ካሪኵይርይ፥ ላቲን ኣመሪካ እዋናዊ ከቢድ ቅልውላው መፍትሒ ክርከቦ ትሓትት ካሪኵይርይ፥ ላቲን ኣመሪካ እዋናዊ ከቢድ ቅልውላው መፍትሒ ክርከቦ ትሓትት 

ካሪኵይርይ፥ ላቲን ኣመሪካ እዋናዊ ከቢድ ቅልውላው መፍትሒ ክርከቦ ትሓትት

ዘእምን ርትዓዊ መልሲ ኣክንዲ ምንዳይ ናይቲ ዝረአይ ዘሎ ጸገም ምኽንያት እቲ ጸገም ክፍታሕ ዝሓትት ሕዝቢ ዘለዓዕሎ ናዕቢ እዩ ቢልካ ነቲ ሕቶ ንምዕፋን ዝግበር ጸቕጢ ነቲ ስንኩፍ ኩነት ዘብእስ እምበር ዘህድእ ኣይኰነ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያ፡ ከምቲ ደጋጊሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግዜ ምልክት ከተለልይ

ደርማስ ኢማዕርነትን ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ዝርአይ ዘሎ ድኽነትን ለብዒ ብላዕን ምግባረ ብልሽውና ቅልውላው ፖለቲካዊ ህልዮታትን፥ እዞም ቃላት እዚኣቶም ብውሑዱ ነቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ተኽሲቱ ዘሎ ዘሻቕል ቅልውላው ኣብ ፈቐዶ ጐደናታት ዝረአይ ንዘሎ ዝባዊ ናዕብታት መቐወማት ቢልካ ክትገልጾም ዝከኣል ምዃኖም ዛዕባ ላቲን ኣመሪካ ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ዋና ጸሓፊ ፕሮፈሰር ጉስማን ካሪኵይርይ ለኩር ኣብ ዓውደ ጉባኤ ንላቲን ኣመሪካ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካውያን መራሕቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘስመሩሉ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሮበታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፕሮፈሰር ካሪኵይርይ ነቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ባህላውን ብሓፈሻኡ ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ናይ ሓባር ረቛሒ ኰይኑ ዘሎ ታሪኻዊ ቅልውላው ጥልቂ ትንተና ንምቕራብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እንታይ እዩ ዝኽሰት ዘሎ? ብዝብል ተራን ቀሊልን ብዝመስል ሕቶ ኣበጊሶም፡ ንመላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዘጥቅዕ ዘሎ፡ ኢማዕርነት፥ ጽዑቕ ሃብቲ ኣብ ኢድ ምልከ ውሁዳንን እቲ ብዙሓን ህዝቢ ዕለታዊ ሕይወቱ ንኽመርሕ ዘካይዶ ጽንኩር ቃልስን መነባብሮኡ ከመሓድረሉ ዘኽእሎ እቶት ዘይብሉን ክኸውን ዝድርኽ እዩ።

ኣብ ጐደናታት ዝባራዕ ዘሎሕ ዝባዊ ናዕቢ

እዞም ተወላዲ ኡራጉዋይ ኣብቲ ብዛዕባ ላቲን ኣመሪካ ዝግደስ ጳጳሳዊ ድርገት ዋና ጸሓፊ ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሕዝባዊ ሕቶን ናዕብን ኣብ ዝዓፍረሉን፡ ኣብ ሃይትን ፖርቶሪኮን ኒካራጉዋይን ኮሎምቢያን ኤኳዶርን ቨነዝወላን ቦሊቪያን ቺለን ዘሎ ህልው ኵነታት ጠቒሶም፡ እቲ ዝረአይ ዘሎ ሃዋሁ ቅልውላው መልሲ ንኽረክብ ዝጽዕር ፖለቲካዊ ኰነ ናይ ምሁራን ምይይጥ እውን ዳርጋ ዘየለ እዩ ዝመስል ቢሎም፡ ዘእምን ርትዓዊ መልሲ ኣክንዲ ምንዳይ ናይቲ ዝረአይ ዘሎ ጸገም ምኽንያት እቲ ጸገም ክፍታሕ ዝሓትት ሕዝቢ ዘለዓዕሎ ናዕቢ እዩ ቢልካ ነቲ ሕቶ ንምዕፋን ዝግበር ጸቕጢ ነቲ ስንኩፍ ኩነት ዘብእስ እምበር ዘህድእ ኣይኰነ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያ፡  ከምቲ ደጋጊሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግዜ ምልክት ከተለልይ እንክብሉ ዝህብዎ ምዕዳን መሰረት ኣብ ምንባብን ምልላይን ናይ ግዜ ምልክት ክትተግህ ኣለዋ ምስ በሉ፡

ማሕበራዊ ኢማዕርነት ምቅላስን ምውጋድን

ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ጭቡጥ ማሕበርነትን ምዝዛም እቲ ንዓለም ኣብ ቅልተ ድባብ መቒሉ ዝነበረ ኪደት ፖልቲካን፡ ዝሑል ውግእን ውድቀት ማርክሳውን ለኒናውን ፖለቲካዊ ህልዮን እቲ ተዓዋቲ ዝመስል ሓድሽ ርእሰ ማልነት ናይ ኢኮኖምን ቁጠባን ስልጣን ዘቀላቐለ ኢማዕርነትን ውሑዳት ኣብ ምኽዕባን ሃብትን ጽጋብን ብዙሓት ኣብ ሓሳርን መከራን ምንጻልን ዝዳረገ ናይ ሕዝብታት ናዕቢ መንቀልን ናይ ኤኮኖሚ ውግእ ዘባርዕን ኰይኑ ከምእተረኽበን እዚ ኸኣ ርእሰ ማልነት ዘንበረ ሓድሽ ስርዓት ዓለም ኣብ ቅልውላው የእትውን ኵለ መደያዊ ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡

ክብ እናበለ ዝኸይድ ገልታዕታዕ ሕዝብታት ንኣልቦ ተስፋ መጻኢ

እቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝረአይ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕብን ተቃውሞን ድኽነትን ኢማዕርነትን ዝወልዶ እምበር ከምቲ ናይ ጸጋም ኰነ ናይ የማን ናይ ፖለቲካ ውድባት ዝብልኦ ውዲት ዘንቀሎ ኣይኰነን፡ እቲ መልሲ ክኸውን ዝግብኦ ፖለቲካ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጺፉ ምኽንያት ውርደትን መከራን ኰይኑ ክርከብ የብሉን፡ ኣብ መርሕነት ዘለዉ ይኹን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ናይ ግልን ናይ መንግስቲ ትካላት እውን ዝለከመ ብላዕን ምግባረ ብልሽውና ሕዝቢ ክጻወሮ ናብ ዘይኽእለሉ ደረጃ የብሕን ድምጸይ ይሰማዕ ንኽብል ይድርዀ ኣሎ ቢሎም፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝረአይ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብን ህዝባዊ ኣድማን ናይዚ ኵሉ ውጽኢት እዩ።

ከቢድ ውድቀት ናይ መንግስቲ ተቕዋማት

እቲ ቅልውላ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ኰነ ኣብ ሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን እቲ ምልከ ምዕባለ እደ ጥበብ ዝብልን ትካላትን ብሓፈሻኡ ኣብ ናይ መንግስትን ናይ ግልን ተቕዋማት እምነት ንኸይትገብር ይድርኸ፡ ማሕበር ሰራሕተይናታት ዘዳኽም ኩነት ክፍጠር እውን ይገብር። ስለዚህ ደው እትበለሉ ባይታ ዳርጋ ዘይብልካ ኰይኑ ይስምዓካ፡ እዚ ዅሉ ቅልውላው ናይ ፖለቲካ ውድባት፡ ናጻውያን ድያቶም እተን ዓቃብያን ዝበሃላ ናይ ፖለቲካ ውድባት ኵለን፡ ኣክንዲ ናይ ሕዝቢ ሽግር መፍትሒ ኣብ ምርካብ ዝጽመጻ ካልእ ኣርእስታት እናልዓልካን ጽንሲ ምንጻል ይፍቐድ ኣይፈቐድ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት መርዓ ይፈቐድ ኣፈቐድ፡ ሓድሽ ዓይነት ናይ ስነጾታዊ ትምህርቲ ምቕራብን ኣብ ዝብሉ ምስቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ምንም ዓይነት ርክብ ዘይብሎም ሓደስቲ ኣርእስታት መሃዝያን ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ ከምዝበሉ ጆሶቲ ሓቢረን።

ናይ ርእሰ ተወካሲ ፖለቲካ ቅልውላው

እቶም ናይ ጸጋም ይዅኑ ናይ የማን ናይ ፖለቲካ ውድባት፡ ኣክንዲ እቲ መልሲ ክኸውን ዘይክኣለ መርገጺ ቢለን ዝኣምናሉ ፖለቲካዊ ህልዮታተን ዘወግዳ ኣብ ርእሰ ውከሳኤን የጠጥዋ፡ እዚ ርእሰ ውካሰ እዚ ንገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዩ ዘተኣታትው፡ እዚ ኸኣ ዝረአይ ዘሎ ጭቡጥ ኵነት እዩ፡ ሕዝቢ ኣብ ናይ ፖለቲካ ውድባት ይኹን ኣብ መራሕትን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ዘይተኣመን ይኸው ኣሎ፡ ብዙሓት ኣካላት ነቲ ዘሎ ናይ ሕዝቢ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘይኰነ ነቲ ጸገም ኣብ ስልጣን ዘብጽሕ መዳይቦ ገይሮም ክጥቀምሉ ይረአይ፡ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘየገድሶምን ድኻታን ዝተነጸሉን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓት ዘይብሎም ቁሊሕ ዘይብሉ፡ እዚ ናይቲ ርእሰ ተወካሲ ፖለቲካ ምልክት ቅልውላው እዩ። ናይቲ ዝርአይ ዘሎ ጸገም ተሓታቲ ካልእ እዩ ምባል፡ ህዝብነት ስርዓተ ፖለቲካ ይወልድ፡ ህዝብነት ስርዓተ ፖለቲካ ኣብ ታሪኽ ዘስዓቦ  ከቢድ ጸገም ናይ ቀረባ ተዘክሮ ዓለም እዩ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ግደ ብሔራዊ ዘተ ምንቕቓሕ እዩ

ብእላዪ ደሞክራሲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ዘሎ ስርዓት ኰይኑ ከምዘሎ ዝገለጹ ፕሮፈሰር ካሪኵይርይ፡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕንጸትን ናይ ባህልን ናይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ናይ ሃይማኖታትን ተቕዋማት ኵለን ብሔራዊ ዘተ ኣብ ምትብባዕ ክርከባ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ናይ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ረብሓታት ጽግዕተይና ከይኰኑ ብስርዓት ደሞክራሲ ዝቀራያየሩን፡ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝግደሱ ክዀኑ ይግባእ፡ ናይ ቤተ ቤተ ክርስቲያን ግደ ሕንጸትን ምንቕቓሕ ሓቀይና ሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ደሞክራስን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ጂሶቲ ኣስዒበ፡

ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ናጽነት

ክንየው እቲ ዝርአይ ዘሎ ምልከ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ሓድሽ ርእሰ ማልነት ስርዓትን ምልከ ስርዓትን ማሕበርነትን ክንየው ዝብል ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ናይ ኵሉ ህዝቢ ናይ ሕይወት ክብሪ ውሕስ ክኸውን ዝጠልብ ትጽቢትን ኡጦብያን ዓባይ ሃገር ዝብል ብርቱዕ ድላይ ከይቕሕም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ለበዋ ብፍጹም ከይዝንጋዕ እተሓሳሲቦም፡ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ናጽነት ላቲን ኣመሪካ ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ኤኮኖሚያውን ባህላውን ህልዮኣውን መግዛእቲ ምእንቲ ናይ መላእ ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ ረብሓ ብዝብል ጽኑዕ እምነት ንኽብዳህ ዘብቅዕ  ክኸውን ሓደራ ቢሎም፡ ናይ ትማሊ ናጽነት ናይ ሎሚ እውን ክኸውን ኣለዎ፥

ሓድሽ ህላዌ ካቶሊካውያን ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ

ምእንቲ’ዚ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ህላዌ ካቶሊካውያን ኣገዳሲ ጥራሕ ዘይኰነ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድመኦም  ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብን ሰብ ትካላትን መንእሰያት፥ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ብዝብል ኣርእስቲ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተጠሊቡ ካብ ዕለት 26 መጋቢት ክሳብ ዕለት 29 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ኣብ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ንምስታፍ ካብ 115 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 3.300 መንእሰያት ሰብ ትካላትን ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብን ዝሳተፉ ምዃኖም ጠቒሶም፡ ቅዱስነቶም ህላዌ ካቶሊካውያን ኣብ ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራዊ ዓውድታትን ዘለዎ ኣገዳስነት ንምረጹኒ ጐስጓስ ዘይኰነ ብሓቂ ኣማራጽን ብሉጽ ሓሳብን ሃናጺ ህየሳ ዘቕርብ ንጹር መለለዪ ማሕብረ ክርስቲያን ዘቃልሕ ክኸውን ከምዘለዎን፡ ንብጽሉጽ ዓለም ዘሰንይ መገድን ክሕብሩ ምዃኖም ዘየጠራጥር እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።

ካሪኵይርይ፥ ላቲን ኣመሪካ እዋናዊ ከቢድ ቅልውላው መፍትሒ ክርከቦ ትሓትት
23 January 2020, 17:39