ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ሓድሽ ሕትመት ብቛንቋ ቻይና ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ሓድሽ ሕትመት ብቛንቋ ቻይና 

ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ሓድሽ ሕትመት ብቛንቋ ቻይና

ናይቲ መጽሔት ቀንዲ ዕላማ፥ “ዘራኽብ ድልድል ምሕናን ምሱ ኩሉ ሕዝብታት ዓለም ዘተ ምንቕቓሕ ዝብልን ምስ ኣማንያን ጥራሕ ዘይኮነ ምስቶም እምነት ክርስትና ዘይካፈሉ ንካልኦት ሰብኣዊ ዕሴታት ኣኽብሮት ምስ ዝዕቅቡ ኵሎም እውን እዩ”

እቲ ኣብ 1850 ዓ.ም. ዝተመስረተ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት Civiltà Cattolica - ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ፥ ካርዲናል ፓርሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ “እውነተይና ናይ ክፉት ዘተን ነባሪ ሰላም ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ዝብል ሸቶ ዘለዎ፡ ነቶም ውህበትን ውበትን ሓቅን ንዘናድዩ ዓቢይ መጋበርያን ባህልን ስነ ምርምርን ዘሀብትም እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ቀዳማይ ሕትመቱ ካብ ዘበግስ መበል 170 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ መጽሔት፡ ንፈለማ ጊዜ ብቋንቋ ቻይና ቀዳማይ ሕትመት ከምዘበገሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት ቻይንይና ክዛረብ እዩ፥ እዚ ካብ ዝቐውም መበል 170 ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል መጽሔት ብመንፈስ ኢየሱሳዊ ኣብ ቻይና ልኡካነ ወንጌል ማተዮ ሪቺ (ኣብ ኢጣሊያ ማቸራታ ዕለት 6 ጥቅምቲ 1552 ዓ.ም. ዝተወልደን ዕለት 11 መጋቢት 1610 ዓ.ም. ኣብ ቻይና ዝዓረፉ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር) እቲ ናይቲ ሪቺ ኣባል ናይ ዝኾንዎ ማሕበር  መጽሔት ብቛንቋ ቻይና ሕትመቱ ከበግስ ምዃን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ እቲ መጽሔት ብቋንቋ ቻይና ዝሕተም ዓለምን ዜናን ክርስቲያናዊ ኣስተንትኖ - ትንታኔን ባህልን ዝብሉ ኣርባዕተ ክፍሊ ዘለዎ ከምዝኾነ የመላኽት።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን በዚ ሓድሽ ብጋሴ ምኽንያት ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣሰናዳእን ኣባላትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነዚ ብጋሴ እዚ ንኢዶም፥ ናይቲ ፈታውን ፍቱውን ዝኾነ ሕዝቢ ቻይና ባህሊ፥ ካብ ምርኻብ ዝተበገሰ ምዃኑ ገሊጾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ፥ ናይቲ መጽሔት ቀንዲ ዕላማ፥ “ዘራኽብ ድልድል ምሕናን ምሱ ኩሉ ሕዝብታት ዓለም ዘተ ምንቕቓሕ ዝብልን ምስ ኣማንያን ጥራሕ ዘይኮነ ምስቶም እምነት ክርስትና ዘይካፈሉ ንካልኦት ሰብኣዊ ዕሴታት ኣኽብሮት ምስ ዝዕቅቡ ኵሎም እውን እዩ” ቢሎም ናይ ካቶሊካዊ መጽሔት ሕትመት ቋንቋ ቻይና፥እቲ መጽሔት ሸቶኡ እውነተይና ናይ ክፉት ዘተን ነባሪ ሰላም ኣብ መንጐ ሕዝብታት ዓለም ዝብል ኮይኑ፡ ነቶም ውህበትን ውበትን ሓቅን ንዘናድዩ ዓቢይ መጋበርያን ንናይ ሓድ ሕድ ባህልን ስነ ምርምርን ዘሀብትም እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቀዳማይ ሕትመት ካቶሊካዊ መጽሔት ብቋንቋ ቻይና፥እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ቻይናን ዝተበጽሔን ዝተፈረመን ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድን ትጽቢታቱን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ቻይናን ኣብ ቻይና ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝድህስስን ዘአውንን ካልኦት ሓሙሽተ ዓበይቲ ዜናታት ዘጥቓልል ከምዝኸውን ዜና ቫቲካን ካብቲ ናይቲ መጽሔት ኣሰናዳኢ ኣካል ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ሓድሽ ሕትመት ብቛንቋ ቻይና
21 April 2020, 14:55