ድለ

 ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ 

ኮቪድ - 19፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ድጋፍ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኵሪያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ምሕደራ ሓለፍቲ ብጠቕላላ ነቶም 250 ኣካላት ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብ ስቓይ ናይቶም ኣብ ፈተና ዝርከቡ ክሳተፉን ኣብ ምድጋፎም ክተሓባበሩ

ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካራዲናል ክራየውስኪ ኵሎም እቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ቤተ ጸሎት ዘቑሙ ኣካላት ነቶም ብለብዒ ኮቪድ-19 ምኽንያት ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ሓገዝ ንምቕራብ ጭቡጥ ውሳኔ ከምዝወሰዱን እዚ ኸኣ ናይ ሓደ ወርሒ ደሞዞም ክልግሱ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ብጹዕ ካርዲናል ኮናርድ ክራየውስኪ ክታም ዝተነብሮ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤተ መጽዋት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ “ብጹዓን ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ብጠቕላላ ኵሎም ቤተ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ንዘቝሙ፥ እዞም ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኵሪያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ምሕደራ ሓለፍቲ ብጠቕላላ ነቶም 250 ኣካላት ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብ ስቓይ ናይቶም ኣብ ፈተና ዝርከቡ ክሳተፉን ኣብ ምድጋፎም ክተሓባበሩ ይዕድም።

ብምኽንያት ለብዒ ለበዳ ኮቪድ - 19 ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ እዋን ሰሙነ ሕማማት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝመርሕዎ ሊጡግሪያዊ ስርዓትን ነቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዝነበሮም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ዕለት 28 መጋቢት 1961 ዓ.ም. Pontificalis Domus - ጳጳሳዊ ስድራ ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ሕጊ፡ ነቶም ጳጳሳዊ ቤተ ጸሎት ዘቝሙ ኵሎም ክሳተፉ ዘይክእሉ ብምዃኖም ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት ብፍልዩ ንናይ ሮማ ጳጳስ ዘለዎም ጥልቃዊ ርክብ ፍልዩ ብዝበለ ኣገባብ ንኽነብርዎን ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ውሳኔ ብርሃነ ኣሕዛብ ፍቕዲ 31 ዝብሎ፥ ብምጽዋት ዘለዎም ሱታፌ ንኽነብሩ ተላብዩም፡ እቲ ዝእከብ ምጽዋት ናብ መንን ናበይን ናይ ር.ሊ.ጳ. ውሳኔ እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 April 2020, 23:06