ድለ

2020.05.27 - ባሕታዊ ብፁዕ ኣባ ሻርል ደ ፉኮል ኣብ ትዋረግ 2020.05.27 - ባሕታዊ ብፁዕ ኣባ ሻርል ደ ፉኮል ኣብ ትዋረግ 

ብዓለምለኻዊ ሓው ዝፍለጡ ኣባ ሻርል ደ ፉኮል ዝርከብዎም ሓደስቲ ቅዱሳን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን!

ብዕለት 27 ግንቦት 2020 ዓም ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብቶም ንቡር ሥራሖም ቀስ ብቀስ ዝጅምሩ ዘለው ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስት መንበር ንቅዱሳን ናይ እትሓሊ ማሕበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል በቹ ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦምስ ሠለስተ ሓደስቲ ብፁዓን ናብ ደረጃ ቅድስና ክብ ከምዝብሉን ብዙሓት ሰማዕታት ዝርከብዎም ሓደስቲ ብፁዓን ከምዝእወጁን ተገሊጹ። ኣብ መንጎ እዞም ሓደስቲ ቅዱሳን ንናይ ሎሚ ወለዶ ክርስትና ሕይወት ወንጌልን ጸሎትን ኣብነት ዝኾኑ ኣባ ሻርል ደ ፉኮል እውን ከምዝርከቡ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን

ከም ልሙድ ሕይወት ቅድስና ኣብ ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያንን ብዝነብሩን ኣብኡ ናይ ጸሎትን ተጋድሎን ሕይወት ዘሕልፉ ዝተዓደሎም መስቀል ከከም ገጹን ኩነታቱን ተሰኪሞም ናብ ዓወት ዝበጽሑ ገርና ንወስዶ። እንተኾነ ናይ ግዜኡ ሰባትስ ይኹኑ ቤተክርስትያን እውን ንባዕላ ከይተረደኣቶም ትርጉም ዘይብሉ ሕይወት ዝመስሉ ዝነበሩ ቀስ ብቀስ ቅድስናኦም ይግለጽ። ሓደ ካብዚኦም ብብዙሕ ውረድ ደይብ ክዕወቱ ዝኸኣሉ ኣብ ግዜኦም ብዙሕ ዘይተረድኦም ቀስ ብቀስ ግን ሕይወቶም ኣብነቶም ትምህርቶም ገድሎም ዓቢይ ኣብነት ክኸውን ዝኸኣለ ብ1858 ኣብ እስትራስበርግ ዝበሃል ከተማ ፈረንሳ ዝተወልዱ ብዝተፈላለየ ሕልኽላኻት ሕይወት ዝሰገሩ ንረክብ። ናይዞም ናይ ሎሚ ብፁዕ ናይ ጽባሕ ቅዱስ ቀዳማት ሰላሳ ዓመታት ብብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ሓጐስ ዝዓብለሎ መንነቱ ከርኢ ዝቃለስ ብርቱዕ ወታሃደር ኰይኑ ኣብ ቅድመ ግንባራት ብዙሕ ጅግንነት ዘርኣየን መዝነት ዝተቀበለን ኣብ መንጎ ኣልጀርያን ሞሮኮን ብዙሕ ዳህሳሳት ዘካየደ ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንከሎ ኣብ ሻውላት እምነት ዝነብሩ ዓቢ ፍቅሪ ክርስቶስ ዘለዎም ይምልከት። በዚ ተተንኪፉ ‘ኦ እግዚአብሔር ብሓቂ እንተደኣ ሃሊኻ ከምዝፈልጠካ ግበር` ክብል ኣበርቲዑ ይጽሊ። እዚ ዝኾነሉ ጽቡቅ ዕድል ናይ ትምህርቲ እኳ እንተረኸበ ብዝተፈላለየ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ተጸልዩ ክሳብ ካብ ቤትትምህርቲ ኢየሱሳውያን ዝስጐጒ ምስ ኮነ እዩ። ሕጽር ብዝበለ ንኩሉ ጠንጢኑ ምስ ሠራዊት ፈረንሳይ ይጽመድ ክሳብ ሓለፊ ፈረሰኛ የገልግል ይገድፎ ኣብ ዳህሰሳን ጆግራፍን ይዝምብል ብዙሕ ይሰርሕ። ንኩሉ ገዲፉ ካቶሊካዊ ካህን ይኸውን ኣብ መወዳእታ ብሕትውና ይመርጽ ኣብ ትዋረግ ዝበሃል ናይ ኣልጀርያ ሳሃራ ምድረበዳ ብብሕትውና እንክነብር ብ1916 ይቅተል። ከም ሰማዕት እውን ይሕሰብ። ትምህርቱን ጽሑፋቱን ንብዙሓት ብምስሓቡ ናኣሽቱ ኣሕዋት ኢየሱስ ዝበሃል ማሕበ ንክቀውም ይሕግዝ። ብ24 ሚያዝያ 2001 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ መገልገል ኣምላኽ ይብልዎ ብ13 ሕዳር 2005 ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ብፁዕ ኢሎሞ።

ወዲ ሽድሽተ ዓመት እንከሎ ዝኽትምና ዝገጠሞ ኣባ ሻርል ደ ፉኮል ወተሃደራዊ ትምህርትስ ይኹን ናይ ቤተክህነት ትምህርቲ ክመሃር ዕድል ረኺቡ። ክሳብ 1888 ብዙሕ ተጓዒዙ ጽሑፉ። ብ1890 ግን በታ ‘ኦ ኣምላኸይ ብሓቂ እንተደኣ ሃሊኻ ከምዝፈልጠካ ግበር` ዝበላ ልመና ተሰሚዓ ትራፒስት ምስ ዝበሃሉ ክፍሊ ማሕበር ሲታውያን ነቲ ገድፍዎ ዝነበረ እምነት ክትልኽና ይምለሶ ብዝበለጸ ሱር ነቀል ዝኾነ መንፈስ ድኽነት ንምልባስ ክሳብ ሶርያ ይኸድ ኣብ ሃገረ ፍልስጥኤም እውን ንውሕ ዝበለ ግዜ ይገብር ንመንፈሳውነቱ ዝሃነጸሉ ኣስተንትኖታቱ እውን ይጽሕፍ። ብ1901 ክህነት ይቅበል ምስ ትዋረግ ብብሕትውና ክነብር ብኣብነት እምበር ብቃል ከይሰብኽ ምስ ገዛእ ርእሱ ቃል ኣትዩ ኣብ መንጎ ሕዝቢ ትዋረግ ን12 ዓመት ቋንቋኦምን ባህሎምን ኣጽኒዑ መዝገበ ቃላት ትዋረግን ፈረሳን ደሪሱ ብብሕቱውና እናነበረ ገለ ዝውሰዅዎ እኳ እንተደለየ ዝስዕቦ ኣይረኸበን ብዕለት 1 ታሕሳስ 1916 ዓም ኣብ ጎጆ ብሕትውናኡ ተቀቲሉ።

በይኑ ኣብ ምድረበዳ!

እታ ብሓቂ እንተደኣ ኣሊኻ ከም ዝፈልጠካ ግበር ትብል ጸሎቱ ንእግዚአብሔር ክንዮ እቶም ንመዋዕሎም ምሉእ ዝተማሕጸንዎ ኣፍሊጣቶ። ብፍቅሩ ኪዓብድ ይደሊ። ኣብቲ ጽሑፋቱ ከምዝበሎ ንጐይታ ሓንሳእ ምስ ረኸብኵዎ ንዓዑ እንተዘይኮይኑ ንካልእ ክነብር ከምዝክእል ተገንዚበ ይብል። ናብ ቅድስት ሃገር ከይዱ ንኩሉ እቲ ጐይታ ዝረገጾን ዝነበሮን በብሓደ ይበጽሖ ምስ ተራፒስት ዝበሃሉ ዕጽዋት ማሕበር የስተንትን ክህነት ምስ ተቀበለ ከኣ ብኡ ንብኡ ኣብ ምድረበዳ ይኸይድ። ከም ምልክት ከኣ ልቢ ዘለዋ ስእሊ ኣብ ማእከላ መስቀል ኣሊሙ ኣብ ልዕሊ ኣፍልቢ ቀሚሹ ይገብር ዝስዕብዎ ይደሊ ግን ኣይረኸበን። ኣብታ ናይ ብሕትውና ቦታኡ ንዝመጹ ክርስትያን ይኹኑ ኣስላም ዕብራውያን ይኹን ኣረሜን ተቀቢሉ ዓቢ ሕውነት መሃረ።

እታ ንእሽቶ ሥድራቤት!

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተመልከተ ቅዲ ብሕትውና ኣብ ትዋረግ ናይ ታማንራሰት ን13 ዓመት ነበረ። ኣብ መዓልቲ 11 ሰዓት ይጽሊ። ኣብ ምሥጢረ ቊርባን ይጠልቅ ነበረ። ነቲ ኣብ መንበረ ታቦት ዘሎ ቅዱስ ቊርባን ዝዓበየ መዝገብ እዩ እናበለ ይዛረብ ስለዝነበረ ገሊኦም እዚ መዝገብ እዚ ብዙሕ ወርቅን ንብረትን ዝሓዘ ክከውን ኣለዎ ብዝብል ህርፋን ከኣ ባሕቲ ታሕሳስ 1916 ቀተልዎ። ቅድስና ሕይወቱ ናብ ኩሉ ተዘርገሔ። ንሱ ብሕይወቱ እንከሎ ክምስርቶ ዝሓሰበ ሥድራቤት ብድሕሪኡ ይምስረት። ንእሽቶ ሥድራቤት እውን ይበሃሉ። እዚኦም እልቢ ዘይብሎም ማሕበራት ምእመናንን ገዳማትን ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ዓለም ምሉእ ተዘርጊሖም ነቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ይምስክሩ። ር.ሊጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2016 መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ ሞቱ ኣብ ዝገበረሉ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ‘ንቤተክርስትያን ዘሕወየ ምስክርነት ዝሃበ’ ሰብ እንክብሉ እቲ ጽሑፋቱን ኣብነቱን ክሳብ ክንደይ ሃናጺ ከምዝኾነ ገሊጾም ነበረኡ።

ምስ ኣባ ሻርል ደ ፉኮል ቅድስናኦም ዝእወጅ መሥራቲ ኣበው ትምህርተ ክርስትና ካብ 1544 ክሳብ 1607 ዝነበረ ፈረንሳዊ ሰሳር ደ ቡ ከምኡ እውን ኢጣልያዊት ብፅዕት ማርያ ዶመኒካ ማንቶቫኒ ምዃኖም ምስ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
29 May 2020, 12:58