ድለ

ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ኣባ ኹዋን ኣንቶኒዮ ጒወረሮ ኣልቨስ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ኣባ ኹዋን ኣንቶኒዮ ጒወረሮ ኣልቨስ  

ጒወረሮ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ጸብጻብ ወጻእን ኣታውን ናይ ተልእዀ እዩ

ቤተ ክርስቲያን ዋኒን ወይ ትካል ኣይኮነትን፡ ዕላማኣ መኽሰብ ኣይኮነን፡ ስለዚህ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ኣገልግሎት እያቶም ዝፍጽሙ፡ ከም ኩሉ ኣገልግሎት ከኣ ዝጠልቦ ዋጋ ኣለዎ፡ እቲ ዝጠልቦ ዋጋ ቁጥቡነትን ግልጽነት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ፥ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ቁጠባ ግቡኡ ካብ ምፍጻም ብኹር እዩ ቢልካ ምዝራብ ጌጋ እዩ፡ ትካል ወይ ናይ ኤኮኖሚ ዋኒን ኣይኮነን፡ ስለዚ ብመዕቀኒ ትካላት ድዩ ዋኒናት ቁጠባን ኤኮኖምን ቫቲካን ክትመዝኖ ትኽክል ኣይኮነን፡ ብሓገዝ ምእመናን ዝካየድን ኣብ ዓመት 17 ሚሊዮን ኤውሮ ንኢጣሊያ ግብሪ እውን ዝኸፍልን እዩ፡ ኪደት ቁጠባን ኤኮኖምን እውን ብዝያዳ ግልጺ ክኸውንን ሃብቲ ገንዘብ ናይ ምውፋር ኣሰራርሓ እውን ማእከላውነት ክህልዎ ይስራሕ ከምዘሎ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ብዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ዝሓንጸጽዎ መደብ ሕዳሴ ሓደ እቲ ናይ ሃገር ቫቲካን ኤኮኖሚ ዝምልከት ኮይኑ፡ እዚ ኪደት ቁጠባን ኤኮኖምን ኣብ ግልጽነትን ዘተኮረ እውን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኤኮኖምን ርእሰ ማልን ንብረትን ንስሉጥ ምሕደራ፥ ቁጠባን ኤኮኖምን ሃገረ ቫቲካን ነገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌልን ምዃኑ ዘዘኻኽርን እዩ፡ እዚ ሕዳሴ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ንኽኾኑ ዝጸውዕዎም ኣባ ኹዋን ኣንቶኒዮ ጒወረሮ ኣልቨስ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሉ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅድም ቀዳድም ቃለ መሕትት ንኸካይድ ፈጺሙ ድላይ ከምዘይነበሮምን ሓቢሮም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ብዙሓት ነገራት ስለ ዘለዉ እዩ ቢሎም፡ ቅድሚ ቃለ መሕትት ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕዳሴ መሰረት ገይሮም ብዙሕ ክፍጸሙ ዝግብኦም ነገራት ስለ ዘለዉ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን እቲ ሓዳሴ ዓቢይ ብድሆ ምዃኑን፡ ምእንቲ’ዚ ግልጽነት ዝሓትት ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ከዘኻኽር እፈትው ኢሎም።

ኣባ ጒወረሮ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቁጠባን ኤኮኖምን ኣብ ዘማእከለ ርእሰ ጉዳይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ  ላዕለዎት ኣባይቲ  ጽሕፈት ሓለፍቲ ዘሳተፈ ኣኼባ ተኻይዱ እዩ፡ ህልው ኩነታ ቁጠባን ኤኮኖምን ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካን ኩነጥእጥ እንታይ ይመስል ክትሕብሩና ትኽእሉ ዶ?

ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለምን ሕብረተሰብ ዓለምን ብኽልተ ቅልውላው ምልኩት ኮይኑ ኣሎ፡ ፍሉይ ዝኾነን እቲ ቅልውላው ክሳብ መዓዝ ዝብል ምስ ግዜ ዝተኣሳሰረ ሕቶ ዝጸነሰን ጉዳይ እዩ፡ ፍልዩን ጽንኵርን እዩ . . . ስለዚህ ኣብ ከምዚ ዓይነቱ ኩነተ’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ምርግጋጽን ውሑስ ምግባርን የድሊ። ኣገዳስን ትሑት ኣገዳስነትን ዘለዎም ምልላይ የድሊ፡ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሕደራ ኤኮኖምን ቁጠባን ብኽሳራን ዘይክሳርን ብዝብል መምዘኒ ዝዕቀን ኣይኮነን፡ ኤኮኖምን ተልእኾን ቤተ ክርስትያን ዝተጣመረ ብምዃኑ።

ማለት?

እወ ቤተ ክርስቲያን ዋኒን ወይ ትካል ኣይኮነትን፡ ዕላማኣ መኽሰብ ኣይኮነን፡ ስለዚህ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ኣገልግሎት እያቶም ዝፍጽሙ፡ ከም ኩሉ ኣገልግሎት ከኣ ዝጠልቦ ዋጋ ኣለዎ፡ እቲ ዝጠልቦ ዋጋ ቁጥቡነትን ግልጽነት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ዝካየድ መርሓ ምጽብጻብ ገምጋማትን መኽሰብ ዘይመኽሰብ ንምባል ዘይኮነ ነቲ ተልእኾ ዝምልከት እዩ። ወጻእን ኣታውን ኣብ ኣሃዝ ዘይኮነ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ዘተኮረ እዩ፡ . . . እዚ ቀንዲ መሰረት እዩ፥ ክንዝንግዖ ዘይግብኣና።

ብኣሃዝ ክግለጽ እንከሎ?

ናይ ቅድስቲ መንበር ኣታውን ወጻእን ካብ 2016 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ቀጻሊ ዘይቀያየርን እዩ፡ ኣታዊ ኣስታት 270 ሚሊዮን ኤውሮን እቲ ወጻኢ ከኣ 320 ሚሊዮን ኣዚ እቲ ገምጋም እዩ፡ ኣብ ነፍሲ  ወከፍ ዓመት ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል፡ እቶት ሃገረ ቫቲካን ካብ ሓገዝን ወፈያታትን ካብ ዘለዋ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን እዩ . . . ቤተ መዝክራት ቫቲካንን (ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ ኣብዚ እዋን’ዚ ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ)፡ ወጻኢታቱ ከኣ፡ 45 ሚእታዊ ንሰራሕተይንታት ሃገረ ቫቲካን ካልእ 45 ሚእታዊ ሓፈሻውን ንመሳለጥያ ምሕደራን ዝውዕል፡ እቲ 7,5 ከኣ ቤተ ክርስቲያን ንሓገዝን ደገፍን እትልግሶ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ኣብ መንጐ ኣታውን ወጻእን ዝተራእየ ዘይምምዕርራይ ካብ 60 ክሳብ 70 ሚሊዮን ዝቀያየር እዩ፡ . . .  ክንዝንግዖ ዘይብልና ድሕሪ ዝኾነ ይኹን ኣሃዝ ተልእኾ ቅድስቲ መንበርን ር.ሊ.ጳ. ከምዘሎ እዩ፡ ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾ ምእመናን ዝህብዎ ምጽዋት ንናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ጉድለት ሚዛን ዝሽፍን እዩ ቢልካ ምዝራብ ዓቢይ ጌጋ እዩ፡ እዚ ምጽዋት እዚ ንናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ር.ሊ.ጳ. ተልእኾ ድጋፍ እዩ ዝውዕል፡ . . . እዚ ብዙሕ ፍሉጥ ስለ ዘይኮነ፡ ብኹሉ ንጹር ክኸውን ኩሉ ክፈልጦን ምግባር ናትና ሓልፍነት እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ናይ ተልእዀ ውድን ክትብሉ እንኮለኹም እንታይ ማለት እዩ?

ንኣብነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፍጽምዎ ተልእኾ ብናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ብ 36 ቋንቋታት ብራዲዮን ተለቪዥንን መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መረብትን ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካንን ንምቕራብ ዝሓቶ ወጻኢ ቀሊል ኣይኮነን፡ እዚ ካብቲ ዝስላዕ ሚዛን ገንዘብ 15 ሚእታዊ ይስሕብ፡ ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ልዕሊ 500 ሰባት እዮም ዝዓዩ፡ እቲ ካልእ 10 ሚእታዊ ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍጥረትን ናጽነትን መሰላትን ክብረትን ዝሕለቑን ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣገልግሎት ዝውዕል እዩ፡ ትሑታት ልኡካነ ወንጌል እያቶም፡ እቲ ካልእ ዓሰርተ ሚእታዊ ናይ ምስራቕ ስርዓት ንዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን እቲ ሸሞንተ ነጥቢ ሓሙሽተ ኸኣ ብዝሕ እዋን ንዝሳደዱን ኣብ ጸኣት ንዝከቡን ኣብቲ ድኽነት ኣዚዩ ኣብ ዝረኣየሉን ከባቢ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያንን ህዝበንን ብናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣቢሉ ዝስላዕን ነቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሃብቲ ዝኾነ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዛግብት ቤተ መጻሕፍትን መዐቐብን እቲ ዘለዎ ባህላውን መንፈሳውን ንብረት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ንኽመስሓላለፍ መታን ዘድሊ ክንክንን መሳለጥን ካልእ ሽዱሽተ ሚእታዊ እዚ ከኣ ብመጠን ጥረ ገንዘብ 17 ሚሊዮን ዝግመት ንኢጣሊያ ዝኽፈፍል ግብሪ ምዃን ኣብሪሆም። ከምዚ እናበልካ ዝግለጽ ወጻኢታት እዩ . . . ።

እዚ ቅድሚ ክስተት ለብዒ ኮቪድ - 19 እዩ፥ ድሕሪ ክስተት ኮቪድ ከ? . . . ተስፋውን ዘይትስፉን ዝብል፥ ሕጽር ኣቢልኩም ከተብርሁልና ዶ?

ብርግጽ ኣብ ዝገበርናዮ ገለ ገለ ውጥናት እቲ ተስፋዊ እቶት ብ 25 ሚእታዊ ክጎድል ዝብል እዩ እቲ ዘይትስፍው ከኣ 45 ሚእታዊ ክኸውን ይኽልእ ዝብል እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መሳለጢ ግብረ ሰናይ ዝውዕል ካብ ምእመናንን ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያ ዝወሃብ ምጽዋት ክሳብ ክንደይ ክቕንስ ይኽእል ገና ገምጋም ኣይተገብረን ኣሎ . . .

ካብ እቶት እቲ ወጻኢ ከየምዘን ወጻኢ ንምንካይ ብዙሕ ፍጻሜታት ይካየድ ኣሎ፡ ቫቲካን ካብቲ ዘካርዮም ኣባይቲ ዝረኽቦ እቶት ነኪዩ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብዙሓት ዘለዎም ወጻኢታት ግምት ብምሃብ ዝኸፍልዎ ገዛ ክራይ ሕድገታት ተገይሩ ኣሎ፡ ስለዚ እዚ ኹሉ ኣብቲ  እቶት ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ፡ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ኣቲ ትስፍዉን ዘይትስፍውን ብኽፋሉ ካባና እውን እዩ . . .  እቶት እንተድኣ ዘየለ ብርግጽ ስሕወት ቁጠባ ከምዝህሉ ርጉጽ እዩ . . .

ኣባ ጒወረሮ፥ ገሊኣቶም ሃገረ ቫቲካን ወጻኢታቱ ክሽፍን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወዲቑ እዩ ስለዚህ ከም ሃገር ናይ ኤኮኖሚ ክስራን ከጋጥሞ እዩ እንክብሉ ይጽሕፉ ብሓቂ ንስኹም እንታይ ትብሉ?

ዘይከውን እዩ፡ ቫቲካን ከም ሃገር ዘስግኦ ክስራ ብፍጹም የሎን፡ ብርግጽ ኣብ ቅድመና ጽንኩር ዓመታት እዩ ተዓሪዱና ዘሎ ስለዚህ ነቲ ቅልውላው ንምግጣም ስንድዋት ምዃን የድሊ፡ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾኣ እተሳልጥ ካብ  ሕዝቢ ብዝወሃባ ምጽዋት እዩ፡ . . . ከም ኣቦን ኣደን ስድራ እቲ ዝወሃበና ምጽዋቲ ብግቡእ ምምሕዳር ናትና ዓቢይ ሓላፍነት እዩ፡ ቁጥባትን ግልጽን ምዃን የድሊ . . .  ኣብዚ ጽንኩር እዋን ደሞዝ ናይ ሰራሕተይናታትን ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ዜጋታት ምድጋፍን ብፍላይ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣባይቲ ስድራን . . .  እዚ ኣካል ናይቲ ተልእኾ እዩ፡ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምድጋፍ ስንድዋት እያቶም ይትግብርዎ እውን፡ ኣብ ናይ ሕዝብን ምእመናንን ልግሲ ውሱናት ኢና፡ ስለዚህ ግልጽነት ወሳኒ እዩ፡ ግልጺ ጸብጻብ ምቕርብ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምእቲ ኩሉ ሳዕ ዝግበር።

ኣብዚ እዋን ለብዒ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘሎ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ኩነት ልክዕ ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ዝተፈልየ ኣይኰነን፡ ብጭብጥ ነዚ ኩነት’ዚ ብኸመይ ንኽትገጥምዎ ትሓስቡ?

ናይ ሃገረ ቫቲካን ካብ ናይ ካልኦት ሃገር ዝተፈለየ ከምዘይኮነ ርጉጽ እዩ፡ ሓቂ እዩ ቫቲካን ናይ ባጤራ ፖለቲካን ናይ ምምሕዳር ምወላ ሃብቲ ገንዘብ ፖለቲካን የብላን፡ ግምትና ኣብ መጽዋትን ገበርቲ ሰናይን ኣብቲ ውሑድ ዝኾነ ንብረትን ዝተመሰረተ እዩ፡ ወጻእታት ኣብ ምንካይን ቁጥብነት ብዙሕ ምትጋህ የድሊ ፡ ብዙሓት ከምዝዛረብዎን ወይ ውን ከምዝሓስብዎ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ልዑል ናይ ደሞዝ ክፍሊት ዝበሃል የሎን።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ቫቲካን ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት ዘመሓድር ላዕለዋይ ቤት ጽሐትን ቤት ምኽሪ ጉዳይ ኤኮኖምን ናይ ሃገረ ቫቲካን ምሕደራን ንናይ ኣህዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበርን እቲ ክሕደስ ዘለዎን ዕርያ ዘድልዮን ንምልላይን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ብሓባር ይዓዩ ከምዘለዉ ሓቢሮም፡ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ተልእኾኡ ግምት ብምሃብ ወጻኢታቱ ንኽንክይ ሓቲትና ኣሎና`

ናይ ኢኮኖሚ ዝቕባበን ኪሳራን መዋቕራዊ ጉዳይ እዩ፡ ስለዚህ ሃብቲ ገንዘብ ናይ ምውፋር ኪደትን ናይ ሰራሕተይናታት ጉዳይን ብግቡእ ምምሕዳርን ዝፍጸሙ ናይ ስራሕ ውዕላትን ብግብእ ምምሕዳር ወሳኒ እዩ፡ ናይ ስራሕ ውዕላት ዝምልከት ስርዓተ ደንቢ ኣብ ምሕንጻጽ ንርከብ ኣሎና፡ እዚ ኸኣ ንምቑጣብን ወጻኢ ንምንካይን ዝሕግዝ እዩ፡ መላእ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ  ምኽርን ዘስምር ኣሰራርሓ ክህሉን ናይ ወጻእታት ጉዳይ ምእኩልን ኣሰራርሓን ምቁጽጻር ርእሰ ምምሕዳር ከኣ ክህሉን ጸዋዕታ ምስ ሞያዊ ብቕዓት ዝጣመር ክኸውን ግድን ከም ሃገር።

ሃብቲ ገንዘብ ናይ ምውፋር ጉዳይ ዝምልከት ኣሰራርሓ ዝተማእከለ ክኸውን እዩ ኢልኩም፡ እዚ መዓስን ብኸመይን እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል?

ነዝ ጉዳይ’ዚ ዘጽንዕ ፍልዩ ናይ ስራሕ ጉጅለ ቆይሙ ኣሎ፡ ገለ ቁሩብ ኣዋርሕ ከድልዮ እዩ፡ እቲ ሸቶ ማእከላውነት ዝብል ጥራሕ ዘይኮነ ሙያዊ ብቕዓት እውን ዝምልከት እዩ፡ ስለዚህ  ብዘይ ምስሕሓብ ብስነ ምግባራዊ ቀጥዕታት ዝምራሕ እዩ፡ ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር ኣብ ስነ ምግባር ክጸንዕ ዝብል ጥራሕ ዘይኮነ ፍልይ ዝበለ ኤኮኖሚያውን ኩለንተናዊ መሓድሮን ዘላቕነትን ዝብል ራእይ እውን ዘድልዮ እዩ።

ምስቲ ዘሎ ዋሕዲ እቶት ቅድስቲ መንበር እተቕርቦ ኣገልግሎትን ናይ ሰራሕተይናታታ ደሞዝን ከመይ ገይራ እያ ውሑስ እትገብሮ?

ንሕና ሓደ ዓቢ ሓያል ሃገር ኣይኮናን፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ ዘሎ ጸገም ክካትዓን ከመያየጣን ትርእይ፥ ስለዚ ካብኡ ተበጊስካ ገዛእ ርእስና ንገምት፡ ትሑታት ምዃንን ውሑድ ሃብቲ ዘለዋን ብናይ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ እትመሓደር ስድራ ቤት ኢና፡ ብዘሎና ብቕዓት እቲ ዘሎና ብጉብእ ብምምሕዳር ክንብድሆ ኢና፡ ብሓገዝ እግዚኣብሔርን ምእመናንን መላእ ቤተ ክርስቲያን ብኸምዚ እያ ዝጸንዔት።

ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ካብ ዘሎ ሓቂ ካብ ምክፋልን እቲ ዝበለጸ ክንገብሮ እንኽእል ትግሃትን ጽንዓትን ግልጽነትን እዩ፡ ናይ 2021 ዓ.ም. ሚዛን ገንዘብ ኣብ ዘሮ መሰረት ኢና እነቑሞ፡ ካብቲ ኣዚዩ ኣገዳስን መሰረታውን ካብ ዝብል ዝብገስን ዝውሰንን።

ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ መወዳእታ ዓመት ዝተራእየ ገና ዝጻረይ ዘሎ ብዛዕባ ዝተዋፈረ ሃብቲ ገንዘብ ዝምልከት ዝቐርበ ዜና መዋዕል ናይ ምእመናን ተኣማንነት ብኽመይ እዩ ክብ ንምባል ዝከኣል?

ተኣምንነት እተጥርዮ ብጽንዓትን ግልጽነትን ብቑጥብነትን እዩ፡ ዝሓለፉ ጌጋታት ብትሕትና ብምቕባልን ብምትእማንን ተመሳሳሊ ጌጋታት ክይፍጸም መታን፡ እምነት ከተሕድረሎም ንዘይግብኣካ ሰባት ሓላፍነት ምሃብ ብዙሕ ግዜ ንኹላትና ዘጋጥም ጌጋ እዩ፡ በዚ ወትሩ ተኣፋፍያን ኢና፡ ልዑል ግልጽነትን ትሑት ምስጢርን ጌጋታት ምስ ዝህሉ ጌጋ ምፍጻም ከቢድ እዩ ዝኸውን፡ ምእንቲ’ዚ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ምውፋር ዝዓዪ ዝለዓለ ብቕዓትን ናይ ረብሓ ምግርጫው ዘይብሎም ንኸይንጋገይ - ክሳብ ዝከኣል ዝሕግዝ ጽኑዕ ሽማግለ ክቐውም እዩ ኢሎም።

መዓዝ እዩ ወግዓዊ ናይ ኣታውን ወጻእን ጸብጻብ ሰነድ ዝቐርብ?

ገንዘብ ከመይ ከእንጥቀመሉ ብዘዕግብ ዘረድእ ናይ ጸብጻ ሰነድ ኣብዚ ዘለናሉ ዓመት ውሽጢ ንምቕራብ እንተዝከኣል ክንደይ ባህ ምበለኒ፡ ንሰናይ መዓላን ነገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዝወጽእ ምዃኑ ንምሕባር፡ ብብቕዓትን ብግቡእን ንምቕራብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘሎ ዝራእኽዎ ጭቡጥ ኵነት ተኣማንነት ከወሃቦ ዝግብኦ እዩ፡ እዚ ብዙሕ ዘይፈለጡን ብዙሕ ብዘይርእዮ ብዘይፍሉጥ ዘረእይዎ ህርኩት ጻዕርን ለጋስነት ንቕድሚ ዘብል ዘሎ ምሉእ ናይ ተልእኾ ጽባቔ እዩ።

እዚ “ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ሚኒስተር” ዝብል ሓላፍነት ክትቐብሉን ከተመሓድርዎን እንታይ ይስምዓኩም? ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ለይቲ ድቃስ ወሲድኩም ከተዕርፉ ትኽእሉ ዶ?

ናይ ድቃስ ጸገም የብለይ፡ ጽቡቕ እየ ዝድቅስ እውን፡ ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ድቃስ ዘኸልኣኒ ጸገም ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን፡ ኣብቲ ናይ ሕይወት ጐይታ እምነት ኣሎኒ፡ ሕይወት ወትሩ መንገዲ ዘርህው ምዃኑ እኣምን እየ፡ ናይ ኩሪያ ሮማና ሚስትራንን ሚኒስተር ዝብል መጸውዕ የስሕቐኒ፡ ናይ ኤኮኖሚ ሚኒስተር ኮይነ ኣይስምዓንን፡ ኢየሱሳውን ካህንን ንቤተ ክርስቲያን ዘገልግል ከምዘለኹ እዩ ዝስምዓኒ፡ ምስ ተሓባበርተይ ብምዃን ንቅዱስ ኣቦናን ንቕድስቲ መንበር ምድጋፍ ዝብል ዓቢይ ጥንቃቔ ዝሓትት ሓላፍነትን ክኸውን ይኽእል፡ ዕማም እዩ፡ ኣብ ጉዕዞ እየ፡ ከም ጋንታ ኮይንና ኢና እንዓዪ፡ ምኽሪ እቕበልን እመሃር እውን፡ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ሃሰስብ እብል፡ ዕርያ ብሓደ መዓልቲ ዝኽወን ኣይኮነን ካብ ቅዱስ ኣቦና ጀሚርካን ብኩርያ ሮማናን ጽቡቕ ኣቀባብላ እየ ዝረኸብኩ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዙሓት ብቕዓት ዘለዎም ሙያዊ ክብረት ዘለዎም ኣለዉ፡ ብሓባር ንጓዕዝ፡ ግልጽነትን ቁጡብነትን ዓቕልን ንጡፍነትን ኣብቲ ተልእኾ ኣብ ዝብል ዕዮ ተጸሚድና ንርከብ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ጒወረሮ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ጸብጻብ ወጻእን ኣታውን ናይ ተልእዀ እዩ

 

14 May 2020, 16:25