ዓለም ሓቆፍ ቅነ “ይሴባሕ” ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ብሓባር ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ ዓለም ሓቆፍ ቅነ “ይሴባሕ” ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ብሓባር ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ 

ዓለም ሓቆፍ ቅነ “ይሴባሕ” ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ብሓባር ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ

ኣብታ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጐስጓስ ቅነ ኵሎም ካቶሊካውያን ብሓባር መጻኢ ዓለም ንምሕናጽ ከስተንትኑን ክጽልዩን ክዋስኡን እያቶም!

“ኵሉ ተማራዃሲ እዩ” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ፡ ኣብታ ካብ ትሕተምን ንንባብ ካብ እተበቅዕን ሓምሻይ ዓመታ ተቑጽር ኣብ ዘላ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንስቕስቓስ ሓልዮ ናይ ከባቢ ኣየርን ብቐዳምነት ዝጥቀስዎም ምስ ካቶሊካውያን መሻርኽቲ ብዝኾኑ ጉጅለታት ብምትሕብባር ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ዝዛዘም ዝሰናደዎ ቅነ ይሴባሕ ዓዋዲ መእኽቲ ዕለት 16 ግንቦት ከዘበገሰ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ዓለም ሓቆፍ ቅነ “ይሴባሕ” ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ብሓባር ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ
ዓለም ሓቆፍ ቅነ “ይሴባሕ” ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ብሓባር ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ብዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ዝዛረብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅነ ይሴባህ ክካየድ ዘቕረብዎ ጻውዕቲ ኣብ ዓለም ዝረክቡ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብን ናይ ብጭቡጥ ኣብ ዓለም ዝረከባ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ገዳማውያን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ማሕበራውያን ክውነታትን ኣባይቲ ትምህርትን ተቕዋማትን ብሓባር ናይ ሓባር ቤትና ማለት ፍጥረት ንምዕቃብ ዘድልዩን ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮን ንምንቕቓሕ ዝድርኹ መገድታት ብዕምቆት ንምልላይ ቅነ ይሴባሕ ይካየድ ከምዘሎን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝተፈላለዩ ንመሬትናን ንሰብኣውን ዘላቕን ቅኑዕን መጻእን ንምሕናጽን ዝድርኹ ዝተፈላለየዩ ተበግሶታትን በቲ ኩሉ ተራኻቢ (ኵሉ ተማራዃሲ እዩ) ተመሪሑ ዝቐርበሉ ከምዝኾነን ዕለት 24 ግንቦት ብዝጸወዖ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት እውን ክዛዘም ምዃኑ ማሶቲ ሓቢረን።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብዘመሓልለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ “ተኸሲቱ ንዘሎ መሓድሮኣዊ ቅልውላውን ናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር መልሲ ምሃብ ይጽናሕ ክበሃል ዘይግብኦ ተግባር እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝካየድ “ዓለም ሓቆፍ ቅነ ይሴባሕ” ንዝሳተፉ ኵሎም፥ መሓድሮ ብምክንኻን ንናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር ሓደራ መልሲ ንሃብ፡ “ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሓዲግናሉ ክንሓልፍ እንደልይ” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ “እንታይ ዓይነት ዓለም ጥራሕ ዘይኰነ እንታይ ዓይነት ትርጉም ሕይወትን ንሓደ ሕብረተሰብ መሰረት ዝዀኑ እንታይ ዓይነት ክብርታትን ኢና እንሓድገሉ ዘሎና” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም “ኵሉ ፍጥረት ናይቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ስራሕን ፍቓድን” እዩ ቢሎም፥

ኣብታ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጐስጓስ ቅነ ኵሎም ካቶሊካውያን ብሓባር መጻኢ ዓለም ንምሕናጽ ከስተንትኑን ክጽልዩን ክዋስኡን እያቶም!

ከምዝበሉ ዘዘኻኸራ ማሶቲ ኣስዒበን፡

ንምሉእ ኵለንተናዊ ስነ መሓድሮ ብዝበለጸ ንኽንዓዪ ሕጹጽ ጉዳይ እዩ

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተሓቲማ ንንባብ ካብ ዝበቐዓትሉ ንነጀው ብዙሕ ተፈጺሙ እዩ ስለዚህ እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ይሴባህ ካብ ዜሮ ዝብገስ ዘይኮነ ኣብቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዘካየድዎን ዝፈጸመዎን ገና እቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ መሓድሮ ንምኽዋን ዝካየዱ ኣብ ዘለዉ ጻዕርታትን ተሞርኵይዙ ዝካየድን ጽንዓትን ትብዓትን ዝሓትት ዓበይቲ ማሕታ ክህልዉ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሓሳብ ዘቕርብን እቲ ዝፍጸም ኪደት ብጥርኑፍ ክሳለጥ ዝሕግዝ መርሓ ውጥን ከቕርብን ኣብ ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ መሓድሮ ዝካየዱ ጻዕርታትን ፍጻሜታትን ብሓበሬታ መልክዕ ምልውዋጥን ክህሉ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን።

ዓለም ሓቆፍ ቅነ “ይሴባሕ” ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ብሓባር ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ
ዓለም ሓቆፍ ቅነ “ይሴባሕ” ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ብሓባር ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ

ክልተ ዓበይቲ መደባት ኣብ ኪደት መሓድሮ

ብዛዕባ ከባቢ ኣየር ንምክንኻን ሃገራት ኣብ ፓሪስ ዝፍጸመኦ ውዕሊ ዘንበሮም ሸቶታት ንምዕታር ዝድግፍ ውጥን ከምኡ እውን እቲ ካልኣይ ዓቢይ መደብ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ዛዕባ ብዝሓ-ሕይወት ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤን ኣብዚ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ሓምሻይ ዓመት ኣብ ዝከረሉ እዋን ዝካየዱ ዓበይቲ መደባት ከምዝኾኑ ማሶቲ የዘኻኽራ።

ኮሮና ተህዋስ ዘመሓላልፎ ዘሎ ትምህርቲ

እቲ ናይ ቫቲካን ዛዕባ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘቕርቦ ትምህርቲ ኣብዚ ለብዒ ክሮና ተህዋስ መላእ ዓለም ኣብ ዘናውጸሉ ዘሎ እዋን ዓቢይ ጥቕሚ ዘለዎ ከምዝኾነ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪትስ ዝጸውዕ ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ኢጣሊያ ኣመሓዳሪ ኣባ ፍራንቸስኮ ሶዱ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣስዒቦም እውን ብሓባር ለበዳ ማሕበራውን ውልቃውን ኢጐነት ንምብዳህ ዘብቅዕ ፍትሕን ግብረ ሰናይን ምሕብባርን ዘነቓቕሕ እዩ ቢሎም፥ ናይ ብሉጽን ቅኑዕን ዓለም ሓናጺ ምዃን ንማንም ድሕሪት ዘይሓድግን ዘይንጽልን ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ወሳኒ እዩ፡ ብፍላይ እዚ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ መጻኢና ኣብ ክብሪ ሕውነት ዝተሰርተ ክኸውን ዕድል ዘቕርብ እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ዓለም ሓቆፍ ቅነ “ይሴባሕ” ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ብሓባር ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ
20 May 2020, 15:38