ቱርክሶን ኣብ ዳቮስ ዓውደ ጉባኤ ኤኮኖሚ፥ ናይ ድኻታትን መሬትን ገዓር ጽን ምባል ቱርክሶን ኣብ ዳቮስ ዓውደ ጉባኤ ኤኮኖሚ፥ ናይ ድኻታትን መሬትን ገዓር ጽን ምባል 

ቱርክሶን ኣብ ዳቮስ ዓውደ ጉባኤ ኤኮኖሚ፥ ናይ ድኻታትን መሬትን ገዓር ጽን ምባል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም፥ መሬትን ድኻታትን ይነብዑ ኣለዉ፡ ስለዚህ ነቲ ገዓር’ዚ ጽን ምባልን ክእለዩን ናይ ኵላትና ህጹጽ ሓላፍነት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 50 ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ ዓውደ ጉባኤ፥ ውልቃውነት ምስናፍን ሕድ ሕዳዊ ናይ ምድግጋፍ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ምስትውዓልን ምንባርን ክህሉ ዘመላኽት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቲ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 21 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግልቶ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ክምዝዀኑን ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለዳንድሮ ዲ ቡሶሎ ክሕብሩ እንከለዉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጀካ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፡ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ናይ ሞስኮ ዓቢይ ራባይ ፒንካስ ኮልድሽሚትድ እውን ይሳተፉ ከምዘለዉን ገሊጾም፡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ናይ መሬትን ድኻታትን ገዓር ሰማዒ እዝንን ጽን ዝብል ልብን ክህልወናን፡ መንግስታት ዓለም ነቲ ዝኽስተ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ነዚ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝወርድ ስቓይን መከራን ግምት ዝህብ ኣነባብራ ከተባብዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ዓለም ሓቆፋዊ ምስትውዓል ዛዕባ ምዝባዕ ምህዳር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም፥ መሬትን ድኻታትን ይነብዑ ኣለዉ፡ ስለዚህ ነቲ ገዓር’ዚ ጽን ምባልን ክእለዩን ናይ ኵላትና ህጹጽ ሓላፍነት እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ምእንቲ’ዚ ነቲ ሓላፍነት’ዚ ንምስትውዓል ዓለም ሓቆፍ ምስትዋል ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ሳዕቤናቱን ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም፡ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራዊ ኰነ ካብ መዳይ ውልቃዊ ሕይወትን ዝኣልይ ስርዓት ፖለቲካን ኣነባብራን ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም ብፍላይ ኣብቲ ምዕራባዊ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ኢሃይማኖታዊ ባህሊ፡ ሃይማኖት ኣብ ምክንኻንን ምዕቃብን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘለዎ ግደ ወሳንን ማእከልን ምዃኑ ዝዝንግዕ ብምዃኑ፡ ናይ ሃይማኖት ድምጺ ሸለል ምባል ፍጥረትን ተፈጥሮን ንብዙሕ ሓደጋ የቃልዕ ከምዘሎ፡ እቲ ዝርአይ ዘሎ ኣብ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ቅልውላው ኤኮኖምን ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው ዘረጋግጾ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ሓቢሮም።

ቱርክሶን ኣብ ዳቮስ ዓውደ ጉባኤ ኤኮኖሚ
23 January 2020, 17:45