ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ቆይሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ቆይሙ 

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ቆይሙ

ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተቕዋም ቅድስቲ መንበር ዝነበሩ ኣባይቲ ጽሕፈት ሰብኣዊ ሃብቲ ዘወሃህድን ብሓደ ዝጥርንፍ

ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማና መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ብቕዱስነቶም ዝተመዘ ጉባኤ መማክርት  ብፁዓን ካርዲናላት ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዘመላኸትዎ ሓሳብ ቅዱስነቶም ይዅንታ ዝሃቡሉ ውሳኔ መሰረት፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዳሜ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ መላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማት ዝተፈላለዩ ናይ ነፍሲ ወከፋዊ ተቕዋም ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ሰብኣዊ ሃብቲ ዘዋህድ ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ ዘወሃህድ ቤት ጽሕፈት መምርሒ (ምሕደራ) ከምዝቖመ ቫቲካን ዜና ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ናይ ሃይማኖታዊ ተግባር ዝሓልይ ተቕዋም ዝነበሮም ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሃብቲ ዝጥርንፍን ዘዋህድን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ዝቖመ ጠቕላሊ ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ ዘወሃህድ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ፡ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተቕዋም ቅድስቲ መንበር ዝነበሩ ኣባይቲ ጽሕፈት ሰብኣዊ ሃብቲ ዘወሃህድን ብሓደ ዝጥርንፍ ከምዝዀነን እዚ ኸኣ ሓባራዊ ኣሰራርሓን ኪደት ክህልው ዝገብር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ቆይሙ
07 March 2020, 18:02