ቅድስቲ መንበር፥ መዓት ምግባረ ብልሽውና ንምውጋድ ሃገራት ንዝበለጸ ግልጽነት ክተግሃ ትዕድም ቅድስቲ መንበር፥ መዓት ምግባረ ብልሽውና ንምውጋድ ሃገራት ንዝበለጸ ግልጽነት ክተግሃ ትዕድም 

ቅድስቲ መንበር፥ መዓት ምግባረ ብልሽውና ንምውጋድ ሃገራት ንዝበለጸ ግልጽነት ክተግሃ ትዕድም

ኤኮኖምን መሓድሮን ብላዕን ምግብረ ብልሽውናን ንምውጋእ ዝድግፉ ግልጽነትን ቅንዕናን ምእትእምማን ኣብ መንጐ መንግስታት ሃገራትን ዜጋታትን

“ግልጽነትን ቅንዕናን ምእትእምማንን ኣብ መንጐ መንግስታት ሃገራትን ዜጋታትን”፥ በዚ ኣገባብ እዚ ነቲ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብዝገደደ ደረጃ ክሰፍሕ ይኽእል ተባህሉ ዝንገረሉ ሃገራትን ሕዝብታትን ብከቢድ ዝጉድእ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ምውጋእ ከምዘድልን፡ ምእንቲ’ዚ ብላዕን ምግባረ ብልሽውና ንምውጋድ - ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻን መሪሖም ኣብ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ደሕንነትን ምትሕብባርን ውድን ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑ ብጹዕ ኣቡነ ያኑች ኡርባንችዝይክ - ሃገራት ንሰናይ መንግስታዊ ምሕደራ ክተግሃ ይግባእ እንክብሉ ጻውዒት ከዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ደሕንነትን ምትሕብባርን ውድብ፥ ደሕንነትን ዘላቕነትን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን ምንቕቓሕን ብሕዳሴን ግልጽነትን ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ኣጠቓቕማ ብምስፋሕ ብላዕን ምግባረ ብልሽውና ምውጋእ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘካየዶ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ፥ ኣብቲ ውድብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ተመሪሑ ዝተሳተፈ ጉጅለ፥ ኤኮኖምን መሓድሮን ብላዕን ምግብረ ብልሽውናን ንምውጋእ ዝድግፉ ግልጽነትን ቅንዕናን ምእትእምማን ኣብ መንጐ መንግስታት ሃገራትን ዜጋታትን ዝብሉ ኣገባባት ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝሓበረን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ድሮ ዝፈጠሮን ዝፈጥሮ ዘሎን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን መሓድሮኣውን ጭቡጥ ለውጥታት ንኽንርእይ ከምዝገበረን፡ ስለዚህ ብውልቅን ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ጸረ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ቃልሲ ዝለዓለ ኣተኩሮ ክግበረሉ ዘመላኽት ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ብዝተፈላለየ መልክዕ ክሳብ ኣብ ኤኮኖሚ ድዩ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝተኣታተው ዘይምርግጋእን ቅልውላውን ከስዕብ ዝኽእል ዓቢይ ስግኣት እዩ ከምዝበለ ፒሮ ሓቢረን።

ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን፡ ንኹሉ ዝሃስይ ቁስሊ

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉጅለ መግለጺ፥ “ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን እቲ ንማሕበራዊ ኣካላት መጉዳእቲ ዝፈጥር ኣብ  ስነ ምግባር ኮነ ኣብ ኤኮኖሚያዊ መዳይ ከቢድ ማህሰይቲ ዘስዕብ እዩ፡ ብቐሊልን በቋራጽን ሃብቲ ምኽዕባት ዝብል ምሕላም ዘስርጽን ንኹሉ ዝጐድእን ሕድ ሕዳዊ ምትእምማን ዘናውጽን ዝፍንጅርን ግልጽነት ዝዕፍንን ኣብ ውሽጢ ናይ ሕግን ስርዓትን ኣብ ማሕበራዊ መስርሕ ኵሉ ምትእምማን ኮነ እምነት ንኸይህልውን ንኽትጠራጠሮን ይገብር”። ካብዚ ዝነቐለ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ሃገረ ኢጣሊያ ናይ ሃገር ሃብቲ ገንዘብን ንብረትን ዝቆጻጸር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደያኑን ሰራሕተይናታትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ የቐምስልን ንኹሉ ሰናይን ጽቡቕ ዝኾነ ዕላማ ይሕምሽሽ። ማሕበረሰብ ብጠቕላላ ነዚ መንሽሮ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ብኹሉ መግለጽታቱ ንምብዳህ ጽዉዕ እዩ” ከምዝበልዎ እዩ።

ኣብ ተግባር መንግስቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ

ዝኾነ ይኹን ናይ ማሕበራዊ ምሕደራ ጉዳያት ዝዓዪ ኣካል - ብግልጽን ብቕንዕናን ክዓዪ ወሳኒ ሓላፍነት ዘለዎ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ናይ መንግስቲ ተቕዋማትን ዜጋታትን ምትእምማን ምድግጋፍ መታን ክህሉን፡ ናይዚ ምእታምማን’ዚ ዕንወት እቲ ቀዳማይ ናይ ስርዓት ደሞክራሲ ቅልውላው እዩ” ዝበለ ጉጅለ ቅድስቲ መንበር ኣብ መግለጺኡ ኣስዒቡ “ኣብዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ መንግስቲ ቀዳማይ ዕማም ክኸውን ዘለዎ ናይ ኩሉ ጥዕና ውሕስነት ምርግጋጽ ዝብል እዩ” ቢሉ፥ ኾረና ተህዋስ ንምብዳህ ዝግበር ቃልስን ዝወሃቦ መልስን ንገዛእ ርእሱ “ንብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ዘቃልዕን ከምኡ እውን እቲ ንምቁጽጻሩ ዝተሓንጸጸ መምርሕን ሕግን ከይተረፈ ንኽጠሓስ ዕድል ክፈጥር ይኽእል፡ ስለዚህ ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ንቑሕ ምዃን የድሊ” ከምዝበለ ፒሮ ሓቢረን።

ለብዒ ናብ ቅርጺ ፍቓድን ድልያ ሰናይን ከም ዝድርኽ ዕድል

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉጅለ ኣብ መግለጺኡ፥ “እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዓቢይ ብድሆ እውን እንተኾነ፡ ዓለም ሓቆፋዊ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኮቪድ -19 ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ንምብዳህ ዝድግፍ ሓድሽን እዋናውን መፍትሒ ንምድላይን ዝድግፍ ዕድል ከም ኩነት ዘቕርብ ክኸውን ይኽእል” ቢሉ ኣብ መወዳእታ “እቲ መፍትሒ ዝገማምዕን ወይ ውን ብምሉእ ይኹን ብኸፋል ፖለቲካዊ ቃል ጉልቡብ ዘይኮነ ብቕንዕና ናይ ሓባር ረብሓን ኵለንተናዊ ምሉእ ስብኣዊ ምዕባለን ምንዳይ ሓላፋ ዝብል ክኸውን ኣለዎ” እንክብል ለበዋ ከምዘቕረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ቅድስቲ መንበር፥ መዓት ምግባረ ብልሽውና ንምውጋድ ሃገራት ንዝበለጸ ግልጽነት ክተግሃ ትዕድም

 

 

 

17 June 2020, 15:55