ኣረጋውያን ዝጓሓፉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይኰኑስ ክኽበሩ ዝግብኦም ሃብቲ እያቶም ኣረጋውያን ዝጓሓፉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይኰኑስ ክኽበሩ ዝግብኦም ሃብቲ እያቶም 

ኣረጋውያን ዝጓሓፉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይኰኑስ ክኽበሩ ዝግብኦም ሃብቲ እያቶም

ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ቤት ንዅሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ በቢ ናይ ዕድመ ጽፍሕታቱ እትሓቍፍን እትኣልይን ብምዃና ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝምልከቶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምብቕራብ ተሰንይ

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ናይ ዕድመ ሃብቲ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ናይ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝመክር ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዝቕጽል ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 29 ጥሪ ከምዘበገሰ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ዝከታተሉ ዘለዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ መባእታ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ጀሚሮም እምነት ኣብ ምትሕልላፍን ዘተ ምስ መንእሰያትን ናይ ሕዝቢ ኣናስር ንምዕቃብን ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘለዎም ዓቢይ ግደ ደጋጊሞም ብምዝኽኻር፡ ንሳቶም ተምሳል እቲ ብቐጻልነት ፍሬኡ ዝህብ ኦም እያቶም፡ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ወቕቲ ህላዌ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ኣገዳስነቱን ጽባቔኡን መሰኻኽር እያቶም እንክብሉ ደጋጊሞም ይገልጽዎም። ስለዚህ እዩ ድማ እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቲ ቅዱስነቶም ብዛዕባ  ሳልሳይ ዕድመ ተባሂሉ ዝግለጽ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣማእኪሎም ዝሃብዎ ኣስተምህሮ መሰረት ገይሩ ቀዳማይ ዛዕባ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዕድመ ንዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ዘሰናደወ።

ኣረጋውያን ዝጓሓፉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይኰኑስ ክኽበሩ ዝግብኦም ሃብቲ እያቶም
ኣረጋውያን ዝጓሓፉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይኰኑስ ክኽበሩ ዝግብኦም ሃብቲ እያቶም

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስትያን ታሪኽን ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያን ኣጐስቲኒያኑም መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ካብ 60 ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ገዳማውያንን ደናግልን ብጠቕላላ ኣስታት 550 ልኡካን ኣሳቲፉ ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ፡ ምጉሓፍን ተጠቒምካ ምድርባይን ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ ምብዳህን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ጭቡጥ ኩነታቶም ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ጐድኖም ከምዝዀነትን፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኣባይቲ ስድራ፥ ኣብ ቅድሚ ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ዘለዎ ሓላፍነትን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዙ እውን ጸጋ ሕይወትን ኣብ ምትሕልላፍ እምነትን ግደ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝመክር ከምዝዀነን፡ ነዞም ክልተ ርእሰ ጉዳያት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትርጓም ዝድግፍ መደብ ዘቕርብ እውን ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ቤት ንዅሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ በቢ ናይ ዕድመ ጽፍሕታቱ እትሓቍፍን እትኣልይን ብምዃና ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝምልከቶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምብቕራብ እውን ተሰንይ፡ እዚ እተቕርቦ ኣገልግሎት’ዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኰይኑ ዝቐርብ እውን እንተዀነ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ሰብ ከም ሰብ ዘይኰነ ክም ስሉጥነቱን ፍርያምነት ምፍራድ ዝብል ነጻግን ጓሓፋይ ባህሊ ንምብዳህ ዘብቕዕ መጋበርያ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተመላኽት።

ኣረጋውያንን ኣስፍሆተ ወንጌልን

እዚ ዕድመ ሃብቲ እዩ ወይ ከኣ ናይ ዕድመ ሃብቲ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሐ ዛዕባ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝመክር ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ፥ ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ ዓለም 703 ሚሊዮን ከምዝዀኑን ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ዓሰርተታት እቲ ብዝሒ ናብ 1.5 ሚሊያርድ ክብ ዝብም ምዃኑ ዝገልጽ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዓቢይ ግምት ዝህብን፡ እቲ ምምሕያሽ ሕይወትን ምዕባለን ዝፈጥሮ ዘሎ ኵነት ግምት ዝህብን እውን እዩ፡ እዚ ንቤተ ክርስትያን ኰነ ንመንግስታት ሃገራትን ተቕዋማትን ብድሆ እዩ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል እውን ብድሆን ሓድሽ ዕድልን ምዃኑ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ብዕድመ ዝደፍኡ ዜግታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ቪቶሪዮ ሸልዞ ይሕብሩ።

ኣረጋውያን ዝጓሓፉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይኰኑስ ክኽበሩ ዝግብኦም ሃብቲ እያቶም
29 January 2020, 17:18