ቱርክሶን፥ ዘይተሰናደዉ ኰይና ንኸይንርከብ ድሕረ ኮቪድ-19 ብዓንተውኡ ምሕሳብ

ሰብ ምስ ተኣፋፍነቱ ገጽ ንገጽ ዘራኽብ እዋን፡ ኣብዚ ናይ ሓባር ቤትና ብሓባር ንምንባር ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘለዎ ኣገዳስነት ክስትውዓል ይገብር፡ ምትሕብባር ኣብ ስነ ምርምርን ርኽበትን ተበጽሖታትን ስነ ምርምራትን ፡ እዚ ምትሕልላይን ምትሕብባርን ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻንን እተቕርቦ ጸጋታት ንኹልን ናይ ኵሉን ክኸውን ዘተሓሳስብ እዩ

ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ “ናይ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህርኵት ጻዕሪ ሓለፋ ናይ ሰብ ሕይወት ንምድሓንን ድኻታትን ኣብ ምእላይን ዝብል እዩ” ቢሎም ብዓንተውኡ ኣብ መደብ ድህረ ኮቪድ 19 ዝዓዪ ፍብሉይ ኣብዚ መርሃ ግብሪ’ዚ ዘተኵር ናይ ዕዮ ጉጅለ ኣብቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ከምዝቖመ ምስ ዜና ቫቲካን ጋዜጠይና ማሲሚሊያኖ ሚኒከቲ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ንምዳህ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ከምእትርከብን እዚ ኸኣ ብእተቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንሓጺርን ንነዊሕ ዝኣመተ ብዝተፈላለዩ ናይ ኤኮኖምን ማሕበራዊ መደባት ኣቢላ ብእተቕርቦ ድጋፍ እውን ምዃኑ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ኮዶዎ ኣፒያህ ቱርክሶን ሓቢሮም፡ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ሃብቲ ገንዘብ ውድብ  ኣብ 2020 ዓ.ም. ውሽጢ ናይ ዓለም ድምር ሃብቲ እቶት ብ 3 ሚእታዊ ክምዝትሕት እዩ ዘመላኽት፥ ካብቲ ኣብ ሰላሳታት ተራእዩ ካብ ዝነበረ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ኣዚዩ ዝኸፍኤ ከምዝኸውን ዘመላኽት ትንታነ እዩ፡ ተሰሓሓብቲ  ቅልውላው ኣናፈጠረ ዝኸይድ እዩ፥ ቀስ እናበልካ እትወጾን ብፍላይ ከኣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣቢሎም ዝምህሩና ናይ ሓባር ቤትና ክንከናኸን ከምዘለና ብፍሉይ ዘመላኽት  እውን እዩ ኢሎም።

ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ርካብት ከምዘካይዱን ብኮቪድ 19 ምኽንያት ክንየው እቲ ለብዒ ካልእ ተተሓሓዝን ዝነበረን እናገደደን ካልእ ሓድሽ እውን እንብሎም ዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዘስዕብ ንጹር እዩ፡ እዚ ንቕዱስ ኣቦና ብዙሕ የተሓሳስቦም፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤተ ጽሕፈት ኣበርቲዑ ክዓዪን ሕጅን ድሕረ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝብል መደባት እቲ ቤት ጽሕፈት ዝተፈላለዩ ተበግሶታት የሳልጥ ከምዘሎ የመላኽቱ።

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ ኣብ ምድሓን ሕይወትን ጭቡጥ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ንድኻታትን ንሕሙማንን ትዋሳእ፡ ድሕሪ እቲ ለብዒ ዝህልው መጻኢ እንታይ ክመስል ከምዝኽእልን ኣብ መዳይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ኩሉ ቅዱስነቶም የስተንትኑን ሓሳቦምን ምዕዳኖምን እውን ይልግሱ፡ ነዚ መርሕ ብምግባር እውን ብዙሕ ይስራሕ ኣሎ። ስነ ምርምራውን ምህዞኣውን ኣንፈት ዘለዎ ዓለም ሓቆፋዊ መቕርብ ከምዘድሊ ይተሓሳስቡ።

እቲ በኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓሙሽተ ናይ ዕዮ ጉጅለ ኣቑይሙን ድሮ እውን ኣብ ዕዮ ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡ ምስ ቅዱስነቶም እውን ርክብ ዘካይድ ምዃኑ ገሊጾም፡ . . . ሎሚ ነቒሕካ ምዕያይ! ጽባሕ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ እውን እንተዀነ ዘይቁሩብ ኮይንካ ንኸይትራኸቦ ይሕግዝ። ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቡ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስቲ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምርን ሕይወትን ተቕዋምን ምስ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋትን ምስ ነሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ  ቅዱስ ማሕበርን ምስ ቤተ መድሃኒት ቫቲካንን ብምትሕብባር ይዓዪን ዝተፈላለዩ ርካባት እውን የካይድ። ዓማሚ ሓይል እውን ዳርጋ ቆይሙ ኣሎ ክትብል ይከኣል። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትን መልሲ ኣብ ምሃብ ህልው ኩነታት ንምብዳህ ኣብ ዝገብር ጻዕሪ ዘለዋ ብቕዓት ዝምስክር እዩ ኢሎም።

እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ድሮ ምስ ካሪታስ እንተርናዚዮናሊስ ብሓባር ይዓዪ ኣሎ፡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ  ልኡካንን ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘድልየን ድጋፍ ንምልላይ ይመያየጥ ኣሎ፡ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ኣብ ዓውዲ ስነ መሓድሮን ኤኮኖምን ስነ ጥዕናን ማሕበራዊ ደሕንነትን ኣብ ዝብል መዳይ ምስ ክኢላታትን ሊቃውንትን ብምርኻብ ስነ ምርምራውን ነቢያዊ መልሲ ኣብ ምልላይ ይረክብ፡ ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምርን ሕይወት ተቕዋምን ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ተቕዋም ብጥቡቕ ርክብ ይዓዩ ከምዘሎ ይሕብሩ። እቲ ሳልሳይ ጉጅለ፥ እቲ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንጥፍታቱን ተበጽሖታቱን ዘራኽብ እዩ፡ ብሓጺሩ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም ጉጅለ ክትብሎ ይከኣል ምስ በሉ እቲ ራብዓይ ጉጅለ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ርክብን መድብለ ጎናውነት ርክባት ዘሳልጥ እዩ፡ እቲ ሓምሻይ ጉጅለ ብጠቕላል ንእዋናውን ድህረ ለብዒ ኮቪድ 19 መደባት ኣብ ምስላጥ ዝስላዕን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ኩሉ ግልጽን ንጹርን ብዘለዎ ኣገባብ ጸብጻብ ዘቕርብን ወጻኢታት ኩሉ ዝቆጻጸን ዝሕብርን እዩ ኢሎም፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝተፈላለያ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብን ንኣብነት ጆርጅታውን መንበረ ጥበብን ፖስትዳም መንበረ ጥበብን ናይ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብን ናይ ዓለም ጸጋታት ጉዳይ ዝምልከት ተቕዋምን ምስ ካልኦትን ዓበይቲ ተቕዋማት ርክባት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ መረባት ኩሉ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ ምስ ገዳማት ድዩ ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ካቶሊካውያን ውድባትን ተቕዋማትን ምንቅስቓሳትን ርክባትን ምትሕብባርን እውን ይሳለጥ ኣሎ፡ ኣብ መንጐ ሮማን ኣብ ዞባታት እትርከብን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ዝምስክር እዩ፥ ህላዌ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ዝንጸባረቕ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ኣሎ፡ እዚ ትእምርቲ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ እቲ ዝሳለጥ ኩሉ ዕማማ ነዚ ዘንጸባርቕ ኢሎም።

ምስ ድህረ ኮሮና ተህዋስ ከም ሃንደበት ከይትላተሞ ብዓንተዉ ምሕሳብ የድሊ! እዚ ማለት ግን ነቲ ህልው ኩነት ነጢርካዮ ምኻድ ማለት ዘይኮነስ፥ ንህልው ኩነት መሰረት ገርካን ነቲ ዘሎ ሽግር ርኢኻ ሓዲግዎ ዝሓልፍን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጸገማትን ሳዕቤናትን ብዓንተዉ ክግመቱ ዝከኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ክመጹ ዝኾኑን ጸገማት ተሰናዲኻ ድሮ መፍትሒ ኣሰናዲኻን ንናይ እዋናዊ ኩነት ጸገማት ምብዳህ ኣገዳሲ እዩ፡ ኩሉ ሃንደበት ከይኮነካ መታን። እዚ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና ዝህብዎ ዓቢይ ትምህርቲ እዩ፡ ትብዓትን ነቢያውነትን ዝሓትት፡ እዚ ናይ ቅዱስነቶም ለበዋ እዩ፡ ብትኽክል ኣብ ምኽባር ምህዳር ምኽባር ኵሉ ፍጥረት ውሱጥ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሮማን ንመላእ ዓለምን ቡራኬ ኣብ ዝሃብሉ እዋን እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ናይ ዘይተገዳስነትን ምግምማዕን ኣይኮነን፡ መላእ ዓለም እዩ ዝሳቐይ ዘሎ፡ ስለዚ ነዚ ለብዒ’ዚ ንምብዳህ ሓድነት ወሳኒ እዩ፡ ሃገራት ንዜጋታተን ብቑዕ ድጋፍ ንኸቕርባ ዓለም ሓቆፍ ማዕቅባት ዘገምታዊ ክኸውንን ድኻታት ሃገራት ዘለወን ናይ ወጽኢ ዕዳ ንሕዝበን ዘድሊ መሰረታዊ ኩሉ ናይ ምቕራብ ዓቕመን ክብርኽ መታን ምሉእ ብምሉእ ምእላይ ኣገዳሲ እውን እንተኾነ እዚ ንምኽዋን ጽቡቕ ድላይ እውን እተዘየለ ንግዚኡ ምድስካልን፡ ኵላዊ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ንምርግጋጽ ትብዓት ክህሉን ሕይወት ንምድሓን እናተኻእለ ነጽዋርን ምሕርቲ ኣጽዋርን ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ዘኪሮም፡ እዚ ሃብቲ ገንዘብ’ዚ ኣብ ምድሓን ሰብኣዊ ፍጥረት ክውዕሉ ዝብሉ ብዙሓት ነጥብታት ጠቒሶም፡ ክንስዕቦ ዘሎና መገዲ ኣነጺሮም ኣመላኺቶም እዮም፡ እዚ ሚሳላውነት ኣይኰነን ጽቡቕ ድላይ ቁርጺ ፍቓድን ጥራሕ እዩ ዘድልዮ፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት እቲ ዝዓበየ ጌጋ እቲ ኣገዳሲ እንታይ ምዃኑ እናፈለጠ ነኣኡ ዕሽሽ ምባሉ እዩ።

ሰብ ምስ ተኣፋፍነቱ ገጽ ንገጽ ዘራኽብ እዋን፡ ኣብዚ ናይ ሓባር ቤትና ብሓባር ንምንባር ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘለዎ ኣገዳስነት ክስትውዓል ይገብር፡ ምትሕብባር ኣብ ስነ ምርምርን ርኽበትን ተበጽሖታትን ስነ ምርምራትን ፡ እዚ ምትሕልላይን ምትሕብባርን ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻንን እተቕርቦ ጸጋታት ንኹልን ናይ ኵሉን ክኸውን ዘተሓሳስብ እዩ።

ጥዒትን ንኹሉን ናይ ኵሉን ናይ “ናይ ሓባር ቤት” እዚ ንብዙሕ ጸገማትና መፍትሒ እዩ ምስ በሉ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣስዒቦም፥ ናይቲ ትርጉምን ዋጋን ዘለዎ ነገር ኩሉ ዳግም ምርካብን ግምት ምሃብን ምኽባርን፡ ኣገዳስን ዘየገድስን እነለልየሉን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም.፥ “እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ነወጺ ተኣፋፍነትና ዘቃልዔን እቲ ቀጥዒ ዘይብሉ ውሕስነትና ዘቖምናሉ ብመሰረት ዝክረ ነገራትና ዝሓነጽናዮም ውጥናትናን ልምድታትን ቀዳምነት እንህቦን ዝያዳ ዝዀነን ሓሶት ዘበለ ኵሉ ኣቃሊዕዎ” ከምዝበልዎ እዩ፡ ስለዚህ ናብቲ ኣገዳሲ ምምላስ የድሊ፡ እንክብሉ ምስ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ ሚኒከቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ቱርክሶን፥ ዘይተሰናደዉ ኰይና ንኸይንርከብ ድሕረ ኮቪድ-19 ብዓንተውኡ ምሕሳብ
17 April 2020, 16:02