ክውንነትን ተስፋን ክውንነትን ተስፋን  ርእሰ ዓንቀጽ

ክውንነትን ተስፋን

ዘለዉ፡ ኣብ ለይቲ ቤተልሄም ከሃሌ ኵሉ ሕጻንን ድኻን ትሑትን ኰይኑ ናብ ዓለም ክምጽእ ደልየ ስለ ዝተወልደ ብፍቕሩ ብፍድፋድ ፍቕሩን ምሕረቱን ንዓለም ክንስዕርን ቀረባ ክንከውንን፡ ስለ ምውላዱ ተስፋ ምግባር ዝከኣል እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli)  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝጸንሔ ባህሊ መሰረት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎምን ዘስምዕዎ መደረ፥ ክውንነትን ተስፋን ብዝብል ኣርእስቲ ኣጠቓሊሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለይ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ኩነታት ዓለም ዘደገፈ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝቀላቐል ዘሎ ሓድሽ ውጥረት ፍሉዩ ኣተኵሮ ዝገበሩሉን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ እውን ዕለት 5 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ዝዀነ ይዅን ዘይምርድዳእ ብዘተን ብርእሰ ምቁጽጻርን ብምኽባር ዓለም ሓቆፍ ሕግታትን ክፍታሕ ከምዘለዎን፡ እዚ ንዅሎም ኣብ ዝተፈላለየ ውግእን ውጥረትን ንዝርከቡ ዝምልከት እዩ ንኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጥራሕ ዘይኰ እቲ ሓድሽ ውጥረት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘንበሮ ጽልዋን፡ ብሓፍሻኡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘንብሮ ንዘይቅቡል ሳዕቤናቱ ዓቢይ ግምት ዝህብ እዩ።

ናይ መላእ ዓለም የዕንቲ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ዝጠጠወ እዩ። ነተን ድሮ ምርግጋእ ዘይብለን ሃገራት ብውግእን ግብረ ሽበራን እትደምይ ዘላ ኢራቕ ንተደራራቢ ጸገም ዝዳርግን ናይ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ስንኩፍ ኩነት ዘግድድን እዩ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ዓለም ብዙሕ ዘይንገረሉ ዝተረስዓ ውግእ ዝተፈላለያ ሃገራት እናሓሰቡ፡ ነታ ብውግእ ኣዚያ ዝደመየትን ዝዓነወትን እታ ብውግእ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ጸገም ኣጋጢምዋ ዘላ የመንን ኣብ ቡርኪና ፋሶን ማሊን ኒጀርን ናይጀሪያ ዘሎ ዓመጽን ብእምነቶምን ንወንጌል ብዘለዎም ተኣማንነት ኣሸበርትን ጸንፈይናታትን ዝቕተሉን ይዝክሩ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ህልው ኩነታት ዓለም ብዕምቆት ዝትንትን ነዊሕን ጥልቅን ቃሎም፡ ከይጠቐሶ ዝሓለፈ ዘሰክፍ ኩነት ሓደ’ዃ የልቦን፡ ብምኽንያት ኢፍትሓውነት ምግባረ ብልሽውናን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝጓሃሃር ዘሎ ለበዳ ሕዝባዊ ናዕቢ ዝዳህሰሰን ኰይኑ፡ ክርስቲያን ካብ ክውንነት ዝተነጸለ ኣይኰነን፡ እዚ ዓቢይ ብልጫ - ረዚን ክብሪ ምዃኑ ዘርጋግጽ እዩ፡ ተስፋ ምግባር ምትስፋው ማለት ንዘጋጠመ ጸገም ኵሉ ብስሙ ምልላይን ንምግጣሙን ተባዕ ምዃን ማለት እዩ፡ ውግእን ዓመጽን ዘንበሮ ዕንወትን ህልቂትን ከይረሳዕካ፡ ትርጉም ኣልቦ ውግእን ኣቲ ኢግብረ ገባዊ ዝዀነ ቅድድም ኑክለሳዊ ኣጽዋርን እዚ ዘንብሮ ስግኣታት ኵሉ ከይረሳዕካ፡ ኣብ ምኽባር ሕይወትን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝርአይ ዘሎ ምንቁልቋልን ዝርአይ ዘሎ ስእነት መግብን ዝስተይ ጽሩይ ማይን ሕጽረትን ስእነትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ኵሉ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ከይረሳዕካ።

ኣብዚ ንጽልእን ዓመጽን ንቅጽራውነትን ዝተፈርደ ዝመስል ዓለም ተስፋ ምግባር ዘይከኣል እይኰነን ብዙሕት ኣብቲ ጽንኩርን ምግምማዕን ፈላላይ መናድቕን ጽልእን ዝብል ዓለም ንምርኰ ኣይፋል ዝብሉ ኣለዉ፡ ኣናርአዩ ከምዘይረኣዩ ኰይኖም ዘይሓልፉ፡ ስለምንታይ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ሰላማዊ ዓለም ንምሕናጽ ዝራኽቡን ዝፍትኑን ስለ ዘለዉ፡ ስለምንታይ በጽሒ ወለድ ነቲ ብእዲደ ሰብ ክተውጾ ናብ ዘይከኣል ዕንወትን ብከላን ዘብል ዘሎ ንፍጥረት ቅድው ምስትዓል ክገብር ዝድርኹ መንእሰያት ስለ ዘለዉ፡ ኣብ ለይቲ ቤተልሄም ከሃሌ ኵሉ ሕጻንን ድኻን ትሑትን ኰይኑ ናብ ዓለም ክምጽእ ደልየ ስለ ዝተወልደ ብፍቕሩ ብፍድፋድ ፍቕሩን ምሕረቱን ንዓለም ክንስዕርን ቀረባ ክንከውንን፡ ስለ ምውላዱ ተስፋ ምግባር ዝከኣል እዩ እንክብሉ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)   

ክውንነትን ተስፋን
11 January 2020, 17:01