ናይ የኔታ ፐርላስካ ሰነዳትን ናይ መርበባዊ መሳርዕ ንመርመራ ይግበት ናይ የኔታ ፐርላስካ ሰነዳትን ናይ መርበባዊ መሳርዕ ንመርመራ ይግበት 

ናይ የኔታ ፐርላስካ ሰነዳትን ናይ መርበባዊ መሳርዕ ንመርመራ ይግበት

ኣብቲ ዚካየድ ዘሎ ምጽራይ እቲ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ኣካል ሓለዋ ጸጥታ ብዘካየዶ መርመራን ነዚ ዝተረከበ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘካይዶ ዘሎ ምጽራይ ከም ኣብነት ጠቒሶም በዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበን ኣመልኪቶም እውን ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን

ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓይሊ ጸጥታ፡ ብዛዕባ ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ዕደጋ ኣባይትን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ዘካየዶ መርመራ ስዒቡ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ሓሙሽተ ናይ ቅድስቲ መንበር ሰራሕተይናታት ካብ መደበይና ስርሖም ክእገዱ ከምዝገበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነቲ ሓይሊ ጸጥታ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ መርመራ ኣደጊፉ ናይ መቕጻዕቲ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ እውን ቫቲካን ነውስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓይሊ ጸጥታ ክፍሊ መርማሪ ገበን ድሕሪ ዘካየዶ ዓሚዩቕ መርመራ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓሙሽተ ናይ ቅድስቲ መንበር ሰራሕተይናታት ካብ ስራሕ ክእገዱን ስለ እቲ ፈጺሞምዎ ዝበሃል ዘሎ ገበን እውን ክጻረ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈን፡ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበን ብዛዕባ ምፍሳስ ሃብቲ ገንዘብን ዕደጋ ኣባይትን ዝምልከት ኰይኑ፡ ነዚ ስዒቡ እውን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ መደበይና ኣስራቲ ሕጊ ጃን ፒየሮ ሚላኖን ተራዳኢ ዳይና ኣለሳንድሮ ዲዲ ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ መሰረት እውን ኣብ  ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቀዳማይ ክፍሊ ቤት ምሕደራ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ነበር የኔታ ኣልበርቶ ፐርላስካ ኣብ ቤት ጽሕፈቶምን ቤቶምን ዝርከቡ ሰነዳትን መርበባዊ መሳርዓትን ንምጽራይ ገበን ብዝብል ውሳኔ ክግበት ከምዝገበረን፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ ዕደጋ ኣባይትን ምስ ዝምልከት ተግባር ዝተተሓሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ ኵሎም ተኸስስቲ ጉዳዮም ተጻርዩ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ከሳብ ዘመሓላልፍ ካብ ገበን ንጹሓን ዝብል ግምት ውሑስ እውን ምዃኑ ናይቲ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ከምዘመላኽተ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣካያዲ ሕግን ሓለዋ ጽጥታትን ብምትሕብባር ነቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበን ምስ ዝምልከቶ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣባይቲ ፍርዲ ብምትሕብባር የጻርይ ከምዘሎን፡ እቲ ዝጥርጠር ገበን እውን ስልጣን መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ዝብል እዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ክጻረ ሓሳብ ዘቕረበ እውን ናይ ቫቲካን ናይ ቁጠባን ተቖጻጻርን ኣካልን ናይ ሃገረ ቫቲካን ሃይማኖታዊ ተግባር ተቕዋምን ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት መርመሪ ኣካል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ነዚ ጉዳይ እዚ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 15 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መባእታ ዓመታዊ ዕዮ 2020 ዓ.ም.  ብወግዒ ንምብጋስ ንኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቫቲካንን ካልኦት ሰበ- ስልጣናትን ተቀቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ‘ብእትፍጽምዎ ስራሕ እተኣማመን እየ’ ቢሎም፡  እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን  ካብ ውሽጢ ቫቲካን ንዝነበረ ናይ ቁጠባ ጸገም ርእዩ ዘካየድዎ ናይ ምጽራይ ዕዮ ዝምስገን እዩ ከምዝበሉ ክዝከር እንክሎ፡ ኣብ ዘቅረብዎ ምዕዳን፡ ብቐዳምነት ፍትሒ ኣብ ቤት ከምዝጅምርን እዚ ፍትሒ እዚ ከኣ ኣብ ሕግታትን ምክትታሎምን ምትኳር ጥራሕ ዘይኮነ ፍትሒ እውን ናይ ልቡ ጉዳይ ስለ ዝዀነ፡ ልቢ ክኽፈትን ንዅሉ ብሕልና ክመርሕን ክኽእል ከምዘለዎ ገሊጾም። ልቡ ዘይተተንከፈ ሰብ ግላዊ ለውጢ ሕልና ዘየካየድ ሰብ ፍትሒ ከውጽእ ብመንገዲ ፍትሒ ክመላለስ ዘጸግም ስለዝዀነ፡ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዝእዝዞ ፍትሒ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ነፍሲ ወከፍ ግላዊ ለውጢ ሕልና ለውጢ ልቢ የድልዮ ኢሎም። እዚ ዓይነት ፍትሒ እዚ ጥራይ እዩ ሓቀይና ፍትሒ ክወልድ ዝኽእል ምስ በሉ፥ ፍትሒ በይኑ እኹል ከምዘይኮነን ካልኦት መንፈሳውያን ሓይልታት እውን ከምዘድልዩ ኣብሪሆም … ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ቊጠባዊ ኩነታት ሃገር ቫቲካን ርእሰ ፍተሻ ተኻዩዱን ናይ ምጽራይ ከይዲ ይሳለጥ እውን ከምዘሎ ዘኪሮም፡ ነዚ ኩነታት እዚ ፍሉይ ዝገብሮ  እቲ ዝተፈጸመ ገበን ክህሉ ይኽእል ዝብል ምጥርጣር ካብ ከርሲ ቫቲካን ብምብጋሱ እዚ ናይቲ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ናይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ብቅዓት ምዃኑ የመልክት። እዚ ከኣ ንጉዳይ ቁጠባን ገንዘብን ብዝምልከት ብዓለም ለኸ መምዘኒታትን ሕግታትን ኣገባባትን ስርዓቱ ሓልዩ ንክስራሕ ካብ ንእውጅ ኣትሒዝካ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

ኣብቲ ዚካየድ ዘሎ ምጽራይ እቲ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ኣካል ሓለዋ ጸጥታ ብዘካየዶ መርመራን ነዚ ዝተረከበ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘካይዶ ዘሎ ምጽራይ ከም ኣብነት ጠቒሶም በዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበን ኣመልኪቶም እውን ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘስመሩሉ ይዝከር።

ናይ የኔታ ፐርላስካ ሰነዳትን ናይ መርበባዊ መሳርዕ ንምርመራ ይግበት
19 February 2020, 16:31