2019.01.20 ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ በቹ 2019.01.20 ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ በቹ  

ኣስተንትኖንን ተግባርን መኣዝን ኣገግሎት ቤተክርስትያን! ብፁዕ ካርዲናል በቹ

ማርታ ኢ ማርያ ማለት ማርታን ማርያን ብዝብል ስም ዚፍለጥ ማሕበር ደናግል ሎሚ ኣብ በዓለት ቅድስት ማርታ ሰላሳ ዝኾና ደናግል ዓቢ መብጽዓ ይፍጽማ ብምንባረን ንቅዱሳን ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ዋና ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል በቹ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝመርሕዎን ስብከት ከምዘቅረቡን ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ በቹ ኣብ መንጎ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ‘ልቢ ማርያን ኣእዳው ማርታን ማለት ዘስተንትን ልቢ ማርያምን ዝሰርሓ ኣእዳው ማርታን ክልተ መልክዕ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ምዃነን’ ንዘክር እንክብሉ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም መብጽዓ ንምፍጻም ተሰሪዔን ዝነበራ ሰላሳ መንእሰያት ደናግልን ንኩሎምን ተሳተፍትን ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት እንክብል ንክልቲኡ ዘጠቃለለ ማለት ኣስተንትኖን ተግባርን ምዃኑ ኣሕጽር ኣቢሎም ገሊጾም። እቲ ፍጻሜ ብሓቂ ዘደንቅ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕነቶም ነዚ ናይ ሎሚ ዓለምና ‘ሕይወትካ ንጐታ ምውፋይን ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ብፍቅሪ ምግልጋልን ክሳብ ክንደይ ጥዑም ምዃኑ ተዓዘብ’ ኢለን ንብዙሓት ምቅባሉ ዘጸግሞም ስግንጢር ዝኾነ ምርጫ ሕይወት ንምግባር ክሳብ ክንደይ ትብዓትን ተወፋይነትን ከምዘለወን ዓው ኢለን ዝምስክራ ኣሕዋት ብሓቂ ዕውታት ምዃነን ነቲ በተን ደናግል ዝተወስደ ውሳኔን ንዓና እውን ብምስክርነትን ነቲ ድንግርግር ዝብለና ዘሎ ጩራ መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣንፈት ከምዝህባና ገሊጾም።  

ማርያ ንማርታ እተስተምህሮ ጉዳይ!

ታሪኽ ናይዘን ክልተ ኣሕዋት ኩልና ከም እንዝክሮ ማርታ ንጐይታ ምስ ኣርድእቱ ንምቅባል ዝብላዕ ዝስተ ንምቅራብ ላዕልን ታሕትን ክትብል እንከላ ማርያ ግን ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኰፍ ቢላ ትምህርቱን ቃሉን ትሰምዕን ተስተንትንን ከምዝነበረት ማርታ ከኣ ንመምህር ‘ክትሕግዘኒ እባ ምኸራ’ ብዚዓይነቱ ቃናን በይነይ ላዕልን ታሕትን ክብል ኣይደንግጸካን ድየ ብዘስምዕ መንፈስ ምስ ወቀሰት ኢየሱስ ‘ማርታ ማርታ ብዙሕ ትሰርሒ እንትኾነ ማርያ ዝበለጸት ሓርያ ኣላ ዘሕድጋ እውን የለን’ ክብል ይምልሸላ። ነዚ ከኣ ኣበው ኣስተንትኖ ኣብ ልዕሊ ተግባር ይምረጸ ብዝብል ብዙሓት ደቂ ተባትዕዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ብሕትውናን ሰቂለ ሕልናዊ ጸሎትን ከምዝተጸምዱ ታሪኽ ምግንጻል ይኣክል።

ብፁዕ ካርዲናል በቹ ናብቲ ታሪኽ ምልስ ኢሎም ቀዳመይቲ ትምህርቲ ማርያ ንማርታ ‘ነቲ ዝበለጸ ምሕራይ እዩ’ እንክብሉ ንቃላት ጐይታ ምስ ኣጋውሑ እዚ ከኣ ክንዮ ዝኾነ ስምዒትናን ተቃውሞ ስጋናን ቀዳምነት ንዝግብኦ ቀዳምነት ክንህብ እዚ ከኣ ንጐይታ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ክንሰርዕ ነቲ ሕይወት ዝልውጥ ቃሉ ብቀዳምነት ጽን ኢልና ክንሰምዕ ሽዑ መኣዝና ክንፈልጥ እኳ ደኣ ሓዲስ መኣዝን ሕይወት ክንረክብ ኢና ኢሎም። እንተ ማርታ ኣገልግሎት ኣሕዋት ንከንቱ ከምዘይኮነ ተረደኣና ምናዳ እቲ ብልግሲ እትገብሮ ኣገልግሎት ብፍቅሪ እተወፍዮ ኣገልግሎት ዓቢ ምዃኑ ነዚ ግን ካብ ዝኾነ ተግባርን ምሕዋኽን ንምድሓን ቃል ኣምላኽ እንተወሲኽካሉ ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ ከምዝኸውን ንክገልጹ ከኣ ‘ተግባር ጥራይ በይኑ ኣገልግሎት ጥራይ በይኑ ላዕልን ታሕትን ምባል ጥራይ በይኑ እንተዀይኑ ከማ ማንም ሥራሕ እዩ እንተደኣ ንቃል ኣምላኽ ሰሚዕካ ገርካዮ ግን ነቲ ዝሰማዕካዮ ፍቅሪ ኣብ ተግባር ስለእትውዕሎ ክልቲኡ ተደጋጊፉ ይኸውይድ’ ኢሎም። ስለዚ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ብጸሎትን ብተወፋይነት ብምስራሕን ክቅለስ እዘን ክልተ ዝንባሌታት እዚኤ ወትሩ ከሰንየና ሓደራ ኢሎም።

ሓጺር ታሪክ ማሕበር ደናግል ማርታን ማርያን

እዚ ማሕበር እዚ ብዕለት 6 ጥሪ 1979 ዓም ኣብ ሲዊዳድ ደ ያላፓ እትበሃል ከተማ ጓተማላ ብብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንጅል ጋርስያ ኢ ኣራውዝን እናቴ ኣንገላ ኤውጀንያ ሲልቫ ሳንሸዝን እዩ ተመስሪቱ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኤውሮጳ ተዘርጊሑ ሎሚ ልዕሊ 700 ሰብ መብጸዓ ደናግል ሃልዮሞ ተልእኮኤን ነቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባንን ኣብ ቤተክርስትያን ኣብቶም ብስጋን ብነፍስን ብሞራልን መንፈሳውነትን ዝሳቀዩን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎ ኢየሱስ ብኣእዳው ማርታን ብልቢ ማርያን ንክነፍቅሮ እዩ’ ይብል።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

29 July 2020, 12:07