ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ቡዳፐስት ናብ 2021 ዓ.ም. የሰጋግሩ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ቡዳፐስት ናብ 2021 ዓ.ም. የሰጋግሩ 

ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ቡዳፐስት ናብ 2021 ዓ.ም. የሰጋግሩ

እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እተአንግድ ሃንጋሪ ነቲ ጉባኤ ነዊሕ ምስንዳው ዝገበረት እውን እንተዀነ ምስግጋሩ ብዝበለጸ ዘሰናድዋ ዕድል ገይራ ክትጥቀመሉ እያ

ለብዒ ኮቪድ - 19 እቲ ቅድም ክብል በቢ ዓመቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ ፍጻሜታት ክመሓላለፍ ድዩ ንኽደናጐይ ይገብር ከምዝሎን፡ በዚ ምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስት ንኽካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽመሓላለፍ ከምዝወሰኑ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ማሪኒ ሓቢሮም፡ ምስግጋሩ ግድን እዩ፡ ብርግጽ እቲ ጉባኤ ብሉጽ ምስንዳው ክግበረሉ ዕድል ይኸውን ብተወሳኺ እውን ኤውሮጳ ኣናስራ ንኸተስተንትን ዘተባብዕ ክኸውንን ተስፋ እገብር ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተህዋስ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ መቐራቕሮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ፍጻሜታት ንኽመሓላለፉ ይገብር ከምዘሎን፡ ኣብቶም ፍጻሜታት ናይ ተሳተፍቲ ብዝሒ ኣዚዩ ክብ ይብል ብምህላዉ ነዚ ግምት ብምሃብ እቲ ኣብ ሮማ ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ዓ.ም. ክካየድ ዝነበሮ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራን እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊስቦና ክካየድ ኣብ መደብ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን፡ እቲ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ከምዘልዎ ኣብ ሮማ ዝካየድ ኮይኑ ናብ ወርሒ ሰነ 2022 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ፍጻሜ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝካየደሉ ከተማን ወርሕን ከይተቐየረ ናብ 2023 ዓ.ም. ከምእተሰጋገረ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣዘኻኺሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ህልው ኵነታት ግምት ብምሃብ ምስ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ሓልዮ ሽማግለን ምስቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ንኸተእንግድ ናይ ዝተሓረየት ሃገረ ሃንጋሪ ብጹዓን ጳጳስት መኺሮም እቲ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ንኻየድ ክምዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዝሓልይ ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ  ኣቡነ ፒየሮ ማሪኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ክንክን ጥዕና ጥራሕ ዘይኰነ ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍን ምስተን እቶም ዓለም ሓቆፍ ፍጻሜታት ኤቅለሲያ ንኽአንግዳ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ዘተሓርያ ሃገራትን ኣብተን ሃገራት ምስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ድሕሪ ዝተኻየደ ምይይጥ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ እዩ ቢሎም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ንኽሳተፉ ኣስታት ልዕሊ 60 ሺሕ ዝግመቱ ተመዝጊቦም ከምዝነበሩን ስለዚ ነዚ ብዝሒ ርኢኻ ናይ ተጋባእያን ደሕንነትን ጥዕናን ውሑስ ንምግባር ክሰጋገር ግድን እዩ፡ እቲ መቐራቕሮ ለብዒ ምስ ተሰግረ ምክያዱ ቅቡልን ምኽንያታውን እውን እዩ ኢሎም።

እቲ ምስ ናይ ቅዱስ ቍርባን ጉባኤ ብሔራዊ ሽማግለን ንኽሳተፉ ተመዝጊቦም ምስ ዝነበሩን ምስ ናይ ቅዱስ ቍርባን ጉባኤ  ክፍሊ ቲዮሎጊያን ርክባት ዝቕጽል ኮይኑ፡ ነቲ ምትሕልላፉ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብሉጽ ንምግባር ዕድል ከምዝኸውን ርግጸይና ምዃኖም ሓቢሮ፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ካብ ዝተበገሰሉ ዓመት ኣትሒዙ በቢ ዓመት ንኽሳተፉ ናይ ዝምዝገቡ ብዝሒ ክብ እናበለ እዩ ዝኸደ ኣብዚ ኣብ ቡዳፐስት ንኽካየድ ዝተወሰነ ልዕሊ 60 ሺሕ እዮም ዝተመዝገቡ፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ተጋባእያን ደሕንነትን ምስኡ ልክዕ ክብ እናበለ እዩ ዝኸይደ፡ እቲ ለምዘበን ክካየድ ዝነበሮ ናብ 2021 ዓ.ም. ዝተሰጋገረ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ኣርእስቲ፥ኵለን ዓይኒ ማያት ኣባኻ እያተን (መዝ. 87,7) ዝብል ከምዝኾነን እቲ ምንጪ እግዚኣብሔር እዩ፥ ንሱ እዩ  ዓይኒ ኩሉ፥ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ይብሉ።

እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እተአንግድ ሃንጋሪ ነቲ ጉባኤ ነዊሕ ምስንዳው ዝገበረት እውን እንተዀነ ምስግጋሩ ብዝበለጸ ዘሰናድዋ ዕድል ገይራ ክትጥቀመሉ እያ፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. እቲ ለብዒ ኣብቂዑ ክኸውን ተስፋ ንገብር፡ ኣብታ ድሕረ ስርዓት ዴስነት ንእትርከብ ሃገርን ንመላእ ኤውሮጳ እውን ዓቢይ ዕድል እዩ፡ ኣናስራ ንኸተስተንት ዝድርኻ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ንካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ንእንኣም እምነት ኩሉ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዝተማእከለ ምዃኑ እነስተንትነሉ ጉባኤ እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ቃል ወንጌል ዝዀነልና ናይ ኢየሱስ ወስታ ቅዱሳት ምስጢራት ዝኾነልና ኢና እዚ ኹሉ ኣብቲ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዝበዓል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ቡዳፐስት ናብ 2021 ዓ.ም. የሰጋግሩ
24 April 2020, 15:04