ድለ

ጴጥሮስን ጳውሎስን ስሙራት ኣብ ሰማዕትነት ጴጥሮስን ጳውሎስን ስሙራት ኣብ ሰማዕትነት 

ጴጥሮስን ጳውሎስን ስሙራት ኣብ ሰማዕትነት

ኣሕዋት ብኽርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ሓድሽ ዓይነት ኣብ ክርስቶስን ብኽርስቶስ ዝርከብ ጥቡቕ ዝምድናን ርክብን መግለጺ

ዕለት 19 ሰነ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን እተብዕለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዞም ክልተ ዓንዲ እምነት ናይ ዝኾኑ ሰማዕታት እምነት ኣማእኪሎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ከተማ ሮማ ሓለውቲ ቅዱሳንን ኵላውነት ተልእኾኦምን ካብ ምዝኽኻር ከምዘይበኾሩ ክዝከር እንከሎ፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሮማ ዘለዋ ኵላዊ ሓላፍነት ትእምርቲ ዝኾነ ኣክሚም ናይ ምብራኽ ስነ ስርዓት እውን ዝፍጸመሉ ዓቢይ በዓል እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓደ ጥንቁቕ ገፋፊ ዓሳ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ንኢየሱስ ብቐረባ ዝፈለጦን ደቀ መዝሙር ምስኡ ኣብ ማኣዲ ዝሓበረን ስጋሁ ወደሙ ዝተኻፈለን ብኢየሱስ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ንኽኸውን ዝተሓርየ እቲ ካልኣይ ድማ ተባዕን ደራስን ካብ ሩሑቕ ከባቢ ዝመጸን ኣዚዩ ዝረሓቐን “ብህልዮኣውነት” መንጽር ክርስቲያን ዘሳድድ ዝነበረን ደሓር ግና ሓደ ከምኦምን ከማናን ዝኾነ - ክርስቲያን።

ክልተ ባህርያዊ መንነትን ጠባይን ክልተ ታሪኽን ዝተፈላለዩ ብዘደንቕ ኵነት ኣብ ብጋሴ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ተማላእቲ ገርና ክንሓስቦን ንኽእል? ጴጥሮስን ጳውሎስን ከም ሰብ መጠን እቲ ዘለዎም ፍልልይ ብዘየገድስ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ብሓባር ቤተ ክርስቲያን ንኽልቲኦም ትዝክርን ተብዕልን ተኽብርን ክንየው እቲ ፍልልያቶም እቲ ክሳብ ሰማዕትነት ዘብጸሖም ዝሃብዎ ወንጌላዊ ምስክርነት የጣምሮም።

ኣብ ፊት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓቢይ ናይ ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ሓወልቲ ተነቢሩ ንረክብ፡ ብቐሊሉ ድማ በቲ መሰል ስልጣኖም ኣየናይ ጴጥሮስን ኣየናይ ጳውሎስን ምዃኖም ነለልይ፥ እቲ ሓደ ኣብ ኢዱ መፍትሕ እቲ ሓደ ከኣ ሰይፊ ዝሓዘን፡ ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይዞም ክልተ ዓንዲ ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ፍጻሜ ሕይወቶምን ሰማዕትነቶምን ንረክብ፡ ካብ ጥንቲ ክርስቲያናዊ ባህሊ ነዞም ክልተ ዘይፈላለዩ ግይሩ የቕርቦምን ይገልጾምን ምሉእ ናይ ክርስቶስ ወንጌል መግለጽቲ፡ ከም ኣሕዋት ብእምነትን ኣብ እምነትን . . .

በዚ ሓሳብ’ዚ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 29 ሰነ 2010 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ሓቢሮም፥ ኣሕዋት ብኽርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ሓድሽ ዓይነት ኣብ ክርስቶስን ብኽርስቶስ ዝርከብ ጥቡቕ ዝምድናን ርክብን መግለጺ፡ ር.ሊ.ጳ. ኢኖቸንዞ ሳልሳይ ዝበልዎ ጠቒሶም ልክዕ ከምቶም ክልእተ ኣሕዋት መስረቲ ሮማ ብስጋ ኣሕዋት ዝኾነ ሮሞሎን ረሞን።

ብዙሕ እዋን ኣሕዋት ተማላኢ ዝኾነ ባህርይ ኣለዎም፡ ኣብ 1969 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ንጴጥሮስ፥

ጴጥሮስ ኣብዚ እሎ (እዩ)! በዓሉን ዝኽሪ ሰማዕትነቱን መግለጺ ናይቲ ዝለዓለ ፍቕርን ሰማዕትነትን፡ ነዚ እውን ክርስቶስ ቅድም ክብል ዝተነበዮ እዩ፡ ጴጥሮስ ኣብዚ ኣሎ፡ እንታይ ኢና ክንሓቶ ንደልይ? ንሕና ካቶሊካውያንን ሮማውያንን እቲ ክንሓቶ እንደልዮ ከኣ ልክዕ እቲ ናቱ መግለጺ ዝኾነ ውዕዉዕ ሓዋርያውነትን ጽንዓትን ተሓባባርነትን ዘላቕነትን ቆራጽነትን . . . ወንጌላውነቱን ስሙር ሕይወትን እዩ፡ እምነት! እወ ንጴጥሮስ እምነት ንሕተቶ፡ ነቲ ካብኡን ካብ ሓዋርያትን ዝነቕል እምነት።

ስሙር እምነት ስለዚ ዘላቕን ኣብ ተኣማንነት ዝግለጽ እምነት፡ ጽኑዕ እምነት ዝቖመን እዚ ኸኣ ዕዩግ እምነት ማለት ኣይኮነን ኣንጻር እዚ ዅሉ እዩ፡ ኣብዚ ጳውሎስ ንዝክር፡ እቲ ናይ ኣሕዛብ ሓዋርያ ዝኾነ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ይሕብሩ፡

. . . እቲ ተኣማንነት ኣብ ምስዓብ እቲ ካብ ክርስትስ ዝተቐበልናዮን ደፋእታዊ ለውጢ ዘለዎን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝቖመን ብጴጥሮስ ኣብ ዝተረጋገጸን ሓቂ፥ ዘይምንቅስቓስን ዕዩግን ብምዃን ዝግለጽ ዘይኮነ ናይ ምስፋሕን ናይ ሓዋርያውነት ግብረ ኖልዎ  ባህርይ ዘለዎ እዩ፡ . . . እተመሓላልፎን እተራኽቦን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቆሮንጦስ ምዕ. 9 ፍቕዲ 16 “ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” ከምዝብሎን ብኻልኦት ተቐባልነት ክህልዎ ዝተቐበሎ ስልጣን፥ ጋላትያ 1. 8 “ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን” ዝብል እዩ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ ዘሰንዮ ድምጺ ወንጌል።

ኣብ 1969 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝሓበርዎ መግለጺ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዕምቆት ንረኽቦ፡ ኣብ 2001 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ወይቲላ “ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመት እቲ ከውሒ ቤተ ክርስቲያን ዝተሓንጸትሉ ወትሩ እቲ ቀዳማይ ከውሒ ንሱ እዩ፡ ትማልን ሎም ኣብዛ ከውሒ እዚኣ እንክብል ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጸሉ፡ እቲ  መሰረት ሰብኣውን ታሪኽን ጥራሕ ነይሩ እንተዝኸውን ቀደም በቶም ኩሎም ኣብ ልዕሊኡ ብዝለዓሉ ዝነበሩ ጸላእቲ ምኽንያት ምባደመ” ነይሩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ እዩ።

ምእንቲ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዝተዓቀበ እምነት፡ ዝዕቆር ዘይኮነስ ዝመሓላለፍዎ ክኸውን ከምዘለዎ የመላኽተና፥ እዚ እዩ ጽኑዕ እምነት ዝበሃል፥

እምነት ዝዕቀብ ብምልጋስ እዩ፡ እዚ ናይ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ትምህርቲ እዩ፥ እምነት እትዕቅቦ ስለ እተመሓላልፎ እዩ፥ እዚ ሓዋርያት ኣብ ጽርሓ ጽዮን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝተቐበሉላ መዓልቲ ዝተኸወነ ሓቂ እዩ` ካብ ጽርሕ ጽዮን ወጺኦምን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዕሎምን ናብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ከዱ፡ እዚ ተልእኾ ወንጌላውነት’ዚ ኣብ ግዜ ዝቕጽልን ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት ሃብታት እተመሓድረሉ ኣገባብ እዩ፡ ኣብዚ ናይ እምነት ጸዓተይናነት`ዚ ንጡፋት ተዋሰእቲ ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና፥ ምዕቃብ እምነት ኣብ ምርኻቡን ምትሕልላፉን እዩ!

እንክብሉ ከምዝገለጽዎ እዩ።

ጴጥሮስን ጳውሎስን ስሙራት ኣብ ሰማዕትነት
30 June 2020, 16:34