ድለ

ፓሮሊን፥ ለብዒ ኮቪድ 19 ፍርሒ ዘስዕብ እውን እንተዀነ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣይንተዓጸው ፓሮሊን፥ ለብዒ ኮቪድ 19 ፍርሒ ዘስዕብ እውን እንተዀነ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣይንተዓጸው 

ፓሮሊን፥ ለብዒ ኮቪድ 19 ፍርሒ ዘስዕብ እውን እንተዀነ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣይንተዓጸው

እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብሓቂ ኣብ ሕይወትና ዓቢይ ሳዕቤን ዘለዎን ኣብ ቅድሚ ተኣፋፍነትና ፊት ንፊት ዘራኽበና እዩ፡ ፍጹማን ጐይቶት ዘይኮንና ብሕይወት ንኽንነብር ገዛእ ርእሱ ዘወፍየሎም ዘለዎም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ከይጐድል ናይ ኩሉ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑን ኵለን ቁምስናታት ፍርቂ መዓልቲ ኩሉ ንጸሎት ክዕድማ ደውል ንኽድውላ እንክብሉ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቡ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ትርኒየሊ ዛዕባ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣማእኪሎም ንዘቕረቡሎም ሕቶ ኣብ ዝህባዎ መልሲ ሓሳብ የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ምስ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንቕሕቲ እያ፡ ኣብ ስቓይ ንዘሎን ኣብ ድኽነት ንዝርከብ ኵሉ ቀረባ እያ፡ እንክብሉ  ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ቅርበትን ቀረባውነት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ብምኽንያት ለበዳ ኣብ ስቓይ ንዝርከብ ሰብኣዊ ፍጥረት ኵሉ ኣረጋጊጾም፡ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ከይጐድል ተላብዮም፡ ሕጹጽ ናይ ሓደጋ እዋንን ፍርሕን ይሃሉ ብዘየገድስ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘይንዕጸወሉ ህሞት እውን እዩ ኢሎም።

እዚ ናይ ስቓይ እዋን ብሓባር ምስ ኩሉ እንካፈለሉን ንብዙሓት ኣዚዩ ጽንኵር እዋን እውን እዩ፡ ብፍላይ ህሙማንን ኣረጋውያንን ኣብ ድነ ሞት ንዝክረቡን ንኣባይቲ ስድራኦምን። ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ንርከብ ዘሎና፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዋዜማ እዚ ምስ ነፍሲ ወከፍና ነቒሓ ትርከብ፡ ካብቲ ዝንበር ዘሎ ጭንቀትን ስግኣት ሕማምን ሞትን ሓራ መታን ክንከውን፡ “ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ” (ዮሓ. 11,43) ኣብዚ እዋን`ዚ ዘቃልሕ ዘሎ ቃል እዩ፡ እዚ እዋን’ዚ ሓድሽ ናይ ሕይወትን ናይ መንፈስ ቅዱስን እዋን መታን ክኸውን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝከኣሎም ኵሉ ንኹሉ ቀረባ ንምዃን ይጽዕሩ ኣለዉ፡ ንመላእ ዓለም ቀረባ ንምዃን፡ ብኣካል ምስ ሰብ ምርኻብን ምስ ምእመናን ቀረባ ምዃን ዝፈትዉ እዮም፡ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ይፍጽምዎ ኣለዉ፡ . . . ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እዚ ጭቡጥ ኣብነት እዩ፡ ብዘየቋርጽ ቀጻሊ ዕለታዊ ጸሎት፡ ንግዳያትን ንኣባይቲ ስድራኦምን ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታትን ካህናትን ሰራሕተይናታትን ኣባይቲ ስድራን . . . ንሕና ምስታ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርክብ ክህልዎም ንተሓባበሮምን ንድግፎምን።

እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብሓቂ ኣብ ሕይወትና ዓቢይ ሳዕቤን ዘለዎን ኣብ ቅድሚ ተኣፋፍነትና ፊት ንፊት ዘራኽበና እዩ፡ ፍጹማን ጐይቶት ዘይኮንና ብሕይወት ንኽንነብር ገዛእ ርእሱ ዘወፍየሎም ዘለዎም ግምት ብዘይትህበሉ ንእሽተይ ብእትብሎ ጸላኢ ክጠፍኡ ዝኽእሉ ፍጡራን ምዃንና ዘተሓሳስብ ኵነት፡ ናይ ስድራ ቤትን ምትሕብባርን ልግስን ምክፋልን ብጭቡጥ፡ ብነእሽቱ ነገራት ኣብ ምቅርራብ ክገልጹ ዝኽእሉ ዕሴታት ዳግማይ እንዓትረሉን እንነብረሉን እዋን፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘድልይ ምዃኑን ንሓድ ሕድና ክንተሓላለይ ከምዘለና ዝድግፈናን ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን ዘድልየና ምዃንና ኣብ መወዳእታ ናብ እግዚኣብሔር ብምሉእ ልብና ንኽንምለስ ዝዕድም ህሞት ከምዝኸውን እኣምን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎትን ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት  እውን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ብሓባር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ምሉእ ዓለም እታ ኢየሱስ ዝመሓረና ጸሎት ክንጽልይ ክዕድሙ እንከለዉ ነዚ እዩ ዘመላኽት ኢሎም።

እምነት ክርስትና ግንፋለ እግዚኣብሔር ናብ  ናይ  ሰብ ታሪኽ ማለት እዩ፡ ተሰግወ፡ ብጀካ ሓጢኣት ኵሉ ሰብኣዊ ኵነትና ንኽካፈል፡ ንኸድሕነና ምእንታና ክሳቐን ክመውትን ስንድው ኮነ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰል ዝተፈልየ እዋን ዓቢይ ጾም ፋሲካ ንኸነብዕል ንሰናደው ኣሎና፡ ኢየሱስ ሞት ስዒሩን ተንስኢን ሕይወት ይጽግው፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዓይኒ እምነት ወትሩ እግዚኣብሔር ንኽንርእን ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ጽንኵር እዋን ብዘየቋርጽ ጸሎት ማዕጾኡ ንኽኵሕኩሕ ይድግፈና፡ ኣብ ዙርያና ዘሎ ሰናይ ዘበለን ናይ ብዙሓት ምስክርነት ንኽንርእዩ የብቅዓና፡ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምህዞ ብጭቡጥ ንኽንትንክፍ ይገብረና፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ዘዘኻኽርዎ፡ . . .  ኣብ ጭቡጥ ኩነት ሕዝቢ እትነብር ቤተ ክርስቲያን፡ . . .  ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኩሉ  ኣብ ገዝኡ ክዕጸው ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ብዘይ እኩብነት በቢ ዘለኻዮ ብሓባር ዝተፈላለየ ንገራት ክትፍጽም ዝከኣል ምዃኑ ነስተውዕል ኣሎና፡ ኣቢያትን ክርስቲያን ብሓባር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኵሉ ንጸሎት ክነቅሕ መታን ደወላተን ከቃጭላ ክንደይ ምደለዅ፡ ዋላ’ኳ ተረሓሒቕና ንሃልው ግና ኣብታ ውስንቲ ሰዓት ብሓባር ኣብ ጸሎት ምርኻብ።

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብጠቕላላ ካብ ወርሒ መጋቢት ንነጀው ሸውዓተ ሰባት ብኮቪድ 19 ከምእተለኽፉን እቲ ጽንኵር እዋን ሰጊሮምዎን ጥዕናኦም እዚዩ ይመሓየሽ እውን ኣሎ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኢጣሊያ ኰነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ዕለት ብዕለት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክትትል ይግበር ኣሎ፡ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘገልግሉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ምምስጋን የድሊ።

ቅድስቲ መንበር ብናይ ኩሪያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ፡ ኣባይቲ ጽሕፈት ኣቢላ ምስ ኵለን ኣብ ዓለም ዝርከባ ኣባይቲ ክርስቲያን ትራኸብ ድጋፋ ተቕርብ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ካብ ዝርአየሉ እዋን ኣትሒዙ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቻይና ቅርበቶም ገሊጾም ናብቲ ኣብጁደ ናብ ዝርከብ ጨንፈር ካሪታስን ናብ ሰበኻ ሆንግ  ኮንግን ሓገዝ ከምዝሰደዱን፡ ንኢጣሊያን ኢራንን ስፐይንን እውን ከምኡ . . . ።

በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ምኽንያት ኣብ እኩብ ምዃን ክልኵል እዩ፡ ነቲ ለብዒ ንምድራት ክከኣል መታን ምእንቲ’ዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ኰነ ካልእ ናይ ሓባር ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ምእመናን ኣኪብካ ምዕራግ ክልኵል እውን እንተዀነ፡ ኣቢያተ ክርስቲያን በራተን ክፉት እዩ፡ ኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ስለ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ስድራ ዜቤታዊት ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ምእንቲ እዚ . . .  ንበዓለ ፋሲካ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእመናን ብተለቪዥን ክከታተልዎ ከምዝኽእሉን ቅዱስ ኣቦና ብጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ ኣቢሎም ንዅሉ ምሉእ ናይ ሓጢኣት ስርየት ኣዊጆም እዮም፥ . . . ኵሉ ኣብ ቤቱ  ብሓባር ክጽልን ቃል ኣምላኽ ከንብብን ከስተንትንን . . .  ኢየሱስ ቃል ኣምላኽ እዩ . . . ብቓሉ ሕይወትናን ቤትናን ምዅላዕ።

እንሰምዖ ዘሎና ዘሕዝን ብዙሓት ብለበዳ ኮቪድ 19 ንዝዓረፉ ካህናት ክበጽሕዎም ዘይከኣል ብምዃኑ ብዘይ ምስጢረ ቀንዲልን ብኣባይቲ ስድራኦም እውን ከይተፋነዉ፡ ብዙሓት እያቶም ስለዚህ ዝዀነ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበል ክጽልየሎምን ከጸናንዖን ዝከኣል እዩ፡ ኣብዚ ጽንኵር እዋን ወንጌላውነት ዓቢይ ግደ ኣለዎ፥ ምጽንናዕ ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ።

03 April 2020, 16:00