ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ጉዳይ ሓበሬታ ስልጣን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ጉዳይ ሓበሬታ ስልጣን 

ስሜት ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ጉዳይ ሓበሬታ ስልጣን ዋና ኣመሓዳሪ

ሽኽሊትዘር ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ናፖሊ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ፈደሪኮ ዳግማዊ ብስነ ኤኮኖምን ስነ ንግድን ዝተመረቑን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቺካጐን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊ ነቶም ዕለት 20 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ኣገልግሎት ዘመኖን ንዘብቅዑ ቶማሶ ዲ ሩዞ ዝትክኡ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ጉዳይ ሓበሬታ ስልጣን ዋና ኣመሓደሪ ከምዝሰመዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ሓበሬታ ጉዳይ ዝከታተል ስልጣን ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብን ነቲ ዘይሕጋዊ ወይ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብ ሕጋዊ ንምግባር (ግብረ ሕጽቦ) ዝካየድ ተግባራት ኵሉን ናይ ኣሸበርቲ ሃብቲ ገንዘብ ምንቅስቃሳትን ዝቆጻጸር ብሓፈሻኡ ሓበሬታ ኣሰር ሃብቲ ገንዘብ ዝከታተል ክኸውን እንከሎ፥ ናይዚ ስልጣን’ዚ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ዕለት 20 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ንዘብቕዑ ቶማዞ ዲ ሩዛ ንኽትክኡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተሾሙ ጁዘፐ ሽኽሊትዘር ከምዝዀኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሽኽሊትዘር ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ናፖሊ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ፈደሪኮ ዳግማዊ ብስነ ኤኮኖምን ስነ ንግድን ዝተመረቑን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቺካጐን ደሓር እውን ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተ መንበረ ጥበብ ብስነ ቁጠባን ስነ ንግድ ሊቕነት ዘመስከሩን ኣብ ካስተላዛ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ስነ ቁጠባ ጉዳይ መምህርን ዛዕባ ደቂቕ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅድመ ግምት ምግጣም ስነ ቁጠባን ምሕደራን ስነ ምግባራን ትካላት ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ዝደረሱን ምዃኖም የመላኽት።

ኣብ ናይ ኢጣሊያ ማእከላይ ባንኪ ቤት ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ዘገልገሉን ናይ ዶናቶ መኒከላ ማእከል ጨንፈር ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ሓብቲ ገንዘብን ኣብ ዋሽንግቶንን  ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ማሕበር ኢንዳስትሪ ናይ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ናይ ስነ ኤኮኖምን ቁጠባን ፈደራላዊ ማሕበራት ኣባይቲ ምኽሪ ኣባል ኰይኖም ዘገልገሉ እውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕ  ካርዲናል ፓሮሊን ብተወሳኺ ናይቲ ናይ  ቅድስቲ መንበር ቁጠባ ጉዳይ ሓበሬታ ስልጣን ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ንኽዀኑ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ካብ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዞም ዘገልግሉ ንዘለዉ ፈደሪኮ ኣንተሊኒ ሩሶ ከምዝሰመይዎምን፡ ፈደሪኮ ኣንተሊኒ ሩሶ ኣብ መንበረ ጥበብ ልዊስ ጉይዶ ካርሊ ብስነ ፖለቲካ ስነ ኤኮኖሚ ምሩቕን ደሓር እውን ኣብቲ ዝተመሃሩሉ መንበረ ጥበብ መምህርን ካብ 2008 ክሳብ 2013 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ሚኒስትራዊ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደር ኣብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ጽሕፈት ዕደጋ ዝከታተልን ቤት ጽሕፈት ናይ ምርምርን ምዕባለን ጉዳይ ኣብ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዘገልገሉን ናይ ቁጠባን ልቓሕን ትካል ናይ ስነ ምርምር ጉዳይ ኣብ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዘገልገሉ ምዃኖም  ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠና ጉዳይ ሓበሬታ ስልጣን
16 April 2020, 13:13