በነዲክቶስ መበል 16 መበል 93 ዓመት ዕድመኦም ኣኽቢሮም፥ ምእንቲ ህሙማን ይጽልዩ በነዲክቶስ መበል 16 መበል 93 ዓመት ዕድመኦም ኣኽቢሮም፥ ምእንቲ ህሙማን ይጽልዩ 

በነዲክቶስ መበል 16 መበል 93 ዓመት ዕድመኦም ኣኽቢሮም፥ ምእንቲ ህሙማን ይጽልዩ

ብዛዕባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሓበሬታ ይበጽሖም ከምዘሎን ኣብ ሰሜን ኢጣሊያ ዘስዓቦ ህልቂትን በቲ ለብዒ ምኽንያት ዝዓረፉ ካህናትን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዜጋታትን ብዙሕ ከምዘሕዘኖምን ስለ እቶም ዝዓረፉን ዝሓመሙን ኣዚዮም ንስቓይ ዝተቓልዑን ይጽልዩ፡

ጋንስዋይን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 16 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. መበል 93 ዓመት ዕድመኦም በቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ከም ኵሉ ብዘይ በጻሕቲ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ከምዘብዓልዎ ገሊጾም፡  ይኹን ደኣ እምበር ብብዝሕ ፍቕሪ ተሰንዮምን ምእንቲ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ብምጽላይን ከምዘብዓልዎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕቱብነትን ሞሳ ንእግዚኣብሔርን እዚ ዕለታዊ ሕይወት በነዲክቶስ መበል 16 እዩ። መበል 93 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝቕመጥሉ እመ ቤተ ክርስቲያን ገዳም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ልብዒ ዝሓቶ ማሕበራዊ ምፍንታትን ምውሻብን ብዘኽብር ኣገባብ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ከምዘብዓልዎ ብጹዕ ኣቡነ ገዮርግ ጋንስዋይን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ብምኽንያት ዓመት ልደቶም ኣጋይሽ ኣይተቐበሉን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብስልክን ሰታሪትን ብእጦማርን ብዙሕ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መግለጺ መልእኽቲ ከምዝበጽሖምን ቅድሚ ኵሉ ካብ ሓዎም የኔታ ኣባ ገዮርግ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምዝበጽሖም ኣፍሊጦምን።

ብዛዕባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሓበሬታ ይበጽሖም ከምዘሎን ኣብ ሰሜን ኢጣሊያ ዘስዓቦ ህልቂትን በቲ ለብዒ ምኽንያት ዝዓረፉ ካህናትን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዜጋታትን ብዙሕ ከምዘሕዘኖምን ስለ እቶም ዝዓረፉን ዝሓመሙን ኣዚዮም ንስቓይ ዝተቓልዑን ይጽልዩ፡ ኣብ ናይ ኵሉ ስቓይ ህልው ኮይኖም ጸሎት የዕርጉ ኢሎም።

ብናይ ባቪየራ መንፈሳዊ መዝሙር ዝተሰነየ መስዋዕቲ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ጸሎትን ኣስተንትኖን ፈጺሞምን ጀርመናዊ ጋዜጠይና ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ሕይወት ታሪኽ ደራሲ ፐተር ሲዋልድ ዝደረሶ ታሪኾም ዘዘንትው ዕለት 4 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዕ መጽሓፍ ካብ ደራሲኡ ብምኽንያት ዓመት ልደቶም ገጸ በረኸት ኣብ ቀረባ መዓልታት ባዕሎት እቶም ደራሲ ከብጽሑሎም ዝደልዩ እውን እንተነበሩ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት በኣካል ክበጽሕሎም ድላይ ከምዝነበሮም ጋንስዋይን ገሊጾም፥ እታ “በነዲክቶስ መበል 16 - ሕይወት” ዘርእስቱ ብሲዋልድ ዝተደርሰ መጽሓፍ ብቤት ማሕተምን ድሮአመር ክናውር ዝተሓትመ ምዃኑ እውን ኣፍሊጦም፡ ሲዋልድ ብዛዕባ በነድክቶስ መበል 16 ታሪኽ ሕይወት ዝትንትን ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ከም ኣብነት ብገባብ ቃለ መሕትት ብርሃን ዓለምን ከምኡ እውን ናይ ምወዳእታ ዝርርብ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስወን መጻሕፍቲ ጠቒሶም ብጹዕ ኣቡነ ጋንስዋይን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

በነዲክቶስ መበል 16 መበል 93 ዓመት ዕድመኦም ኣኽቢሮም
17 April 2020, 00:41