2020.01.17 ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን! 2020.01.17 ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን! 

ዝኽር መበል 55 ዓመት ነጻነት እምነት ዘውሓሰ ሰብኣዊ ክብሪ (DH) ዝብል ሰነድ 2ይ ጉባኤ ቫቲካን!

ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ካብታ ፈላሚት ጉባኤ ኢየሩሳሌም ሓዋርያት ንመጀመርያ ግዜ ተጋቢኦም ብዛዕባ ነጻነት እምነት ዝተዋስኡላ ክሳብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተፈላለየ ጉባኤታት እኳ እንተተኻየደ ነዛ ፈላሚትን ክሳብ ሕጂ ናይ መወዳእታን ጉባኤታት ዘመሳስልን ጉዳይ ነጻነት እምነት እዩ። 55 ዓመት ድሕሪት ምልስ ኢልና እንክንጥምት ዲኚታቲስ ኡማነ ሰብኣዊ ክብሪ ወይውን ክብሪ ወዲሰብ ዝብል ሰነድ እውን ኣብዛ ነጻነት ዘሎ መሰል እዩ ተንቲኑ።

ዜና ቫቲካን

ክብሪ ወድሰብ Human Dignity: ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕይወት ወዲ ሰብ ቅዱስን ክቡርን እዩ ኢላ ትአምን። ክብሪ መሰል ወይ መንነት ሰብ መሠረት ናይ ሞራላዊ ጠመት ንሕዝቢ እዩ። እዚ እምነ መሰረት ናይ ኩሉ መምርሒ ወይ ሕጊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ንኅብረተ ሰብአዊ ትምህርቲ ዝርኢ እዩ። ክብርን መሰልን ሰብ ሎሚ ብዝተፈላለየ ይጥቃዕን ይዋረድን እኳ እንተሎ እቲ ዝሓሰመ ነጻነት እምነት ኰይኑ ከምቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝበልዎ ካብ ናይ መጀመርያ ክፍለት ዘመን ሰማዕታት ኣብዚ ዘመንዚ ብጽልኢ ሃይምኖትን ዓፈና ነጻነት እምነትን ዝስውዑ ሰማዕታት ይበዝሑ።

ኣብ መእተዊ ከምዝበልናዮ ቤተክርስትያን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰሪትና ብሓዋርያት ካብ ትብገሰሉ ግዜ ጀሚራ ነዚ ተኣፋፊ ጉዳይ ነጻነት እምነት ምስ ዘተየትሉ እዩ። ናይ ሎም 55 ዓመት ይገብር ዕለት 7 ታሕሳስ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ዝተጋብኡ ጳጳሳት ኣበው ጉባኤ ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ‘እዚ ጉባኤ እዚ ነጻነት እምነት መሰል ወዲሰብ እዩ ኢሉ ይእውጅ ኣሎ’ እንክብሉ ነቲ ንዘመናት ዘካተዔ ጉዳይ ነጻነት እምነት ከም ኩሉ መሠረታዊ መሰላት ወዲሰብ ንክብሪ ሰብኣውነትን ክብሪ ወዲሰብን ዝትንክፍ ስለዝኾነ ብማንም ከይገሃስ ዲኚታቲስ ኡማነ ዝብል ኣዋጅ ሰነድ ማለት ክብሪ ወዲሰብ ኣብ ነጻነት እምነት ኣዊጆም።

እዚ ኣዋጅ እዚ ወዲሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ድርጅታት ዝጸደቀ መሠረታዊ መሰላትን ክብርታትን መሰል ነነጻነት እምነት እውን ኣብ ንቡር ማሕበረሰባውን ሲቪላውን ኣመሓድራ ከም መሰል ወድሰብ ክሰፍር እዚ ከኣ ኣብ ቃል ኣምላኽን ቅርዑይ ኣመክንዮን ተመስሪቶም ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝበጽሕዎ ምዃኖም ኣዊጆም። ነዚ ሰነድ እዚ ንምስንዳው ብዙሕ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ሓደ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ምዃኖም ይጥቀስ።

ኣበርክቶ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ

እዚ ሎሚ ኣብ ኢድና ዘሎ ሰነድ ክብሪ ወዲሰብ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተተርጒሙ ብዙሕ ሓተታ እውን ዝግበረሉ ዘሎ ንኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ካብ ዘጸለዮምን ዘካትዖምን ደጋጊሞም ንክሰርሕዎን ንክፍንጥሕዎን ስለዝተቀሰቡ ሓሙሽተ ግዜ ተጻሒፉ ብጽጹይ መጽናዕትን መርመራን ክትዕን ጸሎትን ዝሓለፈ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ዝነበረ ኣብ ትርጓሜ እዛ ነጻነት እምነት ትብል ኰይኑ ብካልኣይ ደረጃ ኸኣ ዝኾነ ነዚ ነጻነት እዚ ዝትንክፍ ኣብ ኲስኰሳስ ይኹን ጉዳይ ሕልና ብዝኾነ ክትንከፍ ክዕመጽ ክጉዕጸጽ ከምዘይብሉ ኣብ ርእሲኡ ከኣ ነጻ ኰንካ እምነትካ ንክተዘውትር ዘድሊ ውሕስነት ንምውዳድ ዝብላ ኣምራት ነበራ። ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዕለት 28 ሰነ 1965 ዓም ኣብ ዝተገብረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ‘ናይዛ ሰፋሕ ሰነድ እዚኣ ዝበዝሐ ክፋል ኣብ ክልተ ከፊልና ክንርእዮ ንኽእል! እታ ሓንቲ ኣብ ጉዳይ እምነት ማንም ከይግታእ ከምኡ እውን ማንም ከይቅሰብ’ እንክብሉ ሕመረት ናይዚ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ መጻግም ዘሎ ነጻነት እምነት ገሊጾም ነሮም። ነዚኣ ንከጽድቁ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሕለፍዎ ታሪኽ ውዕሎ ሓርፋፍ ሰነድ ክብሪ ወዲሰብ ንነጻነት እምነት ኢሎም መዝጊቦሞ ይርከቡ።

ምሃብ ድምጺ ኣብ እማመ ሰነድ ክብሪ ወዲሰብ!

ርዝነት ናይቲ ጉዳይን ምስ መሠረታዊ መሰል ክብሪ ወዲሰብ ምትሕሓዙን ካብ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 62 ክትዓትን ብኣማኢት ዝቊጸሩ ብጽሑፍ ዝቀረቡ ርእይታቶን ኣኣንጊዶም። ሓደ ካብቲ ክትዕ ዝነበረ ‘ነቲ ምሉእ ሓቂ ዝሓዘ ኣማንን ኣብ ጌጋ ዘሎ ኣማንን ከመይ ጌርካ ማዕረ ዕድል ይወሃብ’ ዝብል በቲ ሓደ ወገን በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ እምነት ዘይብሉ መንግሥቲ ብቤተክርስትያን ክዂነን ኣለዎ ዝብል መርገጽ ማእከላይ ዘመን ማለት መንግሥቲ ካብ ጉዳይ እምነት ኢዱ ኣልዒሉ ንኩሉ ብማዕረ ይርኤ ነጻነት እምነት ከኣ የኽብር ዝብል ጉዳያት ነዊሕ ምስ ኣከራኸሮም ኣብ መወዳእት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣበው ድምጾም ክህቡ ይሓቱ እሞ ካብቶም ክልተ ሺሕን ክልተ ሚእትን ዕሥራን ክልተ ተሳተፍቲ ጉባኤ ሺሕን ትሽዕተ ሚእትን ተስዓን ሸውዓትን እወ ከድምጺ እንከለው ክልተ ሚእትን ዕሥራን ኣርባዕተን ኣይፋል ኣድሚጾም። በዚ ከምዚኸስ ሰነድ ዲኚታተስ ኡማነ ብቋንቋ ላቲን ክብሪ ወድሰብ ብዝብል ኣርእስቲ ነንጻነት እምነት ተኣዊጁ።

ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን

ኣብዚ ሰነደ እዝን ካልእ ጉዳይ ሰብን ማሕበርነቱን ሥራሑን ክብረቱ መሰሉን ዝርኢ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ተመርኲሶምከስ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት በብግዜኡ ካብ መሰል ሕይወት ወዲሰብ ካብ ጽንሲ ክሳብ ሞት ዝብል ጀሚርካ ኩለንትናዊ ናይ ወዲሰብ ኩነታት ነጻነትን ሓርነትን ከም ሰብ ምሳኡ ዝተታሓሓዘ ሓርነትን ነጻነትን ዝሓትት ክብሪ ደቂሰባት ካብ ምግላጽን ምክልኻልን ኣቋም ምውሳድን ዓዲ ኣይወዓሉን። ብሓፈሻኡ ከኣ ሶሻል ዶክትሪን ኦፍ ዘ ካቶሊክ ቸርች ዝብል ብትግርኛ እውን ብትግሃት ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ዘማሕበረ ካፑቺን ዝተተርጐመ ኣስተዋጽኦ ሕብረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊኣዊት ቤተክርስትያን ኣብዚ ሰነድ እዝን ካልኦት ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዝተመሥረተ እዩ።

ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብዚ ናይ ዘመና ብዝተፈላለየ እትጭነቕን ትውጠርን ዘላ ዓለምና ብዙሕ ትሕዝቶ ሃብታም ፍለጠት ብዛዕባ ቅኑዕ ሕብረተሰብን ቅዱስ ሕይወት አብ ምንባርን ዝሕግዝ እዩ። ዘመናዊ ካቶሊካዊ ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ አብቲ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ አብ ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ጉባኤታትን ጳጳሳዊ ጽሑፋትን ዝተመስረተ እዩ። ዕምቆትን ሃብቲ ናይ እዚ ሃብታም ባህሊ ብቀጥታ ነቲ ጽሑፋት ብምንባብ ክንርዳእ ንኽእል። እዛ ሎሚ ዝዘከርናያ ሰነደ ኣበው ንኩሉ ስለ እተጠቃልል እንተንበብናያ ሓጋዚት እያ።  

[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!] 

13 June 2020, 10:47