ነቲ እውነተይና ቃል ጽን ብምባል ንባዶን ናይ ዓመጽን ቃላት ትም ምባልን ነቲ እውነተይና ቃል ጽን ብምባል ንባዶን ናይ ዓመጽን ቃላት ትም ምባልን  መዘኻኸሪ

ነቲ እውነተይና ቃል ጽን ብምባል ንባዶን ናይ ዓመጽን ቃላት ትም ምባልን

ዓለምና ብዅሉ ተበኪሉ ልብና ረሲሑ ተበኪሉ ስለዘሎ ካብቲ ኩሉ ናይ ዓመጽ ዘረባን ከንቱነትን ፍንትት ምባል የድሊ። ኩሉ ተገላቢጦሽ ኰይኑ ሓደርካ ዝብለካ ዝጸርፈካ ብዙሕ ዝዀነሉ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓ.ም. መርሓ ፍጻሜታት መዘክር፥ ዕለቱ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ 2020 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም እትጅምረሉ ዕለት ብምዃኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ዝፈጸመዎ ስነ ስርዓት ረቡዕ ናይ ሓሙዅሽትን ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝለገስዎ ስብከን፡ ቅድሚ እዚ ስነ ስርዓት’ዚ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱን፡ ዕለት 28 ለካቲት 2020 ዓም. ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ምክልኻል ዘካይድዎ ጻዕርን ኣገልግሎትን ዝተሓባበርዎምን ዘሰንይዎምን ዝቐውም ግብረ ሓይሊ ብወግዒ ክቐርቡን ክላለዩን ምዃኖም ዘመላኸቱ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱን፡ ዕለቱ እውን ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ 2020 ዓ.ም. እዋን ዓቢይ ጾም እትጅምረሉ ዕለት ብምዃኑ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ምኽንያት ብምግባር እውን፡ ብዛዕባ ዓቢይ ጾም ስፍሕ ዝበለ ትምህርቲ ከምዘቕረቡን፡ እንተወሓደ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም፡ ካብ ተለቪዥንን ተለፎን ፍልይ ኢልና ንጽጉማት ብምርዳእ ኣሰር ኢየሱስ ንከተል እንክብሉ ምዒዶም፡ ዘመነ ዓቢይ ጾም ንቃል እግዚኣብሔር ንምስማዕ ምሩጽ ግዜ እዩ። ንተለቪዥንን ተለፎንን ዓጺና ቅዱስ መጽሓፍ እንኸፍተሉ እዋን። ካብ ናይ ኢድ ተለፎና ተፈሊና ምስ ቅዱስ መጽሓፍ እንጣመረሉ ጊዜ። ዘመነ ዓቢይ ጾም ምድረበዳ ኰይኑ ንዅሉ ገዲፍካ ምስ ወንጌል እትዛመደሉ እዩ። ንዘይጠቅም ትርፊ ዘረባን ሕሜትን ጸለመን ወጊድ እትብለሉ ጊዜ እዩ። ምስ ጐይታ ልቢ ንልቢ እተዕልለሉ። ንንጽሕና ልቢ እትሰርሓሉ እዋን። ዓለምና ብዅሉ ተበኪሉ ልብና ረሲሑ ተበኪሉ ስለዘሎ ካብቲ ኩሉ ናይ ዓመጽ ዘረባን ከንቱነትን ፍንትት ምባል የድሊ። ኩሉ ተገላቢጦሽ ኰይኑ ሓደርካ ዝብለካ ዝጸርፈካ ብዙሕ ዝዀነሉ። ከም ናይ መወዓውዒ ንግዲ ባዶ ዝኾነ ቃላት ምድግጋምን ተለሚዱስ ብዛዕባ ዘድልን ዘይድልን ብዙሕ ይዝረብ፡ መንፈስ ዓለም ኣብ ኩሉ ገኒኑ ዓፊኑና ይርከብ። ካብዚ ክንድሕን ናብ ምድረበዳ ምውጻእ እዩ። ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ኣብ ሕልናና ንዝዛረበና ቃል ኣምላኽ ክንሰምዖ ንጽገም። ኢየሱስ ናብ ምድረ በዳ ክጽውዓና ነቲ ኣድላይን መሰረታውን ዝኾነ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ይዕድመና። ነቲ ፈታኒ ዲያብሎስ ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር እንታይ ደኣ በቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ቃል እዩ` (ማቴ 4.4) ቢሉ ዝምልሰሉ ከኣ ነዚ እዩ። ልክዕ ከም መግቢ ዕለት ኣኳ ደኣ ካብኡ ብዝያዳ መንገዲ ምስ እግዚኣአብሔር ክንዛረብ እሞ በቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ቃላት ክንምገብ እዩ ነዚ ንምግባር ከኣ ምጽላይ የድሊ። ጾም፥ ከንቱ ዝዀነን ጠገለ ዘይብሉን ኵሉ ሓዲግና ናብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ እነድህበሉን እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ምሕረት ተግባራት ንኽንፍጸም መታን ናብቶም ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ከነብል ይድርኸና፡ እዚ እዩ እቲ ናብ ፋሲካ ዝወስድ መገዲ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡ ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝነምጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ብፍላይ ካብ ዒራቕ ንዝመጹ፥ “ንኣኻትዅም ካብ ዒራቕ ዝመጻእኩም ቅርበተይ ክገልጸልኵም እፈትው፡ ብሕድ ሕዳዊ ውግእ እትሳቐዩን ስሌዅምን ስለ እታ ክበጽሓ ኣብ ልበይ ዘላ ሃገርኵምን እጽልይ” ቢሎም ኣስዒቦም እውን ብተህዋስ ኮረና ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ሕማም ምኽንያት ንዝሳቐዩን ነዚ ሕማም’ዚ ንምብዳህ ዝዓዩ ሓኻይምን ተመራመርትን ስብ ሙያ ክንክን ጥዕናን መንግስታትን እጽልይ፡ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ናይ መገዲ ኣየር ኢጣሊያ ሰራሕተይናታት ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ ስራሕ ቅልውላው መፍትሒ ክርከቦን ስለ ኣባይቲ ስድራኦምን እጽልይ” ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ቅድም ክብል ከምዝሓበርናዮ እውን ቅዱስነቶም ብምኽንያት ምእውታው ዓቢይ ጾም ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዕዎ ረቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ ስነ ስርዓት፥ ድዅማትን ተኣፈፍትን መወትን ኢና፡ ኣብቲ ማእለያ ዘይብሉ ፍጥረት እግዚኣብሔር ብእግዚኣብሔር ዝተፈቕሩ ሓመድ ኢና፡ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር እቲ ዝኸበረ ሓመድ ኢና፡ ንኽንፍቀርን ከነፍቅርን ደቂ እግዚኣብሔር ንኽንከውን ዝተፈጠርና ኢና፡ ዓቢይ ጾም ናይ ጸጋን ናይ ፍቕሪ ጥማቶ እግዚኣብሔር ኣባናን ኣብ ልዕሌናን ምዃኑ እነስተውዕለሉ እዋን እዩ፡ ዕንወትን ውድቀትን ፍርስራስን ውግእን፡ ዝንጸሉ ንጹሓን ዕሸላትን፡ ናይ ዝንጸጉ ድኻታት ሕይወትን ከም ጓሓፍ ናይ ዝሕሰቡ ኣረጋውያን ሕይወትን፡ ንገዛእ ርእስና ዝጐድእን ናብ ሓመድ ዘምልሰና መገዲ እዩ፡ ኣብ ርክባትና ክንደይ ሓመድ ኮን ይህሉ፡ ኣብ ቤትናን ኣባቲ ስድራናን፡ ባዕእስን ምዕርምራምን ውግእን ምስሓባባትን ምቱኽታኻትን፡ ይቕረታ ኣይትሓዘለይ ንምባል ዓቐበት ዝዀነና፡ ክንመሓርን ክንምሕርን ዝሰኣነና፡ ይግብኣንን መሰለይን ክብረይን ንምባል ጥራሕ እንቀዳደም፡ ፍቕሪ ዘመራስሕን ሕይወትና ዘኽፍእ ማእለያ ዘይብሉ ሓመድ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤት እግዚኣብሔር እውን ሓመድ ክኹመር ንፈቅድ፡ ናይ ዓለም ናይ ምዃን ሓመድ መአከብ ንገብራ፡ ነቲ ሓመድ ምዃንና እግዚኣብሔር ናብ ክብሪ ክቕይሮ ዝከኣሎ እዩ፡ ምስ እግዚኣብሔር ንኽንዕረቕ ንፍቀድ፡ እቲ ልብና ዝፈልጦን ዘፍቕሮን ዘሕውዮን ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ፡ ምስጢረ ንስሓ ይሕድሰናን ልብና የንጽሖን፡ ናብ ፋሲካ መታን ንኽንጓዓዝን ንኽንብጽሕን፥ ክም ፍቑራት ደቂ እግዚኣብሔር ንዕርቂ ሕራይ ንበል ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።

ዓቢይ ጸም፡ እዋን ምልዋጥ፡ ናብ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን - ብጻይን ንኽንብል ዝድርኽ ለውጢ እንጽገወሉ እዋን፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመነ ዓቢይ ጾም ኣብ ብራዚል እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ጐስጓስ ሕውነት ዝብል መደብ እተካይደሉን ኰይኑ፡ እዚ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተበገሰ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ዓቢይ ጾም ዝካየድ መደብ’ዚ ምኽንያት ናብ ብራዚል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ሕውነት ነቲ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነትን ሸለልንተይናነትን ንምስናፍ፡ ሕውነት ከም ደቂ - እግዚኣብሔር ንምንባር፡ ክርስቲያን ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ምምሳል ዝትግህ እዩ፡ ልቡ ከፊቱ ናይቲ ኣብ ጸገም ዝርከብ ሓው ገዓርን ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይን መከራን ናቱ ገይሩ ንኽቃላሕ ዝገብር እዩ፡ ንናይ ሓው ጸገም ቀረባ ንምዃን እቲ ናይ ሓው ጸገም ኣባኻ ከም ናትካ ኰይኑ ኣብ ልብኻ ምስ ዝቓላሕ እዩ፡ ስለዚህ ምልዋጥ ናብ እግዚኣብሔር ካብ ንሓው ምግልጋል ዝተነጸለ ኣይኰነ፡ ናብ እግዚኣብሔር ምባልናን ምልዋትናን ዝምዘን ንሓውና ብዘሎና ፍቕሪ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ናብ ብራዚል እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ ይዛዝሙ።

ነቲ እውነተይና ቃል ጽን ብምባል ንባዶን ናይ ዓመጽን ቃላት ትም ምባልን
27 February 2020, 18:22