀናእ ምስክር ክህነትን ተኣማንነት ንወንጌልን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሕንጸትን” መግለጺ እዩ” ምስ በሉ ብጹዕ ካርዲናል ግሮቾለውስኪ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቲ ክቕበሎምን ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን ጸሎትን ሓዋርያዊ ቡራኬን ከምዘረጋገጹ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ናይ ሆላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቡጹዕ ኣቡነ ስታኒስላው ጋደይኪ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ብጹዕ ካርዲናል ግሮቾለውስኪ ንነዊሕ ዓመታት ንእግዚኣብሔርን ንሕዝቢ ፖላንድን ዓለምን ዘወፈዩን ኣብ ሮማ ዕለት 17 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ናብ ቤት ኣቦ ተመሊሶም ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉን፥ ጎይታ ኣብ ቤቱ ክቕበሎምን ዘለዓለማዊ ዕረፍትን ሰላምን ክጽግዎም ስሌኦም ንጸልይ ከምበሉ ቸራዞ ሓቢረን።

ካብ ፖላንድ ናብ ሮማ

ብጹዕ ካርዲናል ግሮቾሎውስኪ  ኣብ ሆላንድ ከተማ ብሮድኪ ኣብ ሰበኻ ፖዝናን ዕለት 11 ጥቅምቲ 1939 ዓ.ም. ከምእተወልዱን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ፖዝናን ኣትዮም ኣብኡ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ኣጠናቒቖም ዕለት 27 ግንቦት 1963 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉ ቸርራዞ የዘኻኽራ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክህነቶም ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ብሕገ ቀኖ ዝለዓለ ትምህርቲ ተኸታቲሎም ብላቲን ቋንቋ ናይ መመረቒ ድርሰቶም ኣቕሪቦምን ብዝለዓለ ነጥቢ ከምእተመረቑን፡ ኣብ ኩሪያ ሮማና ካብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጠበቓ ተቕዋም ብናይ ሕጊ ጥብቅና ተመሪቕምን ካብ ጥቅምቲ 1972 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 15 ሕዳር 1999 ዓ.ም. ኣብ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ከታሚ ቤት ፍርዲ ንሕጋዊ ፍጽምታት ዝምስክር ወግዓዊ በዓል መዚ ኮይኖም ከምዘገልገሉን ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 6 ጥሪ 1983 ዓ.ም.ማዕርገ ጵጵስና ተቐቢሎምን ዕለት 16 ታሕሳስ 1991 ዓ.ም. ማዕርገ ሊቃነ ጵጵስና ከምእተቐበሉ ቸራዞ ሓቢረን፡ ዕለት 15 ሕዳር 1999 ዓ.ም. ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ካቶሊክ ትምህርቲ ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ተሰምዮምን ጳጳሳዊ ናይ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብን ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ተቕዋምን ናይ ጳጳሳዊ ቅዱስ ሙዚቃ ተቕዋምን ናይ ጳጳስዊ ናይ ስነ ዓረብን ስነ ምስልምናን መጽናዕቲ ተቕዋምን ናይ ጳጳሳዊ  ናይ ስነ ቅርስን ስነ ጥንትን መጽናዕቲ ተቕዋምን ዓቢይ መምህር ኮይኖም ተሰምዮም ከምዘገልገሉን ናይ ታሪኽ ማህደሮም ጠቒሰም የመላኽታ።

ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ተሰምዮምን ኣብቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓረየ ናይ 2005 ዓ.ም.ን ደሓር እውን ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓረየን ዕጹው ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ ከምእተሳተፉ ቸራዞ የዘኻኽራ።

ኣብ 2007 ዓ.ም. ናይ ስነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘብርህ ሕዳሴን ብቕዓትን ዘተባብዕ ሰነድ ከምዘቕረቡን እውን ቸራዞ የመላኽታ።

ኣገልግሎቶም ኣብ ኩሪያ ሮማና

ኣብ ኩሪያ ሮማን ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ዘገልገሉን ኣብ 1982 ዓ.ም. ንናይ ሕገ ቀኖና ሕዳሴን ክለሳን ዝዓዪ ሸውዓተ ኣባላት ዝነበሮ ብር.ሊ.ጳ. ናይ ዝምራሕ ድርገት ኣባል ኮይኖም ዘገልገሉን ዕለት 7 ሰነ 1998 ዓ.ም. ኣብ ካዛኪስታን ዝተሓንጸ ቀዳመይቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽባርኹ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ከምእተላእኩን ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ 1998 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 15 ሕዳር 1999 ዓ.ም. ናይ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቦ መንበር ኮይኖም ከምዘገልግሉን ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብጠቕላላ 550 ጽሑፋት ዘሕተሙን ካብ ሮማን ካብ ናይ ሃገሮምን መናብርተ ጥበብ ብዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ናይ ሊቕነት ክብሪ ማዕርግ እውን ከምእተወሃቦም የዘኻኽራ።

ናይቲ ዕለት 13 ሰነ 1999 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድስና ናይ ዝተኣወጀሉ ኤድሙንድ ቦጃኖውስኪ ናይ ቅድስና ገድልታትን ዋና መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ኮይኖም እውን ከምዘገልገሉ ቸራዞ ኣዘኻኺረን ናይ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ግሮቾለውስኪ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ዕለት 18 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11 ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ባዚሊካ ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ብዝሰርዕዎ ናይ ፍትሓት ሊጡርጊያ ተፈጺሙምን ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስነ ስርዓት ጸሎት ኣማሕጽኖተ ነፍስን ጸሎት ግብኣተ መሬትን ከምዝሰርዑ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ዜና ዕረፍት ካርዲናል ግሮቾለውስኪ
17 July 2020, 22:09