ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 

ቅድሚ ስልሳ ዓመት ርክብ ኣብ መንጐ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23ን ጁለስ ኢዛክን

ድሕሪ 15 ዓመት ምዝዛዝም ካልኣይ ውግእ ዓለም፥ ሃገራትን ሕዝብታት ካብቲ ፍርስራስ ዳግም ክትንስኡ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ እዋን ዮሓንስ መበል 23 ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ዓለም መሰረታዊ ድላይ ግደአ ከተበርክት ምስቲ ሓድሽ ጭቡጥ ኩነት ገዛእ ርእሳ ከተላዝብ ስለ ዝነበራ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ፊላደፍልፊያ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሴፍ መንበረ ጥበብ ንናይ ኣይሁድን ካቶሊክን ርክብ ተቕዋም ኣመሓዳሪ ኣብራሃም ስኮርካ ንድሕሪት ምልስ ቢሎም እቲ ቅድሚ ስልሳ ዓመት ዕለት 13 ሰነ 1960 ዓ.ም. ናይ ዓቢይ ለውጢ ህሞትን ናይ ምሕዝነት ሓድሽ ኪደት ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን ዘበገሰ ርክብ ዮሓንስ መበል 23ን ፕሮፈሰር ጁለስ ኢዛክን ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ኣብ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘቕረብዎ ሰፊሕ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ታሪኽ ንሓዋሩ ሕዝብታትን ሰባትን ዝልውጡ ህሞታት ይኽሰቱ እያቶም፡ ካብቶም ህሞታት እቲ ሓደን ዝዓበየን ኣብ መንጐ ሰብን እግዚኣብሔርን ምስ ብጻይን ዝተኻየደ ርክብ እዩ፡ ርክብ ኣብርሃምን ፈጣርን ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 12 ሙሴ ካብ እግዚኣብሔር “ . . . ውጻእ” ዝብል ትእዛዝ ይቕበል፡ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕ. 3 ሙሴ ምስ እግዚኣብሔር ኣብታ “ብሓዊ እትነድድ ኣሿኽ ቈጥቋጥ” ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝግለጽ እንረኽቦ ህሞት ኣብ ታሪኽ ዓቢይ ለውጢ ዘምጸአ ርክብ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እያቶም፡ እቲ ካልእ እውን ኣብ ታሪኽ ዓቢይ ለውጢ ዘምጸኣ ዕለት 13 ሰነ 1960 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዮሓንስ መበል 23 ንሰዓቢ ሃይማኖት ኣይሁድ ፕሮፈሰር ጁለስ ኢዛክ ተቐቢሎም ዘካየድዎ ርክብ እውን ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ድሕሪ 15 ዓመት ምዝዛዝም ካልኣይ ውግእ ዓለም፥ ሃገራትን ሕዝብታት ካብቲ ፍርስራስ ዳግም ክትንስኡ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ እዋን ዮሓንስ መበል 23 ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ዓለም መሰረታዊ ድላይ ግደአ ከተበርክት ምስቲ ሓድሽ ጭቡጥ ኩነት ገዛእ ርእሳ ከተላዝብ ስለ ዝነበራ፡ ምእንቲ እዚ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  ጳጳሳት ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናብ ሃገረ ቫቲካን ጸውዑ።

ጳጳሳትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ካላኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንኽመያየጠሉ ኣድላዪ ዝብልዎ ኣርእስታት ኣመሓላለፉ፡ ካብቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ሓደ ከኣ ብዛዕባ ሾዋህ - ህልቂት ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን - ንነዊሕ ዘመናት ዝንዛሕ ዝነበረ ጸረ ኣይሁዳውያን ትምህርታትን ዝምልከት እዩ ዝነበረ፡ እዚ ጻውዒት እዚ ካብቲ ናይ ኢየሱሳውያን ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ተቕዋም ኣመሓዳርን መምሃራንን ዝነቐለ እውን እዩ ዝነበረ።

. . . ፕሮፈሰር ጁለስ ኢዛክ ኣይሁዳዊ ናይ ታሪኽ ሊቕ ቅድሚ ካልእይ ውግእ ዓለም ድሮ ብዙሓት ብዛዕባ ሕንጸት ኣብ ፈረንሳ ዝምልከት መጻሓፍቲ ዝደረሱ ተፈላጥነት ዝነበሮም፡ በዓልቲ ቤቶምን ጓሎምን ሰብኣይ ጓሎምን ኣብ ኣውሽዊዝን ኣብ በርገን ቦልሰን ናይ ህልቂት ሰፈር ዝተቐተልዎም፡ እዚ ኹሉ ዘጋጠሞም ከቢድ ስቓይ ብስጭውን ጭኑቕን ኣይገበሮምን ኣብ 1947 ዓ.ም.  ኢየሱስን እስራኤልን ዘርእስታ ኣይሁዳውነት ኢየሱስ ነቲ ዝነበረ ጸረ ኣይሁዳውያን ትምህርቲ ዝህቦ መልሲ ዝትንትን ዝደረስዋ መጽሓፍ - እቲ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ሕልቂት ኣብታ ክርስቲያን እየ በሃሊት ኤውሮጳ ብምዃኑ ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳን ክርስትናን ዓቢይ ማሕታ ዘለዋ መጽሓፍ እያ፡ ኣብ ፈረንሳ ማሕበር ሕውነት ኣይሁዳውያንን ክርስቲያንን ካብ ዘቖሙ ሓደን፥ ኣብ 1947 ዓ.ም. ካብ 20 ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካንን ልኡካን ኣይሁዳውያንን ዘካየድዎ ዓውደ ጉብኤ ዘነቓቕሑን ቀንደይን ተዋሳኢ ዝነበሩን . . .  ዮሓንስ መበል 23 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮዮም ምስ ተሓርዩ ጉባኤ ቫቲካን ክጽውዑ ድላይ ከምዘለዎም ምስ ሓበሩ፥ ፕሮፈሰር ኢዛክ ምስ ዮሓንስ መበል 23 ንኽራኸቡ ሕቶ የቕርቡ፡ ዮሓንስ መበል 23 ክርድኡኻን ከስተውዕሉልካን ዝኽእሉ ዓቢይ መዛተይ ምዃኖም ተረድኡ።

ዮሓንስ መበል 23 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ቅድሚ ምሕራዮም ኣንጀሎ ሮንካሊ፡ ኣብ ቱርኪ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ትካል ኣይሁዳውያን ዘቕረበሎም ዝነበረ ሕቶ ተቐቢሎም ንብዙሓት ኣይሁዳውያን ካብ ናይ ናዚ ህልቂት ንኸድሕኑ ተምያን ናይ ጥምቀት ምስክር ወረቐት ንብዙሓት ኣይሁዳውያን ዘውሃቡን ኣብ ቡልጋርያን ሮመኒያን ስሎቫኪያን ሃንጋርን . . . ንቡዙሓት ካብት ሾዋህ ኣድሓኑ፡ብዙሓት ካብ ኤውሮጳ ናብ ፍልስጥኤም ንኸምልጡ ዝገበሩ፡ ንፈለማ ግዜ ከም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝነበርዎ ሰሙነ ሕማማት፡ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ንኣይሁዳውያን ዝወሃብ ዝነበረን ዝድገም ዝነበረ ከሓድያን ወይ ከኣ ኣልቦ እምነት ዝብል መጸውዕ ካብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዓርቢ ስቕለት ክዝረዝ ዝገበሩ ምዃኖም ኣብራሃም ስኮርካ የዘኻኽሩ።

. . . እቲ ዝተኻየደ ርክብ ንኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን ቡርኬ ኰነ . . . እቲ ርክብ ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን ኣብ ታሪኽ ንሓዋሩ ሕዝብታትን ሰባትን ካብ ዝለወጡ ህሞታት ሓደ ኮይኑ ይጥቀስ።

ቅድሚ ስልሳ ዓመት ርክብ ኣብ መንጐ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23ን ጁለስ ኢዛክን

 

13 June 2020, 21:31