ናይ ኣሕዋት ፍቕሪ ትካል ኣባይቲ ሕክምና ካቶሊካዊ ከምዘይኮነ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ናይ ኣሕዋት ፍቕሪ ትካል ኣባይቲ ሕክምና ካቶሊካዊ ከምዘይኮነ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ 

ናይ ኣሕዋት ፍቕሪ ትካል ኣባይቲ ሕክምና ካቶሊካዊ ከምዘይኮነ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ

ናይ ፍቕሪ ኣሓው ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ረነ ስቶክማን፥ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝብል ኣመለኽኽታን ትግባረን ምስቲ ናይቲ ማሕበር ፍቕሪ ዕላማ ዘይቃደው እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ማሕበሮም ካብተን ኣብ በልጂም ዝርከባ ናይ ስነ ኣእምሮን ናይ ኣእምሮ ግዱዓት ኣባይት ሕክምና ንክፈልይ ክግደድ እዩ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር እቲ ኣብ በልጅም ዝርከብ ብፍሉይ ንስነ ኣእምሮ ህሙማን ክንክን ጥዕና ዘቕርብ ካቶሊካዊ ተቕዋም፡ መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ንዝጥቕዑ ካብ ዝሳቐዩ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ዝብል ናይታ ሃገር መንግስቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ከውዕል ብምዃኑ፡ እዚ ነቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ስለ ዝጻረር፡ ካቶሊካዊት ትካል ዝብል መሰል ኣፍልጦ ክሕከኽ እዩ ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፈን ናይተን ተቕዋማት ኣባይቲ ሕክምና መሰራቲ ማሕበር ኣሃው ፍቕሪ ጠቕላላ ሓለቓ ሓው ረነ ስቶክማ፥ ምስቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ውሳኔ ብምስምማዕ ማሕበሮም ካብቲ ኣብ በልጂም ዝርከብ ናይ ስነ ኣእምሮ ቤት ሕክምና ክፋለይ ምዃኑ ብወግዒ ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ በልጂም ካብ 2002 ዓ.ም. ኣትሒዙ ብሕጊ ዝጸደቐ ነቶም ገና መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ንዝተጠቕዑን ናይ ምሕዋይ ተስፋ የብሎምን ንዝበሃሉ ሕሙማን ካብ ስቓይ ንኽገልጋሉ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ከም ሓደ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ገርካ ምቕራብን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዝብል ሕጊ፥ እቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ዝተመሰረተ ናይ ማሕበር ኣሃው ፍቕሪ ኣባይቲ ሕክምና፥ ኣብቲ ኣብ በልጂም ዝርከብ ናይ ስነ ኣእምሮ ህሙማን መእለዪ ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ኣብ 2017 ዓ.ም. ነቲ ሕጊ ከኽብር ምዃኑ ናይተን ኣባይቲ ሕክምና ጉባኤ ምሕደራ ወሲኑን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እውን’ዚ ንነዊሕ ሰለስተ ዓመት መፍትሒ ክረክቦ ኣብ መንጐ ናይተን ኣባይቲ ሕክምና ጉባኤ ምሕደራን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ዘተ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ መፍትሒ ስለ ዘይተረኽቦ ድማ፥ “ጥልቂ ሓዘን እውን ዝስምዓና እንተኾነ እቶም ኣብ በልጂም ዝርከቡ በቲ ማሕበር ዝተመስረቱ ኣባይቲ ሕክምና ካብ ዕለት 9 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ንደሓር ናይ ካቶሊካዊ ትካብል ናይ ዝብል ናይ መጸውዕ መሰል የብሉን” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ውሳኔ ካብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ከምእተመሓላለፈ ደ ደካሮሊስ ሓቢሮም።

ኣበጋግሳ ናይቲ ውሳኔ

እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዕለት 30 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዘመሕላለፎ ዕለት 9 ግንቦት ወግዓዊ ዝኾነ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ላዳሪያን ዋና ጸሓፊኦም ብጹዕ ኣቡነ ሞራንዲ ክታም ዝተነብሮ ከምዝኾነን፥ እቲ ቤት ህክምና ዝወሰዶ ውሳኔ ምስ ክርስቲያናዊ ራእይ ዛዕባ ህይወት ዝገራጨው ብምዃኑን ነዚ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ውሳኔ ናብቲ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቃ ሓው ረነ ስቶክማን ከምእተመሓላለፈ ዝሓበሩ ደ ካርሊስ ኣስዒቦም፡ “ኣብ ካቶሊካዊ ተቕዋም ሕክምና ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ዝብል ኣመለኻኽታን ተግባርን ከም ክፍሊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ገርካ ምቕራብን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዘይቅብሉ እዩ” ዝብል ሕሳብ ኣብቲ ዝተመሓላለፈ ናይ ውሳኔ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ውሳኔ ናይቲ ማሕበር ኣሃው ፍቕሪ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናብቲ ማሕበር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ቅድሚ ዘመሓላለፎ ውሳኔ እቲ ማሕበር ናብ ልቡ ንኽምለስ ዝተፈላለዩ ናይ ነዊሕ እዋን ርክባትን ዘተን ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ኣብ መንጐ እቲ ተቕዋምን ቅድስቲ መንበርን ነቲ ሽግር “ብቅኑዕ ኤቅለሲያዊ መንፈስ”  መሰረት ዝገበረ መፍትሒ ክረክብ ኣሚቱ ከምእተኻየዱ ኣዘኻኺሩ፡ እቲ ተቕዋም ናይ ሕይወት ክብሩነትን ቅዱስነትን ዝብል መሰረት ሓሳብ ገይሩ ብጽሑፍ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ኣይትግብርን እየ ዝብል ብግልጺ ዝዛረብ መልእክቲ ከቕርብ ተሓቲቱን በንጻሩ እቲ ማሕበርን ኣብቲ ብኣኡ ዝመሓደር ዘገልግሉ ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝነጽጉ ምዃኖም ከምዘፍለጡን እንደገና እውን ሊቀ ጳጳሳት ጃዝን ሀንድሪክስ ብኣካለ ስልጣን ሓዋርያዊ ልኡኽ ክሽምግሉ ድሕሪ ምጽና ዝተበጽሔ ውሳኔ ምዃኑ ደ ካሮሊስ ናይ ኣንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ  ጠቒሶም ይሕብሩ።

ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝብል ኣመለኻኽታን ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርትን

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝብል ኣመለኻኽታ ኣብ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ እዚ ዓይነት አመለኻኽታን ተግባርን ንጹግ ምዃን የነጽሩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ወንጌላዊ ሕይወት ዘርእቱ ዓዋዲ መልእኽቶም “ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝብል ሓሳብን ትግባሬን ናይ እግዚኣብሔር ሕጊ ዝግህስ እዩ” እንክብሉ ይገልጹ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርሑቕ ከይከድና ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ንዘካየዶ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ፥ ብዛዕባ “ሕይወት ዝነጽግን ከም ውዳቅ ወይ ውን ከም ጓሓፍ ዝርእይ ባህሊ” እዚ ከኣ ነቲ ዓለም ዝኽተሎ ሕይወት ስሉጥነት ብዝብል መምዘኒ ዝፈርድ ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቖ ሓሳብ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ጸረ ሕይወት ዝኾነ ኣመለኻኽታ ኮነ ኣገባብ ፈጺሙ ምኽንያታዊ  ክኸውን ኣይክእልን ከምዝበሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር እውን ኣብ መልእኽቱ በቲ መድሃኒት ዘይተረኸበሉ ሕማም ዝተጠቕዔ ካብ ዝሳቀይ ዝቓይ ብዘይብሉ ኣገባብ ሕይወት ንኽትሓልፍ ምግባር ከም ቡቕባቔን ርህራሀን ምምልካት ጌጋን ናይ ሓሶት ርህራሀን እዩ፡ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዘንበረን እዚ ኸኣ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “እውነተይና ርህራሀ ኣብቲ  ናይ ካልእ ስቓይ የተሓባብር እምበር ነቲ ስቓዩ ንዘይጸውር ንምጭፍላቕ ዝድርኽ ኣይኮነን”  ከምዝበለዎ እዩ።

እቲ ዘተ ቀጻሊ እዩ

ማሕበር ኣሓው ፍቕሪ፥ ኣባይቲ ሕክምና ዘይኮኑ በማኢት ዝቑጸር ኣባይቲ ትምህርቲን 15 ናይ የዕጽምቲ ስነ ሕክምናዊ ጽገና ማእከላትን ዘመሓድርን ናይቲ ኣባይቲ ሕክምና ጉባኤ መርሕነት ነቲ ናይ ዓንቀጽ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘቕርቦ ዝነበረ ተደጋጋሚ ጻውዒት ከምዘይተቐበሎን ኣብ መወዳእታ እቲ ካብቲ ቅዱስ ማሕበር ዝተመሓላለፈ ናይ ውሳኔ መልእኽቲ ኣብ በልጂም ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጃሱዣ ንናይ በልጂም ጳጳሳት ዕለት 8 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ከምእተረከበን ናይ በልጂም ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስቲ ቤት ሕክምና ዝካየድ ዘተ ክቕጽል ሓቲቱን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣባይቲ ሕክምናን ሓኻይምን ለብዒ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣገልግሎት ሕክምና ንኢዱ ንሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሕይወት ኣብ ምድሓን ንዘካይድዎ ዘለዎ ጻዕሪ ከምዘመገኑ ደ ካሮሊስ ኣፍሊይጦም።

ሓው ስቶክማን፥ “ኣብይቲ ሕክምና ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ዝብል ኣመለኻኽታ ካብ ዝቕበላ ተቕዋማት ንኽንፈልይ ንግደድ”

ናይ ፍቕሪ ኣሓው ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ረነ ስቶክማን፥ እቲ ዘተ ክቕጽል ድላዮም ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፡ እወታዊ ውጽኢት ክህልው ዝብል ርግጸይናነት ግና ከምዘይብሎም ሓቢሮም፡ ነቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ውሳኔ ዘሕምም እዩ ቢሎም፡ “ንነዊሕ ሰለስተ ዓመት እቲ ጉዳይ መፍትሒ ክረክብ ዝከኣለና ኩሉ ገይርና ኢና” ናይቲ ማሕበር ኣሓው ናይ ኣእምሮ ግዱዓት ኣብ ምክልኻልን ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ ምቕራብ ቀዳማይ ምዃንኑ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ኣብ 1815 ዓ.ም. ዝተበገሰ እውን እዩ ቢሎም፥ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝብል ኣመለኽኽታን ትግባረን ምስቲ ናይቲ ማሕበር ፍቕሪ ዕላማ ዘይቃደው እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ማሕበሮም ካብተን ኣብ በልጂም ዝርከባ ናይ ስነ ኣእምሮን ናይ ኣእምሮ ግዱዓት ኣባይት ሕክምና ንክፈልይ ክግደድ እዩ፡ እተን ኣባይቲ ሕክምና ዝጥቀማሉ ንብረት ናይቲ ማሕበር ስለ ዝኾነ እዚ ስንኩፍ ጉዳይ’ዚ ብቕልጡፍ መፍትሒ ንኽረክብ ምስቶም ናይተን ኣባይቲ ሕክምና ዘመሓድር ሽማግለ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ተስፋ እገብር” ቢሎም ካብተን ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝትግብራ ኣባይቲ ሕክምና ዘለዎ ምትእስሳር ከምዝፈትሕን ምስተን ኣባይቲ ሕክምና ምንም ዓይነት ዝምድና ከምዘይህልዎ ንናይ ማሕበር ኣሃው ፍቕሪ ኣባላት ከምዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ፍራንቸስኮ፥ ብመዓልቲ ዓመታዊ በዓል ኣዴታት ንኣኣተን ይሓስቡ
11 May 2020, 15:32