ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝን ዕለት 20 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝን ዕለት 20 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. 

ጉተረዝ፥ እዋናዊ ዓውሎማዊ ስግኣት ሓድሽ ምትሕብባር ይጠለብ

ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ኣብ ምንቕቓሕ ኪደት ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዓቢይ ግደ ኣለዎም፡ . . . ዘይጐነጻዊ ቃልስን ሰላምን ጽልእ መጻእተይናታትን ዓሌታውነትን ከይህሉ፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይምቅብባል ንኽውገድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ኣለዎም፡ ናይ ሰላም ባህሊ ከተባብዑን ከነቓቕሑን . . .

ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ምስ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየድዎ ፍሉይ ቃለ መሕትት፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዓለም ለኻዊ ስኒትን ምትሕብባርን ኣብ ዝጠልበሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ውግእን ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጥልቂ ደጊፎም ከምዘቃልሕዎን ዘኪሮም ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድጋፍን ምትሕብባርን ዓሚይቕ ኣፍልጦ ይህቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - እንድረያ ሞንዳ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናይ መጠንቐቕታ ደወል እዩ! እቲ ዓለም ለኻዊ ስግኣት ሓድሽ ዓይነት ስምረትን ምትሕብባርን ዝጠልብ እውን እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ሞንዳ (ኣንድረያ ሞንዳ) ንዘቕረቡሎም ዕድመ ንቃለ መሕትት ተቐቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክከውን እንከሎ፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ብለብዒ ዝተጠቕዓ ዓለም ጻውዒት ሰላም ኣቕሪብኩም፡ እዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺብኩም ብሓባር ኣብ ዝፈነውኵሞዎ ናይ ሓባር ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዓለም ዝኾነ ዓይነት ኩሉ ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ይዝከር፡ ንስኹም እውን ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ናይቲ ለብዒ ነድሪ ውግእ ጽላለ ምዃኑ የመላኽት፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ተበጻሕን ትግቡርን ንኸይከውን ዝዕንቀጽ እንታይ እዩ ትብሉ?

ቅድም ቀዳድም ቅዱስነቶም ኣብ ዓለም ወግእ ደው ንኽብል ንዘቕረብክዎ ጻውዒት ዘቕረብዎ ድጋፍን ናቶም ገይሮም ስለ ዘቃልሕዎን ብዘለዎም ተምሳጥን ዘቕርብዎ ዕድመ ንሓድነትን ነቲ ናይቲ ውድብ ናይ ሕዝብታት ዓለም ሰብኣዊ ስቓይን ሰብኣዊ ክብሪ ምንቕቓሕን ንዝብል መርሓ ዕዮኡ ብትኽክል ዘነጽር እዩ።

ኣብ ዓለም ዝረአዩ ውግኣትን ምስሕሓባትን ኩሉ ደው ክብል ጻውዒት ከቕርብ እንከሎኹ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ዝኾነ ኮቪድ - 19 ብሓባር ንምብዳህ ክንክእል ንምሕባር እዩ።

እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ክሳብ ሕጂ ካብ 115 ሃገራት እወታዊ መልሲ ከምዝረኸበን፡ ልዕሊ 200 ዝግመቱ ውድባትን ናይ ዞባታት በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ተቐቢሎም ኣቃሊሖምዎ እያቶም። 16 ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት እውን ጐነጽ ደው ንምባል ተጊሆም እዮም፡ ብብዙሓት ሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት እውን ነቲ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ጎስጓስ ክታትሞም ብምንባር ደገፎም ገሊጾም እያቶም፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ምቕባሉን ምትግባሩን ዓቢይ ጋግ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ዘይምትእምማን ስለ ዘሎ እዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ልኡካንን ፍሉይ ልኡካንን ናይቲ ውድብ እቲ ጻውዒት ንኽትግበር ዘይሕለል ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ . . . ።

ዘቤታዊ ውግእ እውን ደው ክብል ብሓፈሻኡ ውግእ ዝበሃል ኩሉ ደው ክብልን እቲ ኣዚዩ ዘሰፍክፍ ኣብ ኣባይቲ ኣብ ልዕሊ ደቀ ንስትዮን ዝፍጸም ዓመጽ እውን ክግታእ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከምዘስመሩሉ ይሕብሩ። መንግስታት ኣብ ልዕሊ ደቀ ንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ደው ክብል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተጊሆም ክዓዩን ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ዓበይትን ነኣሽቱን ደቀ ንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ናይ ክብርን መሰልን ማዕርነት መሰረት ንኽረጋገጽን ነቲ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰል ዓመጽ ክዅንኑ ዝብል ጻውዒት ዘጠቓለለ እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ቅድሚ ቁሩብ እዋን ክስተት እቲ ለብዒ፡ ፍርሒ ብቐሊሉ ዝሽየጥ ዓይነት እዩ ቢልኩም ገሊጽኩም ኔርኩም፡ ኣብዚ ኣዋን እዚ ብቐሊሉ ፍርሒ ንንግድ ዝቐርብ ኣቕሓ ገርካ ናይ ምጥቃም ሃዋሁ ይረአይ ዘሎ ይመስል፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ብኸመይ ክግጠም ኣለዎ ትብሉ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሰባት ዝረአይን ዝሰፍሕን ዘሎ ፍርሒ?

እቲ ለብዒ ንኽንክን ጥዕና ዝምልከት ሕጹጽ እዋን ሓደጋ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙናት ናይ ውዲት ህልዮታትን ጽልእ ጓኖትን ጽልእ መጻእተይናታትን ተራእዩ እዩ ይረአይ እውን ኣሎ፡ ንጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓለቕትን ዕዮታቶም ስለ ዝፍፈጸሙ ጥራሕ ንብዙሕ መጥቓዕቲ ተቓሊዖም እዮም። . . . እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብኹለ መዳይ ንምብዳህ ናይ ኩሉ ምትሕብባር ዝሓትት ምዃኑ ከም ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንሕብረተሰብ ዓለም ከከም ሓላፍነቱን ጻውዒት ኣቕሪብናን ነእቕርብን . . .

ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ኣብ ምንቕቓሕ ኪደት ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዓቢይ ግደ ኣለዎም፡ . . .  ዘይጐነጻዊ ቃልስን ሰላምን ጽልእ መጻእተይናታትን ዓሌታውነትን ከይህሉ፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይምቅብባል ንኽውገድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ኣለዎም፡ ናይ ሰላም ባህሊ ከተባብዑን ከነቓቕሑን . . .

ፍርሒ ዘወዓውን ዘበራትዑን ናይ ሓሶት ዜናታት ዝኣመሰሉ ኣብ ቀረባ እዋን ኩኑን ዝበልክምዎ እዩ፥ መዳኸርን ኣደናጋርን ናይ ኢሓበሬታ ዝኾነ ሓሶት ሓበሬታን ናጽነትን መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከይዓፈንካ ብኸምይ ክትዋግኦም ይከኣል ትብሉ?

ሰብ ክሕበርን ምኽሪ ክረክብን ዝውከሶም ነገራት ዘድልዮ ክነሱ፡ ለብዒ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምግጣም ይርከብ ኣሎ . . . ኣብዚ ግጥም እዚ እንተገደደ ሓደጋ ሞት እውን ከጋጥም ይኽእል፡ ከም ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጎስጓስ ንጹርን ዝተጻረየን ሓበሬታ ክነቓቓሕ ከምዝገበሩ ገሊጾም፡ ንሕዝብ ኣብዚ ካብ ቅልውላው ንዳግመ ትንስኤ ኣብ እነብለሉ ዘሎና እዋን መፍትሒ ዘመላኽትን ምትሕብባር ዘተባብዕን ኣብ ሓቅን ጭቡጥን ዝቖመ ሓበሬታ ምቕራብ እቲ ዝዓበየ ምፍትሒ እዩ።

መራሕቲ ሃይማኖት እውን ብስርዓትቶምን በቲ ዘለዎም ናይ ምርኻብ ብቕዓቶም ኣቢሎም ዓለም ሓቆፍ ተቕዋም ክንክን ጥዕና ብዘቕርቦ ማዕቅናት መንግስታት ማሕበራዊ ክንክን ጥዕና ከነቓቕሑን . . .  ኣገዳሲ እዩ፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስቲ በዳሂ ኩነት ዝተተሓሓዙ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋኒን ዝኾነ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና ዝፍነው ዘሎ ነቐፌት ብዙሕ እዩ፡ ናትኩም ፍርዲ እንታይ ይመስል?

ብምኽንያት ኾሮና ተህዋስ ብሞት ስለ ዝተፈለዩና ኣብ እንነብዕሉ ዘለናሉ እዋን፡ በዚ ሕማም’ዚ ምኽንያት ገና ብዙሓት እውን ክንስእን ንኸውን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ነቲ ለብዒ ንምግጣም ብቑዕ መሳርዕ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ዓለም፡ እቲ ለብዒ ብኸመይ ተበጊሱን ኣበይ በጺሑን ንዝብል ሕቶ ዓለም ሓቆፍ መልሲ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሕጹጽ ኣገዳሲ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና ዝርከብዎም ምስ ኵለን ኣብ ውሽጡ ብዘጠቓልለን ውድባት ኣቢሉ ሕይወት ኣብ ምድሓን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምስ ግዜ እዩ ዝቀዳደም ዘሎ።

ምስተን ኣብ ምዕባለ ጐደና ዝርከባ ሃገራት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዝከኣል ክብድሃ መታን ዘድሊ መሳለጥያ ኣብ ምቕራብ ብቑዕን ግቡእን ምትሕብባር ዘይምህላዉ የተሓሳስበኒ። ከም ማሕበረሰብ ዓለም ሓቆፍ ዝከኣል ኩሉ ንገብር ኣሎና፡ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ነገልግሎት ክንክን ጥዕና ውሕስነትን መግብን ካልኦት መደብ ልምዓትን ዕላማ መሳለጢ ክውዕል ምዃኑ እውን ብወገነይ ከረጋግጽ እፈቱ ይብሉ።

. . . ንናይ ኮቪድ 19 መርመራን ካልኦት ተመሳሳሊ ናይ ክንክን ጥዕና መሳለጥን ነተን ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ዝርከባ ሃገራት ንምቕራብ ናይ ደገፍን ምትሕብባርን መደብ ድሮ ተንቀሳቑሱ ኣሎ . . . ብጠቕላላ ብዛዕባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህልው ኩነታት ምኽርታትን ሓሳባትን ብቕዓት ፓለቲካን ትንታነን ዝቐርበሉ ንመላእ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድባት ኣብ ጸረ ኮቪድ - 19 መደባት ዘዋህድ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ፥ https://www.un.org/en/coronavirus/un-secretary-general ዝብል መረብታዊ ኣድራሻ ምቛሙ እውን ይሕብሩ።

ብዙሕ እዋን ብተደጋጋምን እናተራበሔ ዝኸይድ ጸረ ብዝሃ ጐናውነት መጥቃዕቲ ይረአይ፡ ብወገንኩም ኣብ ልዕሊ ናይ ዓለም ሓቆፍ ተቕዋማት ኣሕድሮ እምነት ንምብርታዕ እንታይ ክግበር ኣለዎ፡ እዚ ብኸመይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል ትብሉ?

ናይ ኩለን ሃገራት ምትሕብባርን ግደን፥ ሓያላት ሃገራት እውን - ኮቪድ - 19 ንምውጋእ ጥራሕ ዘይኰነ ሰላምን ውሕስነት ደሕንነትን እውን ኣብ ምርግጋጽ . . . ኣብተን ምዕቡላትን ኣብ ጐደና ምዕባለ ኣብ ዝርከባን ድህረ ኮቪድ - 19 ኵለ መደያዊ ትንሳኤን ንቕሓትን መታን ክህሉ።

ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክህሉ ዝግበር ጻዕሪ ሶንኮፍነቱ፡ እቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ማሓዳሮን ምዝባዕ ተፈጥሮን ንምብዳህ ዘድሊ መልሲ ንምሃብ ዝተራእየ ቡኩራት የረጋግጾ፡ ምርባሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክብ እናበለ ምኻዱን ግቡእ ኣጠቓቕማ መርበብን መርበብ ቀጥዓዊ ክኸውን ዘድሊ መርሓ ሕጊ ክህል ኣብ ዝብል ዕማም ዘተራእየ ፍሽለት ዝሕብሮ እዩ።

ስለዚህ እቲ ለብዒ ናይ መጠንቅቕታ ደውል እዩ፡ እቲ ንዓለም ለኻዊ ግብረ ገብ ስግኣት ዝኾነን ኵሉ ሓድሽ ስኒትን ምትሕብባር ዝጠልብ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኤውሮጳ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ስነ ምርምራዊ ጻዕሪ ንኢድኩም፡ እቲ ርኽበት እንተድኣ ክዉን ኰይኑ ነቲ ረኻቢ ኣካል ድዩ ሃገር ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ኣቀማምጣ ዓብላሊ ንምዃን ፈተና ከቃልዖ ኣይኽእል ዶ? ንጸረ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ዝፍተኑ ዘለዉን ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዘለዉን ዝተፈላለዩ ስነ ሕክምናዊ ምርምራት ቅድሚ ርኽበት ክትባን ናብ ኩሉ ብኸመይ እዩ ንምብጻሕ ዝከኣል?

ኣብዚ ኩሉ ተማራዃሲ ኣብ ዝኾነሉ ዓለም ሓደ ንበይኑ ተንጺሉ ውሑስ ክኸውን ዘይካአል እዩ፡ ኩሉ ውሑስ ክሳብ ዘይኮነ ሓደ ብናጽላ ውሑስ ኣይክኸውንን እዩ፡ . . . ማዕርነት ብኹሉ ጽፍሕታት ዝርጉሕ ኣብ ምግባር እዩ እቲ መፍትሒኡ . . .ንኹሉ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ውሑስ ምግባር የድሊ . . . ስለዚ እቲ ዘሎ ሕክምናዊ ሜላ ድዩ እቲ ዝርከብ ክትባት እውን ናይ ሕዝቢ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ኣብቲ ጸረ ተህዋስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምድብ ሀን ምድብ ለን ክህሉ ዝፍቀድ፡ እቲ ለብዒ ኣብ መንጐ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ኣዚዩ ዘዕብይ ክገብር እውን ይኽእል፡ እዚ ክይከውን እንታይ ክግበር እዩ ዘለዎ?

እቲ ለብዒ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኢማዕርነት ቁልጭ ኣቢሉ ዘርእይ እዩ፡ ኤኮኖሚያዊ ድዩ ኣብ ምርካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ምወድእታ ሰለሰተ ዓመታት ዘይተራእየ ኣብ ዓለም ናይ ድኻታት ብዝሒ ናብ 500 ሚሊዮን ክብ ክብል ከምዝኽእል እዩ።

እዚ ክኽሰት` እንፈቅድ ክንከውን የብልናን፡ ስለዚህ ካብቲ ዓለም ለኻዊ እቲ ዓሰርተ ሚእታዊ ድኽነት ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክውዕል ንላበው፥ ሃብታማት ሃገራት ክፍጽመኦ ዝከኣለን እዩ . . . ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ባንኪ ቤት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳሕ ንድኻታት ሃገራት ዝሰለዖ ሃብቲ ገንዘብ ድሮ ናብተን ቀዳሞት ሃገራት ዝለኣኽ ኣጽዲቕዎ ኣሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ኣብ ዝቕጽሉ 15 ኣዋርሕ 160 ሚሊያርድ ዶላር ቁጠባዊ ሓገዝ ከቕርብ ምዃኑ ሓቢሩ እውን ኣሎ፡ እተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ 20 ሃገራት ድኻታት ሃገራት ዝኸፍለኦ ናይ ወጻኢ ዕዳ ንግዚኡ ክድስክል ገይረን ኣለዋ።

አቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ግቡእ ክብሪ እህቦ፡ ሰባትን ናይ ስርሕ ቦታን ንምድሓንን መደብ ልምዓት ንምቅልጣፍን ዝድግፍ ብምዃኑ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ሓገዝ እዅል ኣይኮነን፡ ዘላቒ ኣብ ዝኾነ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ከይወድቃ እውን ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ብፍርቂ ምጉዳል ክሳብ ምስራዝ ዝብል ውሳኔ ዘሳኹዕ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ድሕሪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዓለም ከምቲ ዝነበሮ ኣይክኸውንን እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም፡ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መጻኢ ከምይ ክኸውን እዩ ትብሉ?

ነቲ ለብዒ ንምብዳህ ዝወሃብ ዘሎ መልሲ ዓለምና ኣብ ጽኑዕን ውሑስን ኪደት ንኸብል ዕድል ዝፈጥር ክኸውን ዝኽእል እዩ፡ ጥዑይን ዘላቕን ጸምባርን ወይ ከኣ ሓቛፍን ዓለም ኣብ ምሕናጽ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ማሕበራዊ ኢማዕርነትን ዘሎ ጋግን ካሳብ ክንደይ ዘሳቒ ምዃኑ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርእይ ዘሎ ቅልውላው እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ኹሉ ዝሓክኽ ዘወግድ ዕድል ዝዓቖረ ክበሃል ይከኣል . . . ምንባሩን ምትግባሩን ናትና ይከውን!

ኣብ ሓምላይ ኪደት ዝጸንዔ ኤኮኖሚ ምትብባዕን ተቐብልነትን ዘላቕን ዝኾነ መደብ ልምዓት ምንቕቓሕን ምትብባዕን ናይ ፓሪስ ውዕሊ ዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ኣየር ትግቡር ምግባር እዩ ዕላማና ቢሎም ቆራጻት እንኽነሉ እዋን እዩ፡ ኮቪድ - 19 ንምብዳህን ካብቲ ቅልውላው ንምልቓቕን ናይ ኩሉን ንኹሉን ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ጽኑዓት እንኾነሉ እዋን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

(ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ እንድረያ ሞንዳ - Andrea Monda)

ጉተረዝ፥ እዋናዊ ዓውሎማዊ ስግኣት ሓድሽ ምትሕብባር ይጠለብ
28 May 2020, 15:29