ፊዚከላ፥ ትምህርተ ክርስቶስ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌል

ብሓጺሩ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኣሳስረ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ እዩ፡ ቀዳማይ ክርስቶስ ዘበስር ሓይሊ እዩ፡ ዝተሓደሰ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1997 ዓ.ም. ዝጸደቐ ናይ መምርሒ ሰነድ ዝቐረበ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ እዩ፥ ሞገዳቱ ምስታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተዋደን ዝቓንይን ዘሰማምዕን እዩ

ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቡጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ብዛዕባ እቲ ንንባብ ዝበቕዔ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይቲ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ ዕላማ ቅዱሳት ምስጢራት ዘይኮነ ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሕይወት ምእታው ኣካሉ ምዃን ዝብል እዩ፡ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስን ንስደተይናትትን ግዱዓትን ዘመላኽት ምዃኑ ይሕብሩ።

ትምህርተ ክርስቶስ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌል
ትምህርተ ክርስቶስ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌል

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ጸዓተይና ቀጻሊ ጉዕዞ ድሕሪ ጉባኤ ቫቲካን ንእዋናውያን ብድሆታት ብቑዕ ምላሽ ንምሃብ ንኣብነት ነቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀን ዓውሎማዊ ባህልን መልሲ ንምሃብ ዝኣመተ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ እውን ዕለት 25 ሰነ እቲ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘጽደቕዎ፥ “ካብ ናብ ዘይኮነ ናይቶም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ኩሎም መላእ ሕይወቶም ዝሓቁፍ እዩ፡ ሕይወት ክርስትና ምስ ጐይታ ምርኻብን ኣብ ሕይወትና ኣብቲ ናቱ ምስጢር ምስታፍን ክሳብ ኮነ።

ቡጽዕ ኣቡነ ሩዊዝ ኣረናስ
ቡጽዕ ኣቡነ ሩዊዝ ኣረናስ

ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን የሳትፈና

ናይቲ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ ሕዳሴ፥ “ትምህርተ ክርስቶስ ኣትቕበል ቅዱሳት ምስጢራት ንምቕባል ቢልካ ዘይኮነ፡ ብመስርዕ ኣርከን ኣቢልካ ናብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ስቱፉ ንምዃን እዩ”፡ ሎሚ እውን ስሙር ምስክርነት ንምሃብ እዩ” እንክብል ብኣጽንዖት ኣብ ዘስመረሉ ሓሳብ ዝጠቓለል እዩ፡ ብተወሳኺ እውን ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ዓይነት ኣብነትን ኣገባብን ትምህርታዊ ንምፍላይ እዩ፡ “ክፍልታትን ኣባይቲ ትምህርትን መምሃሪ መጻሕፍትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መጽሓፍ እውን ኣሎ . . . ከምዚ ግን ኣይኮነ”፡ ምእንቲ’ዚ ትምህርተ ክርስቶስ ናብ ኣባይቲ ማሕቡስን ናብ ስደተይናታትን ይነቅል ግዱዓትን እቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ዜጋታት የአንግድን ይሓቁፍን፡ ምኽንያቱ “ሓደ’ኳ ኣብ ጉዕዞ እምነት ንበይኑ ከይሕደግ መታን” ይብሉ።

ብጹዕ ኣቡነ ፍራንዝ - ፐተር ተባርትዝ - ቫን ኤልስት
ብጹዕ ኣቡነ ፍራንዝ - ፐተር ተባርትዝ - ቫን ኤልስት

ብሓጺሩ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኣሳስረ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ እዩ፡ ቀዳማይ ክርስቶስ ዘበስር ሓይሊ እዩ፡ ዝተሓደሰ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1997 ዓ.ም. ዝጸደቐ ናይ መምርሒ ሰነድ ዝቐረበ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ እዩ፥ ሞገዳቱ ምስታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተዋደን ዝቓንይን ዘሰማምዕን እዩ፥ ትምህርተ ክርስቶስ ብስራት ቃል ኣምላኽ ዝብል እዩ። ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ሓይሊ ኣብቲ ዘበስሮ ክርስቶስ እዩ፡ ናይቲ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ሓድሽ መምርሒ ሰነድ ተቐበልቲ ጳጳሳት እያቶም፡ ምኽንያት ኣብ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ ብጳጳሳት እዩ ዝፍጸም ዘነበረ፥ . . . ትምህርተ ክርስቶ ቅርበትን ሓልዮትን ቤተ ክርስቲያን እውን ዝምስክር እዩ። . . . ህልው ኩነታት እዋናዊ ዓለም ግምት ዝህብን ዝርዳእን ዝትንትንን . . . ሕዳሴ ከምቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኹሉ ኩርናዕ ር.ሊ.ጳ. ዘተኣታትውዎ ዘለዉ ሕዳሴ ዓይነት እዩ፥ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ሕዳሴ ማእከል ብስራት እዩ፥ ኣብ ሕይወትናን ታሪኽን ህልው ምስ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዘራኽብ ሓይሊ። ወንጌላውነት። . . . . እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ድሕሪ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፊዚከላ፥ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ቡጽዕ ኣቡነ ሩዊዝ ኣረናስን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ዝከታተ ጉዳይ ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ፍራንዝ - ፐተር ተባርትዝ - ቫን ኤልስትን እውን ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 

27 June 2020, 22:10