ድለ

ቱርክሶን፥ ድርዀት በቐል ምስናፍ፡ ቅልውላው ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ከብቅዕ ቱርክሶን፥ ድርዀት በቐል ምስናፍ፡ ቅልውላው ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ከብቅዕ 

ቱርክሶን፥ ድርዀት በቐል ምስናፍ፡ ቅልውላው ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ከብቅዕ

ድሕሪ መቕተልቲ ጀነራል ሱለይማኒ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢራን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝተሓበሮም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ክነግስ ተማሕጺኖም፡ እንነብረሉ ዓለም ኣብ ሰላም ምእማን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘረድእ ኩነት እዩ ከምዝበሉን

ኣብ ልዕሊ ጀነራል ሶለይማኒ ብኢድ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ እናዓበየ ዝኸይድ ስግኣትን ምልክታ ፍርሒ የተኣታትው ከምዘሎን፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ንድርዀት በቐል ምስናፍ የድሊ ቢሎም፡ እቲ ቅልውላው ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ከይበጸሔ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሜላ ርክባት መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ክቀላጠፍ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ብቐጥታ ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ መሰረት ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከቢቢ ኣብ ልዕሊ ኢራናዊ ጀነራል ቃሰም ሶለይማኒ ዝተፈጸመ ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ዝለከመ ግብረ ቅትለት ንህዝቢ ዒራን ከምዘቖጠዔን ኣብ ርእሰ ከተማ ተሄራን ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቕትለት ዝዅንን ንዱር ሕዝባዊ ሰላማዊ ኣድማ ይካየድ ከምዘሎን፡ ናይ ኢራን መንግስቲ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት፡ ግብረ ሽበራ እንክብል ክገልጽ እንከሎ፡ ኣያቶላሕ ሰየድ ኣሊ ክሃመኒ ከቢድ ግብረ መልሲ ዝወሃቦ ግብረ ቅተለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡ ናይ ሕቡራት መንስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ ድረ ገጽ ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፡ ጀነራል ሱለይማኒ ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ኣብ ዒራን መንግስቲ ዝቃወም ሰላማዊ ናይ ኣድማ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩን ናይ ብዙሓት ብሚሊዮናት ናይ ዝቑጸሩ ካልኦት ዜጋታት ሞት ተሓታቲ ከምዝነበሩ ዝሕብር መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ገሊጾም፡ እዚ ዝተፈጥረ ውጥረት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ዓቢይ ስክፍታ የሕድር ከምዘሎን ቻይናን ሩሲያን ሶሪያን ነቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ክኹንና፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንህድኣት ይዕድም፡ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ሃገራት ቃል ኪዳን ውድብ ሃገርት ኣብ ኢራቕ ዘሎ ህልው ኵነታት ይከታተል ከምዘሎ ይሕብር፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ዝህልዎ ሳዕቤን ከቢድ ክኸውን ይኽእል ዝብል ፍርሒ ድሮ ይርአይ እውን ከምዘሎ ይሕብሩ።

ካርዲናል ቱርክሶን፡ ሰላም ኣብ ልዕሊ ምልክታ ውግእ ክዕወት

ድሕሪ መቕተልቲ ጀነራል ሱለይማኒ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢራን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝተሓበሮም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ክነግስ ተማሕጺኖም፡ እንነብረሉ ዓለም ኣብ ሰላም ምእማን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘረድእ ኩነት እዩ ከምዝበሉን፡ ትርጉም ፖለቲካዊ ምሕደራ ንኣገግሎት ሰላም እዩ፡ ንውሱን ዞባ ጥራይ ዘይኰነ ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ምዃኑ ዝገለጽዎ ቃል ዝጠቐሱ ናይ ኵለንተናዊ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ምዕባለ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን፡ እቲ ወጥርትን ቅልውላውን ካብ ሰላምን ደላይ ሰላምን ምዃን ከየርሕቐና ቢሎም፡ ጸሎት ናይ ሰላም መሰረት እዩ ስለዚህ ኵሉ ምእንቲ ሰላም ክጽልን ኣብ መገዲ ሰላም ምርኻብ ጥራሕ እዩ ሰላምን ጸጥታን ዘውሕስ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣብ ዘባ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ናብ ዘስክፍ ደረጃ ዝድርኽ እዩ፡ እቲ ህልው ኩነታት ነዚ እውን ዝመስል ይዅን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዕለት ሓደ ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ ሰላም ኣብ ምድላያ ከይንስልክይ ይምዕዱና፡ ብተስፋ ዝተደገፈ ኪደት ሰላም፡ ኢየሱስ ሰላም ንኸምጽእ እዩ ናብ ምድሪ ዝመጸ፡ ኣብ ልዕሊ ዓምጽን ጽልእን በቐልን ሞትን ስዒሩ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ ኰነ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝረአይ ዘሎ ግጭትን ውጥረትን ንኽንስዕር መታን እዩ ኢሎም።

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ፥ ናይ ምርኻብ ባህሊ ምስዘይህሉ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዘለሉ ኵርናዕ ፍርሕ ከተኣታትው ዝኽእል መደባት እዩ ዝሕንጽጽ፡ ስለምንታይ እቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምኽንያት ኵሉ ጸገማት ገርካ ስለ ዝሕሰብ፡ ዮሓንስ መበል 23  ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሩሲያን ብምኽንያት ቅልውላው ኵይባ ተፈጥሪ ዝነበረ ውጥረት፡ ስነ ሜላዊ ርክባት ከዐውት ገይሮም እዮም። ምትእምማንን ምቅርራብን ዘተን ክዕወት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ሜላ ርክባት ካብ ቀደም ዓቢይ ተራ ተጻዊቱ እዩ ሎሚ እውን፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ክርስቶስ ዝተወሃባ ተልእዀ ኣስፍሆተ ወንጌል ጥራሕ ዘይኰነ ከምቲ ዮሓንስ መበል 23 ዝገብርዎ ናይ ሰላምን ናይ ዕርቅን ምሕረትን መጋበርያ ንኽትከውን እውን እዩ ምስ በሉ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተሓሳሰቡና ምእንቲ ሰላም ምጽላይን ሰላማዊ ተግባራት ምፈጻምን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ቱርክሶን፥ ድርዀት በቐል ምስናፍ፡ ቅልውላው ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ከብቅዕ
04 January 2020, 16:42