ኣዩሶ ጕይክሶት፡ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኣሰር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣዩሶ ጕይክሶት፡ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኣሰር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 

ኣዩሶ ጕይክሶት፡ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኣሰር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን

እቲ ሰነድ ካብ ካቶሊካውን ሃይማኖት ምስልምናን ዓውዲ ኣስተንትኖ ዝተወልደ እውን እንተዀነ ዘቃልሖም ክብርታት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርቛሒ እዩ

ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብናይ ምስሪ መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ዳቢ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ተኸቲሙ ወግዓዊ ዝዀነ ናይ ሓባር ሰነድ ምኽንያት ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ነታ ናይታ ሰነድ ቅዉም ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ኣብቲ ናይቲ መጽሔት ድር ገጽ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ኣተኵሮ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል እይሶ ጕይክሶት ዝደረስዎ መቕድም ዘሳዀዐ ጽሑፍ ንንባብ ከምዘብቀዔ ክፍለጥ እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዝተፈረመ ሰነድ ነቲ እንነብረሉ ዘሎና ዝተመሰቓቐለ ዳርጋ ኣቡቀለምሲስ ክትብሎ እውን ዝክኣል እዋን ንምብዳህ ዘብቅዕ ጭቡጥን ብብርቱዕን ኪደት እዩ ዝብል ጽሑፍ ሰፊሩ ከምዘሎን፡ እቲ ሰነድ ዘመላኽቶ ሕውነት ዘይጭበጥ መጸናንዒ ኣብ ዝዀነ ረቒቕ ሓሳብ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ዘይኰነስ፡ ንናይ ሓባር ናብራ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ትግቡር ክገብሮ ዝኽእል መምዘኒ እዩ፡ ስለዚህ ብህጹጽ ፖለቲካዊ መምዘኒ ክኽውን ይሓትት፡ ነዚ ሓሙሽተ ክፍልታት ዘለዎ ኣብቲ ናይ ኢየሱሳውያን መጽሔት ድረ ገጽ ፍሉይ ኣተኵሮ ክግበረሎም ዝግባእ ቃላት ኣብ ዝብል ገጽ ናይ መቕድም ጽሑፍ ዘንበሩ ካርዲናል እዩሶ ጉይክሶት እቲ ሰነድ ዘንብሮም ክብርታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ዝዓይን ዘነቓቕሕን ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ኣቦ መንበር ከምዝዀኑ ዝዝከር ኰይኑ፥

ናይ ቤተ ክርስቲያን ህርኩት ጻዕሪ ንዘተ ኣናስራዊ ተልእዀ እዩ

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ጉዕዞ ኣቡ ዳቢ ፍሉይ ቦታ ዝሓዘ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ጥልቃውነት ክህልዎ ዝድርኽ መስተማዕዶት ዘርእይ ሓድሽ መስኰት ዝኸፈተ እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔታት ካብ ዝዀነ Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመንን Dignitatis Humanae - ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ዘርእስቱ ውሳኔታት ዘመልክትዎ ቅዉም ሓሳብ ዝቖመን በቶም ውሳኔታት መሰረት ኣብ ዝተበገሱ ዓለም ሓቆፍ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር መዓልቲ ጸሎት ኣብ ኣሲዚን ዝጸንዔ ምዃኑ ኣብሪሆም፡  ዝተፈላለያ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሓቂ መንፍሳውያን ነጋድያን ናይ ሰላም ነጋድያን ከምዝዀና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎን በነዲክቶስ መበል 16 ዘቐጸልዎን ሎሚ እውን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ኣሲዚ መንፈስ ኣሰር ዝገበረ ሰነድ እዩ እንክብሉ ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም የመላኽቱ።

ብሓባር ሓድሽ መጻኢ ንምሕናጽ ተኸኣሊ እዩ

እቲ ሰነድ ካብ ካቶሊካውን ሃይማኖት ምስልምናን ዓውዲ ኣስተንትኖ ዝተወልደ እውን እንተዀነ ዘቃልሖም ክብርታት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርቛሒ እዩ፡ … ንምትግባሩ ናይ ኵለን ሃይማኖታትን ሰዓብትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ህርኵት ጻዕሪ ይሓትት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም.  ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ዘካየድዎ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ታይላንድ ንናይ ቡድሃ ሃይማኖት መንፈሳዊ ልዑል ፓትሪያርክ ኣብ ቤተ መቕደስ ዋት ራትቻቦፊት ሳቲት ማሓ ሲማራን ተረኺቦም ነቲ ሰነድ ከም ገጸ በረኸት ዘቕረቡሎም ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፡ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ኣብቲ ኣዚዩ ዝተገማምዔ ዓለም ናይ ሕውነትን ምርድዳእን ናይ ምርኻብን ባህሊ ንምቛ ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ግደአን ከበርክታ ዝምዕድ እዩ፡ ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እውን ናይ ርህራሀ ባህሊ ክተባባዕ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ብፁዕነቶም ዘኪሮም፡ እቲ ሰነድ ንዅለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝምልከት እዩ ኢሎም።

ካርዲናል ጉይክሶት ዝደረስዎ መቕድም፥ እቲ ናይቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ክርስትናን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልማን ዘሎ ርክብ ክንየው ንዅሎም ኣብ መንጐ እቶም እግዚኣብሔር ፈጣሪ ኵሉ ቢሎም ንዝኣምኑን ሓድ ሕዳዊ ሌላን ኣብ መንጐኦም ምትሕብባርን ዝፋቐሩ ኣሕዋት ኰይኖም ንኽነብሩ ዘተባብዕ እዩ እንክብሉ ይዛዝሙ።  

ኣዩሶ ጕይክሶት፡ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኣሰር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን
14 January 2020, 17:40