በዓለ ጰራቕሊጦስ ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅ. ጴጥሮስ በዓለ ጰራቕሊጦስ ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅ. ጴጥሮስ  ርእሰ ዓንቀጽ

ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ተልእኾ ወንጌል ዝርጋሐ ህልዮ እዩ ዝኸውን

ተልእኾ ወንጌል ናይ ምኩሐ - ፍልጠትን ነጻልን ጽርሃ ጺዮን ኣይኮነን፡ ኢየሱስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ዝተራኸቦም ኣብ ዕለታዊ ዕዮኦም እንከለዉ እምበር “ኣብ ሓደ ዓውደ መጽናዕትን ዓውደ ጉባኤን ኣብ ቤተ ሕንጸት ዘርኣ ክህነትን ወይ ውን ኣብ ቤተ መቕደስ ኣይነበረን”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዝለገስዎ ስብከትን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌልን ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ቅድሚ ቁሩብ መዓልቲ ናብ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ተግባር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘንበርዎ መሰረታዊ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ከምዘቃልሕዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ትርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 5 ሓምለ 1968 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ላውዲቀያ ሜጥሮጶሊጣ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ቡጹዕ ኣቡነ ኢግናጽዮ ንቤት ምኽሪ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ጉባኤ፥ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ምእመንን ሕይወት ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር ኣማኣኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ንሱ ኣብ ዓለም ዝዓዪ ሕዳሴ እዩ፡ ህላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልናን ኣብ መንፈስናን ዝሓብርን እዩ፡ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ርሑቕን ክርስቶስ ሕሉፍ ታሪኽን፡ ወንጌል ዝሓለፈሉ ሙት ቃልን ኮይኑ ምተረፈን፡ ቤተ ክርስቲያን ተራ ውድብን መንፈሳዊ መራሕቲ መላኽያንን ልኡኻን ናይ ዝርጋሐ ህልዮን ስግደትን ኣምኾን ተራ ምሕጽንታን ግብረ ሰብኣዊ ፍጥረት ጊልይ ኮይኑ ምተረፈ ነይሩ” ከምዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

በዓለ ጰንጠቆስጠ መዓልቲ ሓሴት እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ዝነበረ ማሕበራዊ ምርሕሓቅን ምፍንታትን ውሸባን ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ብሓዋርያዊ መስኮት ተቐልቂሎም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ከዕርጉ ምርኣይ እውን ንኹሉ ተወሳኺ መዓልቲ ሓሴት ከምዝኾነን፡ ቤተ ክርስቲያን ልእኽቲ ወንጌል ምዃና ዳግም ዘስተውዓለትሉ ዕለት እውን እዩ። ተልእኾ ወንጌል ካብ ውጥናትን ካብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደባትን ዝምንጨው ዘይኮነ፡ ናይቲ ዝተቐበለቶ ጸጋ ነጸብራቕን ብገርሄይናን ተራን ሕይወት ኣብ ማዕልታዊ ሕይወት ክርስቲያን ዝንበር እዩ።

“ተልእኾ - ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምውጻእ፡ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን -  እዚ መርሓ ግብሪ ኣይኮነን፡ ወይ ከኣ ብናይ ጽቡቕ ድላይ ሓይሊ ምኽንያት ዝኽወን ውጥን ኣይኮነን፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ነዚ ኣብቲ ብዘይ ብኣኡ ሓደ’ኳ ክንገብር ኣይምተኻእልን ብዝብል ኣርእስቲ ብቓለ መሕትት መልክዕ ኣብ ዝተደርሰት መጽሓፎም ዘስመሩሉ ሓሳብ ተወኪሶም ክኸውን እንከሎ፥ “ንቤተ ክርስቲያን ካብ ገዛእ ርእሳ ንኽትወጽእ ዝድርኻ ክርስቶስ እዩ፡ ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ብመንፍስ ቅዱስ ኢኻ እትድረኽን ንኽትወጽእ እትበቅዕን” ከምዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

“ኣብ ጰራቅሊጦስ - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ -  ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ተግባር ስብከተ ወንጌል ከምዝኾነ ይስትወዓል” ከምዝበሉን፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ተዓጽዮም እንከለዉ ዘሰናድውዎ ወይ ዝሕንጽጽዎ መደብ ከምዘይነበሮም ኢና ነስተውዕል፡ መደብ ኮነ ውጥን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ይሕጽጹ ኣይኮኑን ዝነበሩ . . .” ይብሉ።  ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ስብከትን ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን፥ ምስቲ ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ናብ ጳጳሳዊ ተልእኾ ወንጌል ተግባር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘሳነይዎ ከምዝኾነን፡ ኣብቲ ሰነድ - ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእኾ ወንጌል ምዕዳወ ዕለታዊ ተራን ልሙድን ሕይወት ምዃኑ እዮም ዘተሓሳስቡ፡ ተልእኾ ወንጌል ናይ ምኩሐ - ፍልጠትን ነጻልን ጽርሃ ጺዮን ኣይኮነን፡ ኢየሱስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ዝተራኸቦም ኣብ ዕለታዊ ዕዮኦም እንከለዉ እምበር “ኣብ ሓደ ዓውደ መጽናዕትን ዓውደ ጉባኤን ኣብ ቤተ ሕንጸት ዘርኣ ክህነትን ወይ ውን ኣብ ቤተ መቕደስ ኣይነበረን” እንክብሉ የብርሁ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ንናይ ጳጳሳዊ ተልእኾ ተግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ሕዳሴ መደባት ወይ ውን ናይ መሰረታዊ ሕዳሴ ሓሳብ ኣይኮኑን ዘቕረቡ፡ በንጻሩ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ህልው ዝኾነ ስግኣት እዮም ብኣጽንዖት ዘመላኸቱ፥ ነቲ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኮ ተግባር ማሕበር፥ እቲ ተራ ዝኾነ ከይተሓላልኾ ዝብልን እዚ ኸኣ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግልቲ ኣብ ናይ ምዃን ተልእኾኦም ክጸንዑ ዝብል ስልጣናዊ ምዕዶ እዮም ዘቕርቡ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ተልእኾ ወንጌል ዝርጋሐ ህልዮ እዩ ዝኸውን
31 May 2020, 23:06