ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኣቡዳቢ ዕለት 3 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኣቡዳቢ ዕለት 3 ለካቲት 2020 ዓ.ም. 

ኣዩሶ፥ ዕለት 14 ግንቦት፡ ከም እንኮ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ብሓባር ኣብ ጸሎት

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣብቲ መደብ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን ኵሉ ከከም ሃይማኖቱን እምነቱን ክሓብር ተላብዮም ንሶም እውን ክሓብሩ ምዃኖም ክምዝግለጹ

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር፥ ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 14 ግንቦት ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኽስገር ዝጠለቦ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን፡ እቲ ለብዒ እቲ እንኮ መጻኢና ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕውነትን ናይ ሓባር ናብራን ዝብል ክቡር ዋጋ ዝጸንዓሉ መሰረት ክኽኸውን ዘተባብዕ ዕድል ገይርና ንኽንጥቀመሉ ዘተባብዕ መደብ እዩ እንክብሉ ድጊፎምን ከምእተቐበልዎ ከምዝገለጹ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጥራሕ ዘይኮነ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳውያ መራሕትን ጉጅለታትን ናይ ማሕበራዊ ህይወትን ናይ ፖለቲካን ሓለፍቲ እውን ኣብቲ ጸሎትን ንሓባራዊ ምድግጋፍ ዘተባብዕ መደብ ንኽሳተፉ ዝዕድም እዩ፡ ዝበሉ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣ

ንገል ኣዩሶ ጉይክሶት፥ ኣስዒቦም እቲ ላዕለዋይ ሰብኣዊ ሕውነት ዘተባብዕ ሽማግለ ዝጠለቦ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን ፡ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ናይ ባህልን ሃይማኖትን ኤኮኖሚያዊ ደረጃን ብዘየገድስ ንኽሓብር ዝዕድም እዩ፡ እዚ መደብ’ዚ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ስቓይ ገዓር ብጥልቂ ዘስተውዓለ እውን ምዃን ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣብቲ መደብ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን ኵሉ ከከም ሃይማኖቱን እምነቱን ክሓብር ተላብዮም ንሶም እውን ክሓብሩ ምዃኖም ክምዝግለጹ የዘኻኽሩ።

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እውን ብወገኖም ናይቲ መደብ ልዑል ክብሪ ኣፍልጦ ክህቡ እንከለዉ፥ ኩላትና ኣባላት ናይ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኢና፥ በዚ መሰረት ኩላትና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ኢና ዘሎና፡ ነዚ ስዒቡ እውን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ሃይማኖታትን ጁለታትን ናይ ማሕበራውን ፖለቲካን ላዕለዎት ኣካላትን ብሓፈሻኡ ኩሉ ብሓባር እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኽስገር ኣብ ዝምህለል መደብ ጾምን ጸሎትን ግብረ  ሰናይን ክሳተፍ ምዕዳም ባህርያዊ እዩ ከምዝበሉ ዘዘኻኸሩ ብጹዕ ካርዲናል ኣዩሶ ኣስዒቦም፥ ነቲ መደብ ብዙሓት ሃይማኖታት ከምእተቐበለኦን እዚ ኸኣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነቲ ተራኻብያንን ማሕበራውያንን ምዃንና ዝትንክፍ ዘሎ ብምዃኑ ብዘይ ተራኽቦነት ሃይማኖት እውን ንገዛእ ርእሱ ክብሩ እዩ ዘጥፍእ ስለዚ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ክቕበልዎ ንገዛእ ርእሱ ሃይማኖት ዝብል ኣምር ዘተሓሳስቦ ውሳኔ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት ቅልውላው ናይ ሃይማኖታት ግደ እዚ ኸኣ ብመንፈሳዊ ጽፍሒ ክርአይ እንከሎ፡ ከምቲ ኵለን ሃይማኖታት ኣተኮረኤን ኣብ ውሳጣውነት ብምዃኑ ስዒቡ ሰብኣዊ ፍጥረት ይፍተው ይጽላእ ነዚ ንኽነብሮ ዝተገደ ቅልውላው ብዝኣምነሉን ብዝስዕቦምን ሃይማኖታት ይኹን ኣመለኻኽታ ብዘንብረሉ ኣስተውዕሎ ንኽምልከትን ንኽገጥሞን ጸሎትን ምህለላን ንናይ ሓባራዊ ረብሓ ክፉት ዝገብሮን ህልው ኩነት ከርዕዶ ዘይኮነ ተቐቢሉ ንኽገጥሞ ፍኖት ንኸለልይ እዩ፡ እዚ ነቲ ድህረ ኮቭድ ተህዋስ ንዝብል መደብ ክስዕቦም ዝግባኦ መገዲታት የመላኽቶ። ምስትውዓል ምግጣም መዋጽኦ ምልላይ።

እቲ ለብዒ ካብ ዝተኸሰተሉ ዕለት ኣትሒዙ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ተበግሶታት ዘሎ ሓቂ እዩ፡ እቶም ተበግስቶታት ምናልባት ብዙሕ ዓው ዓው ዝብሉ ኣይኮኑን፡ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ከምዘሎ ኮይኑ ብዘይ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ምድራት ምትሕብባር ከምዘሎ ንጹር እዩ፡ እቲ ላዕለዋይ ሰብኣዊ ሕውነት ዝሓልይ ሽማግለ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል ጣይብን ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ “ሰብኣዊ ሕውነት ንሰላምን ናይ ሓባር ናብራን” መሰረት ገይሩ ኣብ ድልያ ሰላምን ምትሕብባርን ተጊሁ ኣብ ምንቕቓሕ ይርከብ ከምዘሎ ብጹዕ ካርዲናል ኣዩሶ ሓቢሮም፥ እቲ ሓደ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እውን እቲ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝጠለቦ ናይ ሓባር መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን፡ ቅዱስ ኣቦና ደጊፎምን ዝተቐበልዎ መደብ እዩ፡ መጻኢና ሕውነታውነትን ሰላምን ናይ ሓባር ናብራን ምዃኑ ዘረጋግጽ መደብ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣዩሶ፥ ዕለት 14 ግንቦት፡ ከም እንኮ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ብሓባር ኣብ ጸሎት
05 May 2020, 14:59