ድለ

መስዋእተ ቅዳሴ ኣብ “እዋን ለብዒ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝቐርብ ሓድሽ ጸሎትን" መስዋእተ ቅዳሴ ኣብ “እዋን ለብዒ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝቐርብ ሓድሽ ጸሎትን" 

መስዋእተ ቅዳሴ ኣብ “እዋን ለብዒ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝቐርብ ሓድሽ ጸሎትን"

ዓርቢ ስቕለት ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምእንቲ ኣብ ጸበባን መከራን ዝርከቡ ማለት በቲ ተኺስቱ ዘሎ ቅልውላው ንዝሳቐዩ ኩሎም “እግዚኣብሔር ኣቦ ንህሙማን ጥዕና ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ሓይሊ ንኣባይቲ ስድራ ምጽንናዕን ነቶም ዝዓረፉ ድሕነት” ክግጽግው ኵላዊ ጸሎት ክዓርግ

ናይ መልኰታዊ ስግደትን ኣምልዀን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ሰሙነ ሕማማት ዝውሰኽ ካልእ ሓድሽ ኵላዊ ናይ ጸሎት ሓሳብን ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝነብሮ ዘሎ ቅልውላው ብፍሉይ ሓሳብ ዝገብር ኵላዊ መስዋዕተ ክዓርግን ሓሳብ ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሓሳብ ዝገበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግን ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ ስቕለት ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ብፍሉይ ዝምልከት ኵላዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክዓርግ ዝብል ክልተ ናይ ጸሎት ሓሳብ ናይ መለኰታዊ ስግደትን ኣምልኾን ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ንመላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ብውግዒ ኣፍሊጡ፡ ኣብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ወግዓዊ እውን ከምዝሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓርቢ ስቕለት ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምእንቲ ኣብ ጸበባን መከራን ዝርከቡ ማለት በቲ ተኺስቱ ዘሎ ቅልውላው ንዝሳቐዩ ኩሎም “እግዚኣብሔር ኣቦ ንህሙማን ጥዕና ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ሓይሊ ንኣባይቲ ስድራ ምጽንናዕን ነቶም ዝዓረፉ ድሕነት” ክግጽግው ኵላዊ ጸሎት ክዓርግ ከምዝኾነን፥ እግዚኣብሔር ነቶም ዝሳቐዩ  ዘለዉ ብለውሃቱ ክጥምቶምን ናይ ህሙማን ቃንዛ ክቕልሎን ንዝኣልይዎም ሓይሊ ክጽግውን ንዝዕረፉ ኣብ ሰላሙ ክቕበሎምን ናይ ምሕጽንታ ጸሎት ክዓርግ ከምዝተወሰነ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 ናይ መለኰታዊ ስግደትን ስርዓተ ኣምልኾን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ካብ ብዙሓት ዝበጸሖ ናይ ሕቶ ሓሳብ ኣአንጊዱ ብድንጋገ መልክዕ ዘቕረቦ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ “እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ከብቅዕ ንእግዚኣብሔር ናይ ምሕጽንታ ጸሎት ዝቐርበሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ እንክብል ነዚ ሓሳብ እዚ ብድንጋገ መልክዕ ከምዘቕርቦ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ጸሎት ስእለታት፥ “መስተውዓሊ ጸግዒ ከሃሌ ኵሉ ዝዀንካ እግዚኣብሔር የዕንትኻ ናባና ኣብ ጭንቀት እንርከብ ብእምነት ናብ እንልምልኸካ ከብላ ግበር፡ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ንዝዓረፉን ንዝነብዑ ምጽንናዕን፡ ንህሙማን ፈውስን ንዝዓርፍ ሰላምን፥ ሓይሊ ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ንመንግስታት ናይ ተስፋ መንፈስን፡ ኩሉ ብፍቕሪ ሓቢሩ ቅዱስ ስምካ ክውድስ ሓይሊ ጸግው” ዝብል ናይ ሓባር ጸሎት ክቐርብ ምዃኑ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

02 April 2020, 14:47