ናይ ልእኽቲ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ኣምባሳደራት ናይ ልእኽቲ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ኣምባሳደራት  ርእሰ ዓንቀጽ

ናይ ልእኽቲ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ኣምባሳደራት

ዋሕዲ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ነዚ ጸገም’ዚ ምሉእ ብምሉእ መልሲ ክህብ ዝኽእል እውን ኣይዅን ንተልእዀ ወንጌል ስድዋት ዝዀኑ ካህናት ንምርካብ ዘተባብዕ እዩ፡ “ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ገዳማት ንሓዋርያዊ ተልእዀ ወንጌል ቀናኣት ንኽዀኑ ዘተባብዕ ሕንጸት ክረኽቡን፡ ንወንጌላዊ ልኡክነት መንፈስ ክሕነጹን” ኣድላዪ ምዃኑን

ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መጻኢ ሓዋርያዊ ልኡካን (ኣምባሳደራት) ንኽዀኑ ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሜላዊ ርክባት ተቕዋም (ኣምባሳደራት/ሓዋርያዊ ልኡካን) ዝሕነጹ ካህናት ዝግብኦም ስነ ሕንጸት ኣጠናቒቖም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ድዩ ኣብ ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያናት ሓዋርያዊ ልኡካን (ናይ ቅድስቲ መንበር ኣምባሳደራት) ኰይኖም ቅድሚ ምምባዶም ንሓደ ዓመት ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ንኸገልግሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ተቕዋም ኣቦ መንበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘተሓሳሰቡን ነዚ ኣማእኪሎም “ኣምባሳደራት ናይ ወንጌላዊት ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን”  ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣሰናዳኢ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣንድረያ ቶርኒየሊ - Andrea Tornielli  ዕለት 17 ለካቲት 2020 ዓ..ም. ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን (ኣምባሳደራት) ኰይኖ ንኸገልግሉ ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ርክብ ሜላ ተቕዋም (ናይ ስነ ዲፕሎማሲ ተቕዋም) ዝሕነጹ ካህናት ካብቲ ዝወሃቦም ግቡእ ሕንጸት ወጻኢ ኣብቲ ተቐዋም ዝግብኦም ትምህርቶም ኣጠናቖምን ተመሪቖምን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ድዩ ኣብ ናይ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ላኡካን ኰይኖም ቅድሚ ምምዳቦም ንሓደ ዓመት ካብተን ዝመጹለን ሰበኻታት ወጻኢ ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ንኸገልግሉ ክለኣዅ ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ውሳኔ ናይቲ ተቕዋም ክፍሊ ናይ ሕንጸት መደብ ከምዝኸውንን እዚ ውሳኔ’ዚ ካብ 2020 ክሳብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ትምህርቲ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ቶርኒየሊ የመላኽቱ።

ዋሕዲ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ነዚ ጸገም’ዚ ምሉእ ብምሉእ መልሲ ክህብ ዝኽእል እውን ኣይዅን ንተልእዀ ወንጌል ስድዋት ዝዀኑ ካህናት ንምርካብ ዘተባብዕ እዩ፡ “ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ገዳማት ንሓዋርያዊ ተልእዀ ወንጌል ቀናኣት ንኽዀኑ ዘተባብዕ ሕንጸት ክረኽቡን፡ ንወንጌላዊ ልኡክነት መንፈስ ክሕነጹን” ኣድላዪ ምዃኑን እዚ እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ኣማባሳደራት ንኽዀኑ ዝሰናደዉ ናይ መጻኢ ሓዋርያውያን ልኡካን ናይ ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ልኡካነ ክዀኑ ዝድርኽ እዩ።

እዚ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውሳኔ ነቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ርክብ ሜላ ተቕዋም ዝሕድስን ኣብቲ ዘቕርቦ ስነ ሕንጸት ሓድሽ ራእዩ ዘሳዅዕን፡ ካብቲ ናይ ቤትካ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ውጽእ ቢልካ እጄታኻ ዓጺፍካ ኣብ ወጻኢ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ኣብ ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክትዋሳእ ዝድግፍ ምዃኑ ቶርኒየሊ ይሕብሩ።

መላእ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታታን ኣብ ኵሉ ጽፍሕታታን፡ ልእኽቲ ወንጌል እያ፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ እትብል ኣብ ወሰናስንን ደጋዊ ፍክሊ ከተማታትን ህልውናን እተገልግልን እያ። ኣብ ብስራተ ወንጌል ዘየላ ቤተ ክርስቲያን ቤተ ክርስቲያን ኣይኰነትን፡ ካብ ገዛእ ርእሳ ዘይትወጽእ ርህውቲ ዘይኰነት ቤተ ክርስቲያን ኣድልዎን ብልሽውናን ዘጋጥማ ከምእትኸውን ኣብቲ ጃኒ ቫለንተ ንቕዱስ ኣቦና ኣብ ካይድሎም ቃለ መሕትት መስረት ገይሩ ኣብ ዝተደረሰ መጽሓፍ ተመልኪቱ ከምዘሎን፡ ብዘይ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስትያን ብናይ ገዛእ ርእሳ ሓይሊ እትፍጽሞ ነገር ሓደ’ኳ የልቦም፡ ዝነኣድ መደባት ዝሳለጠላ ትካል ኣይኵነንት፡ ተልእዀኣ ዝነኣድ ትካላዊ ውጥን እውን ኣይኰነን፡ ሰብኣዊ መደባትናና ሜላታትን ተበግሶታትናን ብዘይ ጐይታ በናኒ እዩ እዚ ኸኣ ከምቲ ኢየሱስ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትእሉን ኢዅም ከምዝብሎ እዩ፡ እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የጠቓልሉ።

(Andrea Tornielli)

17 February 2020, 18:14