መንፈሳዊ ሱባኤ መንፈሳዊ ሱባኤ 

መንፈሳዊ ሱባኤ፡ ኣባ ቦቫቲ፥ እግዚኣብሔር ጽን ምባል ነቢያዊ ተመክሮ እዩ

ሙሴ ምስቲ ሃልሃል ዝብል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ይራኸብን ነቲ ካብቲ ሃልሃል ዝብል ዝነበረ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝመጽእ ዝነበረ ቃል ኣምላኽ ጽን ይብል፡ ናይ ሰብን ሕይወትን ዘብርህ ኣብ መገዲ ሕይወት ዝመርሕ ቃል ኣምላኽ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ዝርከብዎም ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዘካይድዎ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ምኽንያት ናይ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ዞባ ላዚዮ ከባቢ ከተማ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ክሳብ ዕለት 6 መጋቢት 2020 ዓ.ም ብቕዱስነቶም ብዝተሓርዩ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፒየትሮ ቦቫቲ ብዝቐርብዎ ቃለ ኣስተንትኖን ስብከትን ተመሪሑ ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሽዱሽተ ከምእተጀመረ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እዚ መንፈሳዊ ሱባኤ’ዚ ኣመልኪቶም ኣባ ፒየትሮ ቦቫቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይቲ ሱባኤ መርሕ ቃል፥ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሃልሃልታ ሓዊ ተራእየ (ጸኣት 3.2) ዝብል ምዃኑን ሓቢሮም፡ ርክብ እግዚኣብሔርን ሰብን፡ ዝብል ሓሳብ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ኰይኑ ኣብ ኦሪት ዘጸኣትን ወንጌል ማተዎስን ጸሎት መዝሙረ ዳዊትን ዘማእከለ ከምዝኸውን ሓቢሮም።

ኣባ ቦቫቲ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ድርገት ዋና ጸሓፊ ከምዝዀኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ሙሴ ምስቲ ሃልሃል ዝብል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ይራኸብን ነቲ ካብቲ ሃልሃል ዝብል ዝነበረ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝመጽእ ዝነበረ ቃል ኣምላኽ ጽን ይብል፡ ናይ ሰብን ሕይወትን ዘብርህ ኣብ መገዲ ሕይወት ዝመርሕ ቃል ኣምላኽ፡ እዚ ናይ መንፈሳዊ ሱባኤ ኣምር እዩ፡ ብመሰረቱ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መንፈስ ምስ እግዚኣብሔር ዝራኸበሉ፡ ዝዀነ ይኹን መራሔ ሱባኤ ወይ ከኣ ሰባኬ መንፈሳዊ ሱባኤን ኣበ ነፍስ እውን፡ ነዚ ርክብ’ዚ ባይታ ዘመቻችእ እዩ (ብሓይሊ እግዚኣብሔር) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንእግዚኣብሔር ጽን ክብልን ቃል ኣምላኽ ከስተባህልን መታን፡ ስለምንታይ ንሱ ጥራሕ ንነፍሲ ወከፍና ሓባሪ መገዲ ሕይወት ስለ ዝዀነ ኢሎም።

ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ሱባኤ ቃል ኣምላኽ ከስተባህል። ብዝቐርብ ኣስተንትኖን ብዝንበር ጸሎትን ነቢያዊ ተምክሮ ምንባር፡ ሱባኤ ማለት ንሱ እዩ፡ ልክዕ ከም ሙሴ፡ ምንባሩ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከምዝነበረ፡ እግዚኣብሔር ዘይዛረብ ኰይኑ ክስምዖ እንከሎ ንሱን ሕዝቡን ዝጠፍኡ ኰይኑ ይስምዖምን ይርበሹን ከምዝነበረ፡ ናይ እዋንና ጸገም ማለት ኣብ ብዙሓት ክርስቲያን ዝረአይ፡ ነዚ ተመክሮ ዘይምግባር እዩ፡ ቃል ኣምላኽ ዘይምስማዕ ምጥፋእ ብዘይ ቦሶል ምትራፍ ማለት ምዃኑ ዘይምስትውዓል እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ተመክሮ፡ መላእ ሕይወት ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ እዩ፡ ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ እዩ ዘስተርእይ።

ብዛዕባ ጸዋዕታን፡ ንጸጋ እግዚኣብሔር ምቅላስ (ምቅዋም) ሳዕቤኑን ብዛዕባ ዝተቐበልናዮ ሓላፍነትን፡ ነዚ ዅሉ ብምስትንታን ካብኡ ተበጊስካ ምስቲ መጸናንዒ ዝዀነ እግዚኣብሔር ምርኻብ፡ እቲ መልሲ ኣብዚ ምርኻብ’ዚ እዩ፡ ነቲ ንሰብ ካብ ሰብኣውነቱ ኣዚዩ ቀረባኡ ምስ ዝዀነ፡ ሕይወትካ ክትቕይርን እቲ ንመገድታትካ ብርሃን ዝኸውን እግዚኣብሔር ምርኻብ እዩ ምስ በሉ፡ ጸሎት ንብዙሓት ኵነታት መንፈስካ ንእግዚኣብሔር ምሕባርን ምንጋርን እዩ ዝመስለና፡ በዚ ዓይነት ኣገባብ’ዚ እውን ኢና ንጸሎት እንርድኦ፡ ብርግጽ እዚ ናይ ጸሎት ሓደ ኵርናዕ እምንበር ኵሉ ንሱ ማለት ኣይኰነን፡ እቲ ዓሚቕ ናይ ጸሎት ማዕዶት ግና፡ ኦ ጐይታ ንስኻ ተዛረብ ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ ምባል እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ሙሴ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ድንኳን ምእታው ማለት እዩ፡ ናብ ቤቱ ትኣትው እሞ ጽን ትብሎ፡ እዚ እዩ እቲ እውነተይናን ናይ እውነተይና ሃይማኖት ተመክሮ፡ ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ዝገበሮ ልቢ ምትራር ኣይፋል ምባል፡ ትረት ልቢ ምውጋድ ድምጹ መታን ክንሰምዕ ኢሎም።

ናይ ሙሴን ናይ ነቢያትን ናይ ኢየሱስን ደሓር እውን ናይ ሓዋርያትን ተመክሮ፡ ንብዙሓትና እዚ ተመክሮ እዚ ንዕዱላትን ዝተፈልየ ተመክሮን ኵይኑ እዩ ዝረአየናን እንሓስቦን እውን፡ ከምኡ ግና ኣይኰነን፡ ነፍሲ ወከፍና ምስ እግዚኣብሔር ግላዊ ርክብ ክህልወና ዝከኣል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክኡል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

መንፈሳዊ ሱባኤ
29 February 2020, 18:16