ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ተግባራውያን ረቛሒታትን ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ተግባራውያን ረቛሒታትን 

ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ተግባራውያን ረቛሒታትን

“ንናይ ሓባር ቤትና ናይ ምክንኻን ኪደት” ዘርእስቱ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተወሃበሉ ሰነድ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ መሓድሮኣዊ ቅልውላው ብቑዕ መልሲ ንምሃብ እንታይ ክግበር ከመዘለዎ ዝድግፍ ኮይኑ ኣብዚ ኪደት ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተኮረ ዘተን ርክብን ዘነቓቕሕ

እታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቲ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ዘሳተፈ ካልኦት ሓሙሽተ መደረይናታት ኣሳፊቱ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. “ንናይ ሓባር ቤትና ናይ ምክንኻን ኪደት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ሰነድ ብወግዒ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ተግባራውያን ረቛሒታትን
ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ተግባራውያን ረቛሒታትን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እቲ “ንናይ ሓባር ቤትና ናይ ምክንኻን ኪደት” ናይታ ይሴባህ ዘርእስታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዳሕ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ እተቕርቦ ሓሳብ ተግባራዊ ንምግባር ረቛሕታት ዘቕርብ እዩ፡ ንኣብነት ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣጋጢም ዘሎ ለብዒ ህጹጽ ዝኾነን ይጽንሓለይ ዘይትብሎን ወሳኔታት ከምዘድልዩ የመላኽት ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ መግለጺ ዝተወሃበሉ ሰነድ ንይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣናባብን ተንታንን ኮይኑ ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ተግባራራውያ ረቛሒታት ዘቕርብ ምዃኑ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መልገጺ ከምዝሓበሩ ኣፍሊጠን።

ቅድስቲ መንበር እቲ ብዛዕባ ምክንኻን ማሓድሮ ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዘተኻየዱ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤታት ስዒቡ ዝተበጽሔ ናይ ኪጋሊ ውዕል ደሕር እውን እቲ ብውዕል ሞንትረያል ዝፍለጥን ነዞም ክልተ ሰነዳት ከምእተቐበለቶምን እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ይሴባህ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘንበርዎ ሓሳብ መሰረት ነቲ ውዕሊ ብምንባብን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን “ንናይ ሓባር ቤትና ናይ ምክንኻን ኪደት” ዘርእስቱ  ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተወሃበሉ ሰነድ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ መሓድሮኣዊ ቅልውላው ብቑዕ መልሲ ንምሃብ እንታይ ክግበር ከመዘለዎ ዝድግፍ ኮይኑ ኣብዚ ኪደት ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተኮረ ዘተን ርክብን ዘነቓቕሕ እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን።

ግደ ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ  ቨርገዝ ኣልዛጋ እውን ብወገኖም ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ማሓድሮ ንምክኻል ግደ ሃገረ ቫቲካን እንታይ ከምዝመስል ምስቲ “ንናይ ሓባር ቤትና ናይ ምክንኻን ኪደት” ዘርእስቱ ጋዜጣዊ መልጺዝተወሃበሉ ሰነድ ኣተሓሒዞም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ዘለዉ ናይ ከባቢ ኣየር ብከላ ንምውጋድ ጻዕርታት ዝድግፉ ተግባራት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ትግቡራት ምዃኖም ከምዘብርሁ ዝገለጻ ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ብድሆ መሓድሮን ብድሆ ሕንጸት

ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ቪንቸንዞ ዛኒ እውን ብወገኖም እቲ “ንናይ ሓባር ቤትና ናይ ምክንኻን ኪደት” ዘርእስቱ ሰነድ ናይ ኩለን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ናይ ሓባር ዕዮ ውጽኢት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በተን ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከባ ኣባይቲ ትምህርትን ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብን ኣቢላ ኣብ መዳይ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትን ሕንጸት ኮነ ኣብ ምትግባሩን ዝድግፉ መርሓ ፍኖትን ጎስጓሳትን ምንቕቓሓን እውን ከምዝካየድን እዚ ኸኣ ድሮ ካብ ርሑቕ ዓመት ዝተበገሰ እዩ፡ ሕጂ ግና በቲ ነታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቲ ተግባሪ ሰነድ ኣቢላ ብስሩዕ ኣገባብ ክፍጸም መታን ዝተፈላለዩ መደባት ከምእተሳልጥ ኣብሪሆም።

ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮ ኣስተንፍሶ ዝገበረ መደብ ልምዓት

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግልጺ ዝተሳተፉ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብሩኖ ማሬ ዲዩፈ እውን ብወገኖም፥ ኩለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮ ኣስተንፍሶ ዝገበር መደብ ልምዓት ዘለዎ ኣገዳስነትን ትግባሬኡን “ንናይ ሓባር ቤትና ናይ ምክንኻን ኪደት” ዘርእቱ ሰነድ ኣደጊፎ ከምዘብርሁ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣተሓሒዘን፡ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ዕለት 27 መጋቢት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቕዕ ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎት ሕይወትና ናባኻን ናብ ካልኦት እነብለሉ እዋን እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪርም ዓዋዲት መልእኽቲ ይሴባህ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ተመስሪታ ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣብ ምኽባር ማሓድሮ ብምትብባዕ ሎማዊትን ንናይ ጽባሕ ተዋሰእቲ ፍኖት እያ ከምዝበሉ የመላኽታ።

ትኵረት ንመግባውን ሃብቲ ማያትን ስልቲ

እቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ናይ ዝጥርንፍ ናይ ሃገረ ቫቲካን ተቕዋም ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዋና ጸሓፍ ኣሎይሲውስ ጆን እውን ብወገኖም፥ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ኣብ ጽንኩር ኩነት መነባብሮ ንዝርከቡ ንስራሕ ስእነት ዝተጠቕዑን ኣባይቲ ስድራን ድጋፍ የቐርብ ከምዘሎን ይሴባህ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ድኻታትን ኣብ ሕሰምን መከራን ናይ ዝርከቡ ኣሕዋትን ገዓር እያ ቢሎም ቅልውላው ማሓድሮ ንገዝእ ርእሱ ህብዝታት እናሓደረ እውን መላእ ዓለም ንከቢድ ጸገም ዝዳርግ እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን።

ናይ ካቶሊካውያን ናይ ከባቢ ኣየር ሓልዮ ማሕበር ካልኣይ መስራቲ ቶማስ ኢንሱዋ እውን፥ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ድሕሪ እታ ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዋ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቲ ድሕሪ ቁሩብ መዓታት ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተመስረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እታ ሰነድ ናይቲ  ማሕበር መርገጺ እውን ብምዃኑ ንትግባሬኡ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳትን ዘሳልጦም ውጥናትን ብሓፈሻኡ ከምዘብርሁ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ብምኽንያት እቲ ብዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ዝዛረብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ካብ ዕለት 16 መጋቢት ክሳብ ዕለት 24 መጋቢት 2020 ዓ.ም.  ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ዓለም ዝረክቡ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብን ብጭቡጥ ኣብ ዓለም ዝረከባ ቁምስናታትን ሰበኻታትንን ገዳማውያን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ኣባይቲ ትምህርትን ተቕዋማትን ብሓባር ናይ ሓባር ቤትና ማለት ፍጥረት ንምዕቃብ ዘድልዩን ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮን ንምንቕቓሕ ዝድርኹ መገድታት ብዕምቆት ንምልላይ ብዝድግፍ ኣገባብ ምክንያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ንመሬትናን ንሰብኣውን ዘላቕን ቅኑዕን መጻእን ንምሕናጽ ዝድርኹ ተበግሶታትን በቲ ኩሉ ተራኻቢ (ኵሉ ተማራዃሲ እዩ) ዝብል መርሕ ቃል ተመሪሑ ዝቐርበሉ ከምዝኾነን ዕለት 24 ግንቦት ብዝተጸወዓ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ከምእተዛዘመ ይዝከር።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብዘመሓልለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ “ተኸሲቱ ንዘሎ መሓድሮኣዊ ቅልውላውን ናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር መልሲ ምሃብ ይጽናሕ ክበሃል ዘይግብኦ ተግባር እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ነቲ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝተኻየደ “ዓለም ሓቆፍ ቅነ ይሴባሕ” ንዝሳተፉ ኵሎም፥ መሓድሮ ብምክንኻን ንናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር ሓደራ መልሲ ንሃብ፡ “ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሓዲግናሉ ክንሓልፍ እንደልይ” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ “እንታይ ዓይነት ዓለም ጥራሕ ዘይኰነ እንታይ ዓይነት ትርጉም ሕይወትን ንሓደ ሕብረተሰብ መሰረት ዝዀኑ እንታይ ዓይነት ክብርታትን ኢና እንሓድገሉ ዘሎና” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም “ኵሉ ፍጥረት ናይቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ስራሕን ፍቓድን” እዩ ቢሎም፥

ኣብታ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጐስጓስ ቅነ ኵሎም ካቶሊካውያን ብሓባር መጻኢ ዓለም ንምሕናጽ ከስተንትኑን ክጽልዩን ክዋስኡን እያቶም!

ከምዝበሉ እውን ይዝከር።

ንምሉእ ኵለንተናዊ ስነ መሓድሮ ብዝበለጸ ንኽንዓዪ ሕጹጽ ጉዳይ እዩ

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተሓቲማ ንንባብ ካብ ዝበቐዓትሉ ንነጀው ብዙሕ ተፈጺሙ እዩ ስለዚህ እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ይሴባህ ካብ ዜሮ ዝተበገሰ ዘይኮነ ኣብቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዘካየድዎን ዝፈጸመዎን ገና እቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ መሓድሮ ንምኽዋን ዝካየዱ ኣብ ዘለዉ ጻዕርታትን ተሞርኵይዙ ዝተኻየደን ጽንዓትን ትብዓትን ዝሓትት ዓበይቲ ማሕታ ክህልዉ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሓሳባት ዝቐረበሉን እቲ ዝፍጸም ኪደት ብጥርኑፍ ክሳለጥ ዝሕግዝ መርሓ ውጥን ዘቕረበን ኣብ ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ መሓድሮ ዝካየዱ ጻዕርታትን ፍጻሜታትን ብሓበሬታ መልክዕ ምልውዋጥን ክህሉ ዘተባብዐ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን።

ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ተግባራውያን ረቛሒታትን
19 June 2020, 18:59