ብጹዕ ክርዲናል ማርክ ኦለት ብጹዕ ክርዲናል ማርክ ኦለት  

ኣብ ሕንጸት ካህናት ግደ ደቀንስትዮ

ኣብ ሕንጸት ካህናት ደቀንስትዮ ብዝተፈላለየ መዳይ ክዋስኣ ይኽእላ፥ ከም መምሃራን ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ኣብ ሕንጸት ስነ መንፈሳዊ እውን፡ ኣብ ናይ ጸዋዕታ ካህናት ሓነጽቲ ሽማግለ ብኣባልነት ድዩ ብመርሕነት እውን ክሳተፋ ይኽእላ

ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ክርዲናል ማርክ ኦለት ምስቲ ብሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዝሰናደው ደቀንስትዮን ቤተ ክርስቲያንን ዓለም ዘርእስቱ ስሙናዊ መጽሔት ኣብቲ ዕለት 25 ሚያዝያ ኣብ ዘወጽእ ሕትመቱ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ መዳይ ሕንጸት ካህናት ኣብ ማሕበረሰብ ቍምስናን ብሓፈሻኡ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ግደ ደቀንስትዮ መሰረታዊ ምዃን ዘብርህ ዘስመሩሉ ሕሳብ ንንባብ ከምዝበቕዔን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብካህናት ናይ ዝቐርብ ብሓፈሻኡ ብቤተ ክርስቲያንን ብካህናትን ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ደቀንስትዮ ልዕሉ ተሳታፍነት ዘለወን፡ ናይዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እውን ተሓባባርቲ ብብዝሒ ደቀንስትዮ እያተን፡ ኣብቲ ኣብ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ዕለት 8 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር መሰረታዊ መርትዖ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጸኦ ብዛዕባ ቅዋሜን ጸዋዕታ ክህነት ኣብ ዝትንትን ሰነድ ኣብ ፍቕዲ 151 ኣብ ሕንጸት ካህናት ግደ ደቀንስትዮ ዓቢይ ክብርን ትርጉምን ከምዘለዎ የመላኽት፡ ተማላእነት ሰብኣይን ሰበይት ከከም ጸዋዕታኻ፡ ስለዚህ እቲ ክህነታውነት ዝብል ሎሚ እውን ብዙሕ ዝረኣይ ኣገባብ ንምቕያር ምስጓም የድሊ፡ ገና ብዙሕ ይተርፈና፡ ስለዚህ ባህላዊ ሰውራ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ሕንጸት ካህናት ደቀንስትዮ ብዝተፈላለየ መዳይ ክዋስኣ ይኽእላ፥ ከም መምሃራን ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ኣብ ሕንጸት ስነ መንፈሳዊ እውን፡ ኣብ ናይ ጸዋዕታ ካህናት ሓነጽቲ ሽማግለ ብኣባልነት ድዩ ብመርሕነት እውን ክሳተፋ ይኽእላ፡ ኣብ ሕንጸት ካህናት ናይ ደቀንስትዮ ርእይቶን ገምርን ኣብቲ ንኽህነት ዝሰናደው ዘሎ ሰብኣዊ ጐድኑ ናይ ምልላይ ልዑል ብቕዓተን ብስለትን ኣብ ፍቕርን ወይ ኣብ ስነ ቀልብ ኹሉ ዘመላኽት ኣብ ደቀንስትዮ ዘሎ ብቕዓት ኣድላዪ እዩ፡ ኣብ ኵሉ መዳይ ሕንጸት። ኣብ መንፈሳዊ ስንዮት ደቀንስትዮ ዓቢይ ሓገዝ እያተን፡ ኮይኑ ግን ኣቲ ንክህነት ዝሰናደው ሕጹይ ንኽህነት ብካህን ክሰናደው ኣለዎ፥ ኣብ ክህነታዊ ሕንጸት፡ ኣብ ሰብኣዊ ሕንጸት ግን ደቀንስትዮ ክሳተፋ ምግባር ዓቢይ ሓገዝ እዩ። ብወገነይ እዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ኣይተጠቀምናሉን እብል፡ ንጥቐመሉ ዘሎና እውን ኰይኑ ኣይስምዓንን፡ ናይቶም ንኽህነት ሕጹያት ናይ ነጻነቶምን ስሙርነቶምን ብቕዓት ኣብ ናይ ሕይወቶም መርሓ ግብርን ማሕበራዊ ስነ ኣእምሮኦውን ጾታዊ ስነ ኣእምሮኣውን ደረጃኦም ምራኣይ ኣውን ከምዘድሊ ብሰፊሕ የብርሁ።

ብዛዕባ ፍቕርን ክህነታውነትን ናይ ክህነት መንፈስ ንጽሕናን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ካብ ዝዀነ ይኹን መቕጻዕቲ ናጻ ዝብልን ኣብ መዳይ ሕንጸት ካህናት ተሳትፎ ደቀንስትዮን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምሉስ፥ ኣብ መዳይ ሕንጸት ግደ ደቀንስትዮ ኣገዳሲ እዩ፡ እቲ ተባዓታይ ክርእዮ ዘይኽእል ብኣኣተን እዩ ዝማላእ፡ ካህን ክህነትነታውነት ምስ ኵሉ ብዘይ ክህነታውነት (ቅድም ንካህናት ዝብል ፈሪሳውነት)።

እቲ ናይ 2016 ዓ.ም. መሰረታዊ  መርትዖ ብዝብል ኣርእስቲ  ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ብዛዕባ ኵለንተናዊ ምሉእ ሕንጸት ካህናት ይዛረብ፡ እዚ መሰረታዊ ካብ ዝበሃሉ መርትዖታት ሓደ እዩ፡ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ዝብል መደብ፥ ከምዘሎ ኰይን ብዙሕ ግዜ ግና ነቲ ሰብኣዊ ሕንጸንት ብመንጽር መንፍሳዊ ሕንጸት ክዕፈን ዝግበር ፈተና ኣሎ፥ ስለዚህ ናብቲ ዝነበረ ትምለስ፡ ኣብዚ እዩ እቲ ናይ ደቀንስትዮ ግድ፡ ኣብ ንምሉእ ኵለንተናዊ  ሕንጸት ኣብ ደቀንስትዮ ዘሎ ብቕዓት ምስታፍ የድሊ ይብሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ተረኺበ ኣብ ዘስማዕክዎ መደረ ይብሉ እቲ ቅዱስ ኣቦና Veritatis gaudium - ናይ ሓቂ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ንናይ ጳጳሳውያንን ኤቅለሳውያንን መናብርተ ጥበብን ኣባይቲ ትምህርትን ሕዳሴ መሰረት ክኸውን ዘቕረብዎ  ሓዋርያዊ ቅዋመ ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽእዎ መንፈሳዊ መሃዝነት የተሓሳስቡን ልዑሉ ግምት ክወሃቦ እውን ይሕብሩ። ደቀንስትዮ ኣብ ምትብባዕ ተወሲንካ ዘይምትራፍ ይብሉ፡ ናይ ሕንጸት ኵለንታዊ ኣካል ክትከውን ከምዝግባኣን እውን ይምዕዱ፡ ነቲ ሎሚ ዘየሎ ግና ኣገዳሲ ዝኾነ ማዕቅን ጓለንስተይቲ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት የነጽሩ። እዚ ክብሉ እንከለዉ ዘለናሉ ኩነት ብትኽክል ይትንትኑ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሮማ ናይ ዝርከባ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ላዕለዎት ኣመሓደርቲ ነይሮም፡ ተጋባኣያን ደቀንስትዮ እውን ነይረን፡ እቲ ብዝሐን ግና ሓደ ንዓሰርተ እዩ ዝነበረ፡ ብዙሕ ይተርፈና ቢሎም፡ ናብቲ ዛዕባ ሕንጸት ካህናት ምልስ ቢሎም፥ ብርግጽ ሓደ ተሓኒጹ ንፉዕ ሰባኽን ክህነታዊ ግቡእነቱ ብትኽክል ዝፍጽም ኣብ ክህነታዊ ስርዓት ኩሉ ጥንቁቕን ብቑዕን ክኸውን ይኽእል፡ እዚ ንበይኑ ግና እኹል ኣይኮነን፡ ናይ ነፍሳት ሓዋራያዊ ግብረ ኖልዎ እውን የድልዮ፡ እዚ ናይ ጓለንስተይቲ ፍሉዩ ብቕዓት እዩ። ኣብዚ እዩ ብናይ ደቀንስትዮ ብቕዓት ምድጋፍ ኣድላዪ ዝኾነሉ፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኣብ ሰረተ እምነትን ጠመቕ ትምህርትን ብግቡእ ምትሕልላፍ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ጥራሕ ኢና ነተኩር ዝነበርና፡ እቲ ተራ ሕዝቢ ነዚ ክቕበልን ከወስጦን፥ . . . ምስ እዚ ተተሓሂዙ ግና ከመይ ገርና ኢና ነሰንዮ? ንዝብል ሕቶ መልሲ ምሃብ የድሊ።

እቲ ዓቢይ ጸገም ኣብ መንጐ ካህናንት ደቀንስትዮን ዘሎ ርክብ እዩ፡ . . . ብዙሕ እዋን ጓለንስተይቲ ንካህን ድዩ ንተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ከም ስጋእት ትርእየ? እቲ ጸገም እታ ጓለንስተይቲ ዘይኮነት እቶም ምዕሩይ ርክብ ምስ ደቀንስትዮ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ እያቶም።  ኣብ እዋን ሕንጸት ንኽህነት እቲ ርክብ ክኹለፍ የብሉን ንምሉእ ኵለንተናዊ ዕብየት ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ነጺልና ንሓንጾም ደሓር ናብቲ  ጭቡጥ ዓለም ነእትዎም ኣዚ እዩ እቲ ሓደጋ፡ ስለዚ ኣብ ሕንጸት ምዕሩይ ዕብየት ክህልዎም ካብ ደቀንስትዮ ምርሓቕ ዘይኩነ ንሕንጸት ብቕዓት ደቀንስትዮ ተዋሳኢ ክኸውን ምግባር ከምዘድሊ ብጽዕነቶም የብርሁ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት ብዙሕ ማሕበራዊ ለውጢ ተኸሲቱ እዩ፡ ብዝያዳ ኣብ ምዕራብ ሃገራት፡ ህላዌ ጓለንስተይቲ ኣብ ስራሕ ዓለምን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ዓቢይ ኣቃልቦ ረኺቡ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ደንጉያ እያ፡ ስለዚህ ነቲ ዝቐደመ ማሕበረሰብ ከተርክቦ ክትክእል ኣለዋ፡ ተባዕታውነት ዝብል ጸቕጢ ኣብ ኩሉ መዳይን ክፍል ዓለምን ተራእዩ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ነቲ ለውጥን ህዳሴን ምንባብን ምስትውዓልን የድሊ . . .

ክህነታዊ ጸዋዕታን ኣገልግሎትን ኣብ መንጐ ክርስቶስን እቲ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ምዃና ዝተገልጸ ምስጢር ኣግዚኣብሔር ናብ ዓለም እተብጽሕ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ቃል ኪዳናዊ ርክብ መግለጺ እዩ፥ ቤተ ክርስቲያን መርዓት ክርስቶስ እያ እንክብሉ ተንቲኖም . . .  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሃንስ ኡርስ ቫን ባልታሳር ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ማርያም ልዕሊ ጴጥሮስ እያ፡ ስለምንታይ ንሳ ጥምቀታዊ ክህነት በቲ ዝለዓለ መግለጺኡ ስለ እትነብሮ፡ እቲ ኣብዚ ዓለም ናይ ዝተሰግወ ቃል ጸጋ መንጐይና እያ፡ ስለዚህ ማርያም ትእምርቲ ዝገበረ ህላዌ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣብ ሕንጸት ካህናት ግደ ደቀንስትዮ
25 April 2020, 16:39