ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ሃገረ ጣልያን ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ሃገረ ጣልያን 

ብምኽንያት ህጹጽ ኩነታት ኮቪድ 19 ቤ/ክ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣትን ተኽእሎ ሓፈሻዊ ፍትሓትን፡ ትህብ

ምሥጢረ ንስሓን ፍትሓትን እትኃሊ ማኅበር ቅድስት መንበር ነቶም ብሕማም ኮሮና ዝሳቐዩን ንኣኦም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘገልግሉን ብዝተፈላለየ መንገዲ ስለኦም ንዝጽልዩ ምእመናንን ዝምልከት ኣዋጅ ዕለት 20 መጋቢት 2020 ዓም ኣዊጁ። ኣብዚ ህጹጽ ኩነታት ኮሮና ቫይረስ ተኽእሎ ኃፈሻዊ ፍትኃት እውን ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን

ኣብዚ ህጹጽ ኩነታት ኮሮና ቫይረስ ንምሉእ ዓለም ዘሳቅየሉ ዘሎ ሕሱም እዋን እዚ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቀዩስ ይኹን ነቶም ብኣገልግሎት ሕክምና ምሳኦም ዝቃለሱ ኣለይቲ ሕሙማት ከምኡ እውን ንኩሉ ሥድራቤቶምን ብዝተፈላለይ መንገዲ ዘሳስይዎምን ዘሰንይዎምን ብኣካልስ ይኹን ብጸሎት ንዘሰንይዎም ካብቲ ዘይነጽፍ በረኸት መዝገብ ቤተክርስትያን ፍሉይ ህያብ ምሉእ ሥርየተ ሓጢኣት ትዕድል።

ነዚ ኣዋጅ እዚ ብስም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝኸተሙ ናይ ዓቢይ መናዘዚ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፕያቸንሳን ኣብኡ ዝእዝዙ ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶፍ ኒከል እዮም።

 እቲ ኣዋጅ ከምዘመልክቶ 'ንዘሎናዮ ጽንኩርን ከቢድን እዋን ህጹጽ ኩነታት ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ምናዳ ከኣ በዚ ለበዳ ሕማም ተወጺዔን ንዘለዋ ዞናታት ኣብ ግምት ብምእታው ክሳብ እዚ ኩነታት እዚ ዚሃድእን ምስዚ ፍሉይ ህያብ ምሉእ ሥርየተ ሓጢኣት ሓፈሻዊ ፍትሓት እውን ክትህብ ከምዝከኣል ንገልጽ ማለት ግላዊ ኑዛዜ ክትፍጽም ኣብ ዘይትኽእለሉ ንብዙሓት ምእመናን ብሓባር ሥሬተ ፍትሓት ክትህብ ይከኣል' ይብል። እቶም ነዚ ፍሉይ ህያብ ሥርየተ ሓጢኣት ዝዕደሎም ከኣ ኣብ ኲነት ጸጋ ተረኺቦም ንዝዋስኡ ብሓጢኣቶም ተጸጸቶም ምሕረት ዝልምኑን  ኰይኑ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ቦታ ንስሓ ክኸፍልዎ ንዝነበሮም ዕዳ  ናይ ዝተነስሑሉ  ኃጢኣት ፍሉይ ህያብ ካሕሣ - ብሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ሎሚ የደቅስዎ።

ነዚ ሥርየተ ሓጢኣት እዚ ንምርካብ እቶም ብኮረና ቫይረስ ዝሓመሙ እሞ ምስ ማንም ንከይራኸቡ ኣብ ውሸባ ዝርከቡ ከምኡ እውን እቶም ንዓታቶም ዘገልግሉ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ኣባላት ሥድራቤትን ጸሎተ ሃይማኖት ብምድጋምን ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ብምጽላይን ዝኾነ ጸሎት ናብ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምብጻሕን እንክኸውን እቶም ካልኦት ካብዘን ዝስዕባ ጸሎታት ብምግባር ክረኽብዎ ይኽእሉ። - ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን

-ጸሎተ መለኮታዊ ምሕረት

- ጸሎተ መቊጸርያ

- ብመራኸቢ ብዙኃን ቅዳሴ ብመንፈሳውነት ምስታፍ

- ኣብ ቅድሚ መስቀል/ ስቑል ኢየሱስ ፍኖተ መስቀል ምጽላይ  (ነዚታት ዘገልግል ቦታ ጸሎት ኣብ ውሽጢ ገዛ ምስንዳው)

  ካልእ መንፈሳውነታት ምዝውታር ማለት ከም

-  ብመንፈሳውነትን ግብረ ሠናይን (ፍቅሪ ብጻይ) ምውዓሉ

- ብፍቅሪ ስም እኖና ድንግል ማርያም ምጽዋዕ

- ምእንቲ ሓሳብ ር. ሊ.ጳ. ምጽላይ  ወ.ዘ.ተ.

ሓፈሻዊ ፍትሓት ብዝምልከት እቲ ነዚ ዚፍጽም ካህን እንተኽኢሉ ኣቀዲሙ ንጳጳሱ ከመልክት ኣለዎ እቲ ጳጳስ ከኣ ኩነታቱ ርእዩ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኡ ወይውን ክልል ሰበኻኡ ንዘገልግሉ ካህናት ከፍቅድ ይኽእል።

መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቁ. 1452 ‘እግዚኣብሔር ኪፍቀረሉ ካብ ዘለዎ፤ ካብቲ መልእልተ-ኵሉ ዝኾነ ፍቕሪ እትፍልፍል ጸጸት “ፍጽምቲ” ትበሃል (ናይ ፍቕሪ ጸጸት)። ከምዚ ዝበለት ጸጸት ንንኡስ ኃጢኣት ትድምስስ። ከምኡ’ውን ብዝተኻእለን ብዝቐልጠፈን ናብ ምሥጢረ ኑዛዜ ንምቕራብ ብቱኽ ውሳኔ ኣብ ዝተገብረሉ ኵሉ፤ ብመንፅር ዓቢይ ኃጢኣት’ውን እንተኾነ ኅድገትን ምሕረትን ተውህብ እያ።’ ይብል።

ስርየተ ኀጢኣት ንዕደለሉ ዕድል እዩ እሞ ንባዕልናን ንብጾትና ንጠቀመሉ።

21 March 2020, 07:27