ብጹዕ ካርዲናል ፐል ካብቲ ዝቐረበሎም ክሲ ዓመጽ ናጻ ተባሂሎም ብጹዕ ካርዲናል ፐል ካብቲ ዝቐረበሎም ክሲ ዓመጽ ናጻ ተባሂሎም 

ብጹዕ ካርዲናል ፐል ካብቲ ዝቐረበሎም ክሲ ናጻ ተባሂሎም

ስዒቡ ብጹዕ ካርዲናል ፐል ነቲ ናይ መወዳእታ ሕቶ ይግባይ ዝቕበል ላዕለዋይን ወሳንን ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ናይ ይግባይ ሕቶ ተመልኪቱን ነቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝቐረበ ክስን ዝተመሓላለፈ ውሳኔን ኩሉ ኣጻርዩ ብጠቕላላ እቶም ሸውዓተ ላዕለዎት ደያኑ ብምሉእ ድምጺ ነቲ ተመሓሊፉ ዝነበረ ፍርዲ ውድቂ እንክብል

ናይ ኣውስትራሊያ ላዕለዋይ ወሳኒ ቤት ፍርዲ ኣባላት ሸውዓተ ደያኑ ብጹዕ ካርዲናል ፐል ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ፈጺሞምዎ ብዝብል ክሲ ይግባይ ዝከታተል ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሌኦም ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ብይን ብምሉእ ድምጺ፡ ብጹዕ ካርዲናል ፐል ካብቲ ገበን ናጻ እዮም ዝብል ውሳኔ ኣመሓላሊፉን ካብቲ ገበን ናጻ ከምዝበሎምን ክሕበር እንከሎ፡ ብጹዕ ካርዲናል ፐል እቲ ክሲ ካብ ዝቐረበሎም ዕለት ኣትሒዞም እቲ ፍፈጺሞምዎ ዝበሃል ገበን ፈጠራን ሓሶትን እዩ እንክብሉ ንጹሕ ምዃኖም ደጋጊሞም ይግለጹ ከምዝነበሩ ክፍለጥ እንከሎ፥ እነሆ ድማ እቲ ገበን ኣይወዓልዎን ዝብል ውሳኔ ተመሓላሊፉን ናጻ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ስምዕን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ከምእንዝክሮ እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ መልቦርን ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕለኦም ዝቐረበ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሞም ዝብል ክሲ ኣሞርኵይዙ ኣብ ልዕሌኦም ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ናይ ማእሰርቲ ውሳኔ ደሓር እውን ተኸሳሲ ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ዘቕረብዎ ይግባይ ዝምልከት ካልኣይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ዓ.ም. ወርሒ ነሓሴ ነቲ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከምዘጽንዖ ይዝከር።

ስዒቡ ብጹዕ ካርዲናል ፐል ነቲ ናይ መወዳእታ ሕቶ ይግባይ ዝቕበል ላዕለዋይን ወሳንን ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ናይ ይግባይ ሕቶ ተመልኪቱን ነቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝቐረበ ክስን ዝተመሓላለፈ ውሳኔን ኩሉ ኣጻርዩ ብጠቕላላ እቶም ሸውዓተ ላዕለዎት ደያኑ ብምሉእ ድምጺ ነቲ ተመሓሊፉ ዝነበረ ፍርዲ ውድቂ እንክብል፡ ካብቲ ገበን ናጻን ከምዝበሎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ እዞም 78 ዓመት ዝዕድመኦም ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዞም ካብቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝቐርብ ዝነበረ ክሲ ንጹሕ ምዃኖም ክገልጹን ክሕብሩን ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ሎሚ ካብቲ ኩሉ ክሲ ናጻ ተባሂሎም ካብቲ ዝነበርዎ ኣብ ባርዎን ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ሜልቦርን ናብ ዝርከብ ገዳም ከምዝኸውዱ ኣፍሊጡ።

ብጹዕ ካርዲናል እቲ ኣብ ልዕለኦም ዝቐረበ ክሲ ኰነ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ኩሉ ብምቅዋም ካብቲ ክሲ ናጻ ምዃኖም ብዘይ ምቍራጽ ይግልጹ ከምዝነበሩን ኣዘኻኺሮም፡ ሓቂ ጥራሕ እዩ ናይ ፍትሓዊ ፍርዲ መሰረት፡ ፍትሒ ማለት ሓቂ ንዅሉ ማለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካርዲናል ፐል ነቶም ጉዳዮም ዝከታተሉ ዝነበሩ ጠበቓታቶምን ንዅሎም ስሌኦም ዝጽልዩ ንዝነበሩን ኣብዚ ጽንኩር እዋን ቅርበቶም ንዝገለጹሎም ኵሎም ከምዘመስገኑን፡ እቲ ኣብ 1990 ዓመታት ኣብታ ዘገልግሉላ ዝነበረት ቁምስና ዘገልግል ዝነበረ መንእሰይ ኣብ ልዕለይ ዓመጽ ፈጺሞም እንክብል ዘቕረቦ ክሲ መሰረት ዘይብሉን ዘይተፈጸመ እውን ምዃኑ ተመስኪሩን ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓሶት ዝኸሰሶም ምንም ዓይነት ጽልእ ኰነ ቕርሕንቲ  እውን ከምዘየሕድሩ ገሊጾም፡ ሓቅን ፍትሕን ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብስም ናይ ኣውስትራሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ሊቀ ጳጳሳት ማርክ ኮለሪድጀ ናይቲ ላዕለዋይ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ብጹዕ ካርዲናል ፐል ካብቲ ዝቐረበሎም ክሲ ናጻ እዮም ዝብል ውሳኔ ሰናይ ዜና እዩ፡ ተዓዋትን ተሳዓርን ንምባል ዘይኰነ ሓቂ ሰዓሪት እያ ቢሎም፡ ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣተኵሮኣ ኣይተዳኽምን ከምዝበሉን፡ ቅድስቲ መንበር ቅድም ናይ ኣውስትራሊያ ቤት ፍርዲ ዘመሓላልፎ ውሳኔን ደሓር እውን ነዚ ካብ ክሲ ናጻ እዮም ዝብል ናይ መወዳእታ ውሳኔ ትቐበል፥ ቅድም ክብል ገበነይና ብዝብል ናይ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ምኽንያትን ደሓር እውን ናጻ ዝብል ናይ መወዳእታ ናይ ፍርዲ ውሳኔ ዘቕርቦ ምኽንያት ብትዕግስቲ ትጽበ። ዝዀነ ይዅን ተኸሳሲ ክሳብ ገበነይና ተባሂሉ ተጻሪዩ ዝፍረዶ መሰል ንጽሕና ካብ ገበን ክኽበረሉ ከምዘለዎ ተዘኻኽር፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ምክልኻልን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ክውገድን ኣብዚ መዳይ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዓመጽ ዝፍጽሙ ካህናት ዝግባእ ፍርዲ ክረኽቡ ተተሓሳስብን ኣብዚ መዳይ ምስ በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርዲ እውን ምሉእ ምትሕብባር ከምእትገብርን መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ።

07 April 2020, 23:51