ኣብ 2022 ዓ.ም. ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ 2022 ዓ.ም. ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ 

ኣብ 2022 ዓ.ም. ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ

ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓም. እቲ ቅዱስነቶም ኣብ 2022 ዓ.ም. ንኽካየድ ክጽዋዕ ዝዀነ ሲኖዶስ ብዛዕባ እንታይ ይምከር ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣኼባ ኣካይዱን

ናይ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ድሕሪ ክልተ ዓመት መበል 16 መደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ንኽካየድ ከምዝወሰኑን፡ እቲ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ዝዝትየሉ ርእሰ ጉዳይ ንምውሳን እቲ ዓውደ ርክብ ንቕዱስነቶም ሰለስተ መዛተይ ኣርእስታት ከም ሓሳብ ከምዘቕረበን እቲ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ዝመኽረሉ ርእሰ ጉዳይ ውሳኔን ምርጫን ናቶም እውን ከምዝኸውን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2022 ዓ.ም. ብዝተኻእለ መጠን ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ውሑስ ዝዀነሉ መበል 16 ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤ ንኽካየድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዕለት 6 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብ ዘካየዶ መበል 15 መደበይና ጉባኤ መማክርት ተረኺቦም ከምዝወሰኑ ዝሓበራ ኣኵይኖ ኣስዒበ፡

ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓም. እቲ ቅዱስነቶም ኣብ 2022 ዓ.ም. ንኽካየድ ክጽዋዕ ዝዀነ ሲኖዶስ ብዛዕባ እንታይ ይምከር ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣኼባ ኣካይዱን እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዛዕባ መንእሰያ ዝመኸረ ሲኖዶስን ቅዱነቶም ክርስቶስ ሕያው እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስን ማሕታኡን ኣብ ዝብል ዝክረ ነገር እውን ከምዝመኸረን ገሊጸን፡ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ እውን፡ ሰለስተ ናይ መዛተይ ሓሳብ ከምዘቕረበን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ እቶም ብዘይ ድላዮም ንስደት ዝዳረጉ ናይ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ስቓይን መከራን ኣማእኩሉ ዘትዩን ሕጹጽ ኣገዳስነት ድጋፍን ምትሕብባርን ዝብል ሓሳብ ከምዘስመረሉን የመላኽታ።

ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ፥ ናይቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየተ ንኽዀኑ ዝተሓርዩን ዝተወሃቦም ሓዋርያዊ ሓላፍነት ብወግዒ ዝጀመሩ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብ ፓኪስታን ናይ ካራኪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲና ጆሰፍ ኩትስ ተኪኦም ናይቲ ናይ ጉባኤ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ሓድሽ ኣባል ንኽዀኑ ብናይ ክፍለ ዓለም እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ብሰፊሕ ኣብላጺ ድምጺ ከምእተሓርዩ ከምዘፍለጡን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

17 February 2020, 18:12